SKIP TO MAIN CONTENT

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳብዋ መሬት ዓጽያ

Sudanees President Umar Al Bashir
Sudanese President Omar Al Bashir Source: AAP

1 min read

Published

By SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳብዋ ብወገን ምብራቕ ዘሎ መሬታ ከምዝዓጸወት ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነ ፕሬዝዳንት ዑመር ሓሰን አልበሽር  ኣብ ዶብ እትርከብ ከሰላ ናይ ህጹጽ ኩነታት ምስ ኣወጀ ድሕሪ ሰሙን’ዩ።

ናይ ሱዳን መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሱና ከምዝገለጾ “ኣማሓዳሪ ከሰላ  አዳም ገማዕ አዳም ናብ ኤርትራ ዘራኽቡ ኩላቶም ዶባት ካብ 27 ታሕሳስ ጀሚሩ ክዕጸዉ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ እዩ።” እቲ ዜና ምኽንያት መዕጸዊ እቲ ዶብ ኣይገለጸን። እንተኾነ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከምዝገለጾ “ካብቲ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ መንግስቲ ሃዲሞም ኣሻሓት ኤርትራዊያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሱዳን ዝኣትዉ በዚ ዶብ እዚ እዮም።” ኢሉ።

እቲ ወኪል ዜና ናይ ፈረንሳ ንገለ ነበርቲ ከሰላ ኣዘራሪበ ዝረኸብክዎ ሓበሬታ ከምዝብሎ፡ ብዙሓት ወታሃደራዊ መኻይንን ታንኪታትን ሱዳን ናብ ዶባት ኤርትራ ኣምሪሐን ኣለዋ። ነበርቲ ከሰላ ንሮይተርስ ከምዝገለጽሉ ድማ ወተሃደራት ሱዳን ኣብ ዶባት ዓሪዶም ኣለዉ።

ኣብ ከሰላ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ብፕረሲደንት ዑመር ኣል በሺር ዝተኣወጀ ኮይኑ እዚ ኣዋጅ ንሰሜናዊ ኮርዶፋንውን ዘጠቓልል እዩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now