SKIP TO MAIN CONTENT

ሱዳንን ቐጠርን ኣንጻር መግለጺ ሚ/ሪ ዜና ኤርትራ መልሲ ሂበን::

ትማሊ ዝወጸ ንቐጠር፡ ሱዳንን ቱርኪን ዝኸስስ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ዝቃወም ደብዳበ መንግስቲ ቐጠር ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቐጠር ዓሊ ኢብራሂም እኩድ ከምተዋህበ ናይ ዓዋተ ገዳብ ኒውስ ጸብጺቡ። ብኻልእ ወገን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ነቲ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ክሲ ዝቃወም መግለጺ ከምዘውጽአ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።

News
Source: Ministry of Information Eritrea

2 min read

Published

Source: Gedab News


Skip to article content

ትማሊ ዝወጸ ንቐጠር፡ ሱዳንን ቱርኪን ዝኸስስ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ዝቃወም ደብዳበ መንግስቲ ቐጠር  ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቐጠር ዓሊ ኢብራሂም እኩድ ከምተዋህበ ናይ ዓዋተ ገዳብ ኒውስ ጸብጺቡ።

እቲ ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ነቲ ኣዕናዊ ተባሂሉ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተጸወዐ 'ቤት ምኽሪ ዑላማእ ኤርትራ" (መጅልስ ሹራ ራቢጣ ዑላማእ ኤሪትሪያ)፡ ኣብ ካርቱም ኣኼባ ብምግባር ኣንጻር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐንዐ መግለጺታት ከም ዝሃበ ብምጥቃስ፡ እቲ "ኣዕናዊ ተግባራት" ኣብዚ ዓመት'ዚ ከም ዝሓየለን ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ መስርሕ ሰላም ንምዕንቃፍ ዚዓለመ እዩ ብምባል ይኽስስ። እዚ ጉጅለ በዘን ሰለስተ ሃገራት ዝምወል ከምዝኾነን መንስቲ ሱዳን ድማ ነዚ ኣዕናዊ መደብ ንግዝኣቱ ክጥቀመሉ ምፍቃዱ ይኸስስ።

እቲ ንኣምባሳደር ኤርትራ ዝቐረበ ናይ መንግስቲ ቐጠር ደብዳበ ‘በቲ ሚኒስትሪ ዜና ዝቐረበ መግለጺ፡ መንግስቲ ቐጠር ከምዝሓዘነን ምሉእ ብምሉእ ከምዘይቅበሎን’ ከምዝገለጸ እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ።

ብኻልእ ወገን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ  ሱዳን ነቲ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ክሲ ዝቃወም መግለጺ ከምዘውጽአ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።  ‘ካብ ግዝኣት ሱዳን፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ሸርሒን  ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመራኦ ናይ ሰላም ጉዕዞ ዝዕንቅፍዩ’ ተባሂሉ ዝቐረበ ክሲ ዘሰንብድ ክሲ’ ከምዝኾነ እቲ መግልጺ ኣፍሊጡ።

ሱዳን፡ “እቲ ብሚኒስትሪ ኤርትራ ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ካርቱም ኣኼባ ናይ ሓደ ጉጀ ኤርትራ ወይ ናይ ዝኾነ   ይኹን ጉጅለ ኣብ ካርቱም ኣኼባ” ከምዘይተገብረን  “ሱዳን ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቂ ክግበር ካብ ነዊሕ ዝሰርሓትሉን ነዚ ዝተገብረ ዕርቂ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን አንቋዕ ኣሐጎሰኩም ካብ ዝበላ ቀዳሞት ሃገራት ሱዳን ከምዝኾነት እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ  ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ከምዘብርሀ ገዳብ ኒውስ ጸብጺቡ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now