Man receiving a back massage
Man receiving a back massage
This article is more than 3 years old

ሱዛን ክኢላ ምድራዝ (massage) ሰብነት'ያ ፡ ብስሩዕ ግን 'ብምርዋይ ስጋዊ ርክብ ክትዛዝም' ትሕተት

ኣብ ኣውስትራሊያ ስደተኛታት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስርሐን ጾታዊ ዓመጽ ከይፍጸመን ይለማለማ ፤ ብድሕሪ እዚ ጉዳይ ዓሌታዊ ጸገም'ውን ኣሎ ይብሉ ናይቲ ኢንዱስትሪ ክኢላታት ።

Published

By Charis Chang
Source: SBS

ሱዛን (ናይ ሓቂ ስማ ኣይኰነን) ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ ታይላንድ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኣ ፡ ዳርጋ ምሉእ ግዜኣ ከም ክኢላ ምድራዝ ሰባት ኰይና ትሰርሕ ዘላ እያ ።

ከም ኣካል ናይቲ ዝረኸበቶ ናይ ቪዛ ኣገባብ: ኣብ ሰሙን ን20 ሰዓታት ክትሰርሕ ተፈቕደላ: ስለዚ ድማ ኣብ ቤት ናይ ሰብ ምዕያይ ከምኡውን ኣብ ሲድኒ ብእብረ ናይ ምድራዝ (ማሳጅ) ስራሕ ትሰርሕ ። እንግሊዝኛ ንዘይዛረብ ሰብ፡ ምድራዝ ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል እዩ ትብል ፡ ምስ ግዜ ግን ነቲ ሞያ ክትፈትውኦ ከምዝኸኣለት ትዛረብ።

ኣብ ባንግኮክ ባህላዊ ታይ ማሳጅ ተማህረት ፡ ካብ ናይ ኣውስትራልያ ኮሌጅ ማሳጅ ድማ እንደገና ናይ Remedial Massage ብዲፕሎማ ተመሪቓ። ሱዛን ንስራሓ ትፈትዎ እኳ እንተ ኰነት ፡ ጾታዊ ምጭናቕ ግና ልሙድ እዩ ።

"ቴስዓን ሓሙሽተን ካብ ሚእቲ ጥዑያት ዓማዊል እዮም ዘለዉ። " "ጽቡቕ ግብረ-መልሲ ኽወሃበካ ከሎ ፡ ጽቡቕ ይስምዓካ ፡ ንስራሐይ እፈትዎ እየ "ትብል ። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ሱዛን ተገልግሎም ዓማዊል ብፍላይ ኣብ ሲድኒን ብታይላንዳውያን ኣብ ዝንቀሳቐሳ ትካላትን ግን፡ 'ዘሐጕስ መወዳእታ" (ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምድራዝ ስጋዊ ርክብ ብምሕታት ርውየት ምርካብ) ዝሓቱ ኣለዉ ፣ እዚ ከኣ ፡ እቲ ምስ ዓማዊል ዝግበር ጾታዊ ርክብ ኣካል ናይቲ ኣገልግሎት ምሕሳብ እዩ ።

A man receiving back massage
Susan (not pictured) has received inappropriate requests throughout her career. Source: Getty / Caia Image

"ትሑት ተመክሮ ን እንግሊዝኛ ብግቡእ ክትዛረብ ምስ ዘይምክኣልን" ትብል ሱዛን ፡ "ኣብ መጀመርታ ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ ።"

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ከም ሱዛን ዝ ኣመሰላ ኣብ ኣውስትራሊያ ንስደተኛታትን መጻእተኛታትን ጾታዊ ዓመጽ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዘሎ ተመክሮታትን ግብረ መልሲታትን ኽርድኡ ይፍትኑ ኣለው ፡ ብ ANROWS ዝበሃል ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣንስትን ደቆምን ዝወርድ መጥቃዕቲ ዘጽንዕ ናይ ምርምር ኣካል እዩ ።

ተመራማሪት ኣሶሴየት ፕሮፈሰር ማሪ ሰግራቭ ፡ "ስደተኛታትን ደቂ ኣንስትዮን ፡ ኣብ ስራሕ ዘጋጥሞም ጾታዊ ምሽጋር ንምውጋድ ፡ ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ መጽናዕትታትን ሃገራዊ ውዕላትን ካብ መጠን ንላዕሊ ጸብለል ይብሉ እዮም ።"

ሱዛን ዘጋጠማ ጥቕዓት እተፈላለየ እዩ ። ስርሓ እናሰርሐት ወይ ማሳጅ እናገበረት ገለ ካብቶም ሰብኡት ፡ እግራ ወይ ካልእ ክፋል ኣካላታ ክትንክፉ ይፍትኑ ፡ ትብል ። ኣብ ሲድኒ ኽትዓዪ ከላ ፡ መብዛሕትኡ ከምዚ ዓይነት መዓልታዊ እዩ ዘጋጥም ነይሩ ።

"ከይተፈለጠካ ፡ ኣካላትካ ኽትንክይዎ ይፍትኑ ።"

"ክፍትኑኻን ኽትንክፉኻን ይፍትኑ፡ ወይ ከኣ ክዛረቡኻን ኺሓትቱኻን ፡... ሓሳብ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም ።"

ገሊኦም ዓማዊል ፡ ዝደለይዎ ዋጋ "ክዋገዩ" ይፍትኑ እዮም ፣ ገሊኦም ከኣ ነቲ ጨርቂ ሽፋን ብምልዓል፡ 'ኣካላቶም ይቐልዑዎ " ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተሞክሮኣ ፡ ዓማዊል እቲ ዝያዳ ዝደልይዎ ነገር ኣብ ምልላይ ተመኲራ እያ ። ሓደ ሰብ ምሉእ ኣካላቱ ክድረዝ ምስዝሃትት ሃደ ምልክት እዩ ።

"ካብ ተመክሮይ ፡ ምሉእ ኣካላቱ ክድረዝ ዝሓትት ወዲ ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ይፈልጥ እየ ።

A man getting a stone massage
Susan is a specialist in warm stone massage. Source: Getty / Yuri Arcurs

ሎሚ ሱዛን ኣብ 40ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኰይና ፡ ኣብ ኲንስላንድ ናይ ርእሳ ናይ ምድራዝ ንግዲ ተካይድ ።

ሎሚውን ኣብ ሰሙን እንተ ወሓደ ናይ መወዳእታ ምድራዝ ግብረ ስጋ ብምፍጻም ምሕጓስ እንተልዩ ደወል ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከም እትረክብ ትገልጽ ።

ብጽኑዕ ግን ከኣ ብትሕትና ነቲ ሕቶኦም ትነጽጎ ፣ ሰራሕተኛታታ ድማ ፡ ከምዚ ባህሪ ዘለዎም ዓማዊል እንተ ኣልዮም ክነጽጋ ተጠንቅቐን።

ሱዛን ኣብ ተመክሮኣ ፡ ብዙሕ ተመክሮ ዘይብለንን እንግሊዝኛ ጽቡቕ ዘይዛረባን መንእሰያት ሰራሕተኛታት ቀንዲ ግዳያት ከምዝኾናን ትገልጽ ፡ "ብኸመይ ከም ከምዝጠርዓ ስለ ዘይፈልጣ" ምዃኑውን ገለጸት ።

"ንእሽቶ ከለኹ ፡ ንፈርሕ ስለ ዝነበርና ፡ እበኪ ነይረ ።"

ፕሮፌሰር ሰግራቭ ምስዚ ትሰማማዕ።

"[ሱዛን] ዘሕለፈቶ ተመክሮታት ፡ ኣብ መንጎ ጾታዊ ዓመጽን ዓሌታዊ ኣድልዎን ዝተቐርቀረ እዩ" በለት ።

ታይላንድ 'ናይ ወሲብ ቱሪዝም "እያ። ኣብታ ሃገር ዘይሕጋዊ እናሃለወ ናይ ወሲብ ስራሕ ብግህዶ ዝካየደላ እዩ ። ኣብዚ ኢንዱስትሪ ኣብ ዓመት ኣስታት 8 ቢልዮን ዶላር ንቁጠባ እታ ሃገር ከምዘበርክት ይግመት ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ልዕሊ 18,000 ናይ ምድራዝ ሰብነት ሞያተኛታት ኣለው። ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ወጻኢ ሃገር ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ ፡ ዳርጋ 46 ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ ሞያ ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ወጻኢ ይውለዱ ። ኣስታት 31 ሚኢታዊ ካብ ሃገራት ኤስያ ዝመጹ ኮይኖም ካብዚኦም ከባቢ 12 ሚኢታዊ ካብ ደቡብ ምብራቕ እስያ ዝመጹ እዮም ።

An electric sign reading 'massage'
A flashing sign spruiks massage for sale Source: SBS / SBS Thai

ዘይውሕስነት ቪዛ

ፕሮፌሰር ሰግራቭ ፡ ሰባት ክሰርሑ ስለ ዘየፍቅድ ፡ ወይ ንነዊኅ ሰዓታት ክሰርሑ ስለ ዘየፍቅድ ፡ ከቢድ ስራሕ ምስራሕ ንጾታዊ ጥቕዓት ከቃልዕ ከም ዝኽእል ትገልጽ ።

ሱዛን ኣብ ኣውስትራሊያ ቀዋሚ ቪዛ ብዛዕባ ዘይብለን ስራሕ ንምርካብን ወጻኢታተን ንምኽፋልን ወሲባዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ጸቕጢ ዝተገብረለን ኣንስቲ ትፈልጥ እያ ።

ኩሉ ክሲታት ን ኣካየድቲ ኣይሕበርን ፡ ኩሎም ናይ ንግዲ ትካላት ንፖሊስ ሓበሬታ ዝህቡ ኣይኮኑን ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ANROWS ፓድማ ራማን ፡ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታትን ደቂ ኣንስትዮን ዝግበር መጽናዕቲ ንመንግስትታት ፡ ኣስራሕትን ጕጅለታት ኢንዱስትሪን መርትዖ ከም ዝኸውን ይገልጽ ።

"እዘን ጕጅለታት ደቂ ኣንስትዮ እዚኣተን ልዑል ጾታዊ ምጭናቕ ከም ዘጋጥመን ንፈልጥ ኢና: እዚ ምርምር እዚ ከኣ ነዚ ንምክልኻልን ምላሽ ንምሃብን ዝያዳ ውጽኢታውያንን ባህላውያንን ውሑስ ስትራተጂታት ንኸነማዕብል ክሕግዘና እዩ ።"

ኣብ ስራሕ ቦታኻ ወይኻዓ ዝኾነ ሰብ ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተጋጢሙካ ብ 000 ምድዋል ።

1800respect ብ1800 737 732 ወይ ከኣ ብ1800 1800 7RESPECT.org.au ኣቢሉ ጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ጾታዊ ምሽጋር ንዝፈጸመ ሰብ ናይ መማኽርቲ ኣገልግሎት ይህብ እዩ ።

ናይ ኣውስትራሊያ ሰብኣዊ መሰላት ኮምሽን ኣብ ቦታ ስራሕ ንሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ብዛዕባ ጾታዊ ምጭናቕ ሓበሬታ ይህብ እዩ ።

Would you like to share your story with SBS News? Email yourstory@sbs.com.au

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now