SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወከልቲ ትግራይን ኣብዝመጽእ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ክካየድ እዩ።

Ambassador Redwan Hussien.jpg
Ambassador Redwan Hussien, National Security Advisor to Prime Minister Abiy Ahmed.

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝግበር ዘተ ሰላም ኣብ 24 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝግበር ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ሰላም ዘተ መዓልቲን ቦታን ዘቕረበ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ አምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ ናይ ጸጥታ አማካሪ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ 8 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሽምግሎ ዘተ ብክልቲኦም ወገናት ተቐባልነት ረኺቡኳ እንተነበረ ብሰንኪ እኹል ምቅርራብ ከምዘይተገብረ ይፍለጥ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ዝቐጸለ ኮይኑ ኣብዚ ሰሙን ሽረ፣ አላማጣን ቆቦን ካብ ሓይሊታት ትግራይ ከምዝተቖጻጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኔሩ።

አምባሳደር ሬድዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ከምዝሳተፍ እንተ ኣፍለጠ'ኳ ብወገን ወከልቲ ትግራይ ዛጊት ዝተዋህበ መረጋገጺ የለን።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now