ሰለስተ ዓበይቲ ምሁራት ሱዑዳዊያን ብብዙሕ ክሲ “ግብረሽበራ” ተኸሲሶም ተቐይዶም ዘለዉ ንኽርሸኑ ከምተፈርዱ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
መሰኻኽር ጠቒሱ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ እቶም ድሕሪ ምውዳእ ጾም ረመዳን ክርሸኑ ተፈሪድዎም ዘለዉ ምሁራት ሼኽ ሳልማን ኣል ኣውዳህ፤ ኣዋድ አል ቃርኒ ከምኡውን ዓሊ ኣል ዖማሪ ዝበሃሉ እዮም።
ብዛዕባቲ ሪፖርት ሰብ መዚ ሱዕዲ ዓረብ መብርሂ ኣይሃቡን።
ኣል አውዳህ ብዓለም ደረጃ ዝፍለጥ ገስጋሲ ናይ እስላም ምሁርን ብዉዱብ ሕቡራት ሃገራት “ኣምጻኢ ለውጢ” ዝፍለጥ እዩ። አል ቃርኒ ሰባኺ ምሁርን ደራሲን ክኸውንከሎ አል ዖማሪ ድማ ፍሉጥ ናይ መዲያ ሰብ እዩ።
ሱዕዲ ዓረብ ንምሁራት እስላም ክትቀትል ዓጢቓ ከምዘላ ዘመልኽት ብዙሓት ምልክታት ከምዘለዉ ዝገልጹ ኣለዉ።
ሓደ ካብ መንግስቲ ሱዕዲ ዓረብ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ዝሓለፈ ወርሒ ሱዕዲ ዓረብ 37 ሰባት ዝረሸነት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝወሃብ መልሰ ግብሪ ንምዕቃን እዩ ይብል።
ሓደ ፍሉጥ ናይቲ መንግስቲ ተቓዋምን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ሓላፊ ትካል ጉዳያት ከሊጅ ዝኾነ ዓሊ አል አሕመድ ከምዝብሎ “እቲ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ምርሻን ናይዞም ሰለስተ ምሁራት ንህዝቢ ሱዕዲ ዓረብ ኣሰኩንካ ተገዛእቲ ንምግባር ዝፍጸም ገበን እዩ” ኢሉ።
"እዚ ናይ ሱዕዲ ዓረብ ስርዓተ ቤት ፍርዲ ልክዕ ከም ስርዓተ ፍርዲ ካንጋሩ ዝመሳሰል እዩ።” ክብል ኣል ኣሕመድ ንኣልጀዚራ ካብ ዋሺንግተን ከምዝገለጸ ተፈሊጡ።
እዞም ሰለስተ ምሁራት ኣብ ሪያድ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርቡ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣብ መስከረም 2017 ሰብ መዚ ሱዕዲ ዓረብ ብስም ጸረ ብልሽውና ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተኣስርሉ እዋን እዮም ብ ሓዲሽ ሉኡል መሓመድ ቢን ሳልማን እዮም ተኣሲሮም።

