ከልቢ ከተዛውር ወይ ብሽግለታ ኣብ ትዝውረሉ ፣ በዓል ክንቲት ዑፍ ሸልቢቡካ ክሓልፍ ክስመዓካ እንከሎ ብኡ ንብኡ ብርእስኻ ሸቡቡ ዝሕሚሙ ይተኽበካ ። ከይተፈለጠካ ብ ማግፒ ዘይኮነ ብኻልእ ዑፍ ተተዂብካ ትኽእል ፡ እሞኸ ደኣ እዚ ዑፍ እንታይ እዩ ?
እቲ ፍልይ ዝበለ ጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ ዘለዎ ክንቲት ዝውንን ዑፍ ማግፒ ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ተዃቢ እኳ እንተ ኰነ ፡ ተኾብቲ ግና ንሳተን ጥራይ ኣይኰናን ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግሪፊዝ ናይ ስነ-ኢኮሎጂ ተመራማርን ጡረታ ዝወጸ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተመራማርን ዳሪል ጆንስ: ኵለን እተን ዝታኾባ ኣዕዋፍ ሰፈረን ከይድፈር ካብ ምፍርራሕ ንምክልኻል: እቲ እንኮ ምኽንያት ምዃኑ ገለጸ ።
"ኵለን እዘን ኣዕዋፍ እዚኣተን ሓንቲ ነገር እየን ዝገብራ ዘለዋ: ነቶም ኣብ ሰፈሮም ዘለዉ ጫቚቶም ከይድፈሩ ንዝፈርሕዎም ንምርሓቕ እዩ ። "

ሚነርስ ፡ ምይናስ (Miners v mynas)
ነዘን ክልተ ኣዕዋፍ ብቐሊሉ ከነደናግረን ንኽእል ኢና ፡ ክልቲአን ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ እየን ዝጐዓዛ ። እንተኾነ ግን ሓንቲ ዓይነት ካብ አን ጥራይ እያ ናይ ምትዃብ ባህሪ ዘለወን።
ጆንስ ፡ "እዛ ንዛረበላ ዘለና ፡ እታ ወጫጪት ሚነር እያ" በለ ።
ዝውጭጫ ሚነራት ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ኣለዎም ፡ ጸሊም ምዕጉርትን ብጫ ሕብሪ ኣለዎም ። ብዙሕ ዓው ይብሉ እዮም ።

"The shrieking plover" እዚ'ውን ካልእ ፍሉጥ ኣውስትራሊያዊ ዑፍ ዝታኾብ እዩ፡
ካልእ ዝታኾብ ዑፍ ድማ እቲ ፕሎቨር እዩ።
ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ ፡ ጻዕዳ ከብድን ቡናዊ ኣኽናፍን ጸሊም ኣኽሊልን ኣለዎ ። መትኮቦም ብጫ እዩ ፣ ካብ ኣኽናፎም ከኣ ንእሽቶ እሾዅ እዩ ዝውንጨፍ ።
ሰፈሮም ኣብ ባይታ ስለዝቕመጥ ፡ ሰፈሮም ከይትንከፍ "ኣዝዮም ተነቀፍቲ" ስለ ዝዀኑ ፡ ወትሩ ኣብ ተጠንቅቕ እዮም ዘሕልፉ ።
ጆንስ ከምዝገልጾ፡ ላፕዋንግ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ፡ ኪቶኽቡ ከለዉ ኣይትንክፉኻን እዮም ፣ ኰይኑ ግና ፡ እቲ ኣብ ኣቀራርባኦም ዝርእይዎ ብርቱዕ ድምጺ ኼፍርሃካ ይኽእል እዩ ።
"ሃሪሞም ኣይፈልጡን ፡ ኬፈራርሁኻ ኢሎም እዮም ከምኡ ዝገብሩ ።"
ጆነ ኢልካ ምትኳብ
ገሊአን ኣዕዋፍ ከጥዓኻ ይደልያ እየን ። ጆንስ ካልእ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ በዚ ኣዝዩ ዝፍለጥ ዓይነት ኣዕዋፍ ከምዘሎ ይሕብር ።
"ኪሐልፉኹም ከለዉ ፡ ካባኻትኩም ገለ ስጋ ቀንጢቦም ተኺቦሙኻ ዝሓልፉ እዮም ። እዚ ብዙሕ ግዜ እዩ ኣጋጢሙ "በለ ።
ሓርድቲ ኣዕዋፍ (Butcherbirds ) ን ማግፒ ዝመሳሰላን ጻዕዳ ክሳድ ዘለወን እየን ።

"ነዚኣተን ክትምክተን ኣጸገምቲ እየን ። ማፒታት ብቐሊሉ ኺተሓዛ ዝኽእሉ እዮየ ፣ ግናኸ ፡ ኣዕዋፍ ቡቸር ንኽትሕዘን ዘይትኽእል በላሕቲ "በለ።
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

