ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝግበር ዘተ ሰላም ኣብ 24 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝግበር ተፈሊጡ።
እቲ ናይ ሰላም ዘተ መዓልቲን ቦታን ዘቕረበ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ አምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ ናይ ጸጥታ አማካሪ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ 8 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምግሎ ዘተ ብክልቲኦም ወገናት ተቐባልነት ረኺቡኳ እንተነበረ ብሰንኪ እኹል ምቅርራብ ከምዘይተገብረ ይፍለጥ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ዝቐጸለ ኮይኑ ኣብዚ ሰሙን ሽረ፣ አላማጣን ቆቦን ካብ ሓይሊታት ትግራይ ከምዝተቖጻጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኔሩ።
አምባሳደር ሬድዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ከምዝሳተፍ እንተ ኣፍለጠ'ኳ ብወገን ወከልቲ ትግራይ ዛጊት ዝተዋህበ መረጋገጺ የለን።