ታንዛኒያ ብፕረሲደንት ጆን ማጉፉሊ ንዓመታት ክትምራሕ ድሕሪ ምጽናሕ ንሱ ከም ብሓድሽ ክምረጽ ኣብዝግበር ዘሎ ምርጫ ናይ ታንዛንያ መራሒ ተቓዋሚን ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረሲደንትን ቲንዱ ሊሱ ኣብቲ ምርጫ "ሰፊሕ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓ" ኣሎ ኢሉ ይኸስስ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብዘለዋ ሃገራት ብርግኣታ ንነዊሕ እዋን ክትምጎስ ዝጸንሐት ታንዛኒያ ኣብትሕቲ መሪሕነት ወዲ 60 ዓመት ሚስተር ማጉፉሊን እቲ ካብ 1961 በቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ቻማ ቻ (CCM) ማምፒንዱዚ ደሞክራሲ ክብሕጎግ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ክግደብ ከምዝተራእየ ተዓዘብቲ የማርሩ።
ተዓዘብቲ ከምዝገልጽዎ ከምዘለዉ፡ ኣብዚ ምርጫ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን ርትዓውነት እቲ ዝግበር ምርጫ ኣብ ሕቶ ምልክት የእትውዎ፡ ኣብታ ከፊላዊ ርእሰ ምምሓዳር ዛንዚባር ድማ ዕግርግር ብምኽሳቱ 10 ሰባት ከምተቐትሉ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ።
"ጸብጻባት ምድማጽ ከምዝሕብርዎ፡ ናይ ምድማጽ ል ኡኻትና ናብ ነቑጣታት መድመጺ ከይቀርቡ ብምግባር ብዙሕ ዘይስሩዕ ኣሰራርሓታት ነጊሱ ኣሎ" ክብል ሚስተር ሊሱ ብትዊተር መልእኽቲ ጽሒፉ።
"እዚ ነገር እንተቐጺሉ፡ ነዚ ናይዚ ምርጫ ሓቀኛነት ንምርግጋጽ፡ ሰፊሕ ደሞክራሲያዊ ስጉምቲ እቲ እንኮ ኣማራጺ ክከውን እዩ።"
ቀንዲ ማሕበራዊ መዲያታት ከም WhatsApp ን Twitter - ኣብ ምሉእ ታንዛኒያ ተዓጽዮም ኣለዉ፡

ጥቓ እምባ ኪላ ማጃሮ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሞሺ ነስትሮ ሹ ኮሚሽን ምርጫ "ዘይወገናውነት ኣሰራርሓ ብምግባር ሰላም ከስፍን" ጸዊዑ።
'I screamed'
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ጽርግያታት ዛንዚባር ብዘይ በጻሕቲ ገረውረው እዩ ኢሉ ዘሎ፡ ነበርቲ ድማ ብፖሊስ ይሳደዱ ስለዘለዉ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ ካል ኣይቲ ደሴት ፐምባ ብሰኑይ 9 ሰባት ብፖሊስ ከምተቐትሉ ሰልፊ ተቓዋሚ ከሲሱ ኣሎ።
ዜጋታት ዛንዚባር ናይ ገዛእ ርእሶም ፕረሲደንትን ኣባላት ፓርላማን ከምኡውን ንዛምብያ ዝምረጽ ፕረሲደንት እዮም ድምጾም ዝህቡ። ኣብ ዛንዚባር ዝርከብ ሰልፊ ተቓዋሚ እቲ ድምጺታት ተሰሪቑ ብምባል ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ከሲሱ። ናይ ወጻኢ ተዓዘብቲውን በዚ ይሰማምዑ።
ሚስተር ማጉፉሊ ኣብቲ ፈለማ ኣንጻር ብልሽውናን ብኽነት ጸጋታትን ብምጉስጓሱ ተቐባልነት ረኺቡ ኔሩ፡ ንሱ ኣብ ዶዶማ ድምጹ ኣብዝሃበሉ እዋን ህዝቢ ወጺኡ ድምጹ ክህብ ጸዊዑ።

"ሰላምና ክንሕሎ ድማ የድልየና እዩ፡ ወትሩ ድሕሪ ምርጫ ህይወት ኣሎ።" ብምባል ኣብ ዋና ከተማ ታንዛንያ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ፈለማ ህቡብነት ኣጥርዩ ዝነበረ ሚስተር ማጉፉሊ ኣብ ተቓወምቱ ብዘርእዮ ዘይተጻዋርነት ብ ተጣበቕቲ መሰልን ኣዝማድ ሃገራትን ክውቀስ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሃሙሽተ ዓመታት ተሪር ሕጊ መዲያ ዝወጸ ኮይኑ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲን ተኣሲሮም ብዙሃት ኣባላት ተቓወምቲ ተቐቲሎም ኣለዉ።
ሚስተር ማግፉሊ ኣብ ምስፋሕ ነጻ ትምህርቲ፡ ገጠራት ኤለክትሪክ ከምዝኣትወን ብምግባር ከም መገዲ ባቡራት፡ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ ሃይድሮ ሓጽቢታት፡ ሕውየት ሃገራዊ መገዲ ኣየር ኣብዝገበሮም ስራሓት ተዓዊቱ እዩ።

'A farce'
ኣብ ማእከል ታንዛኒያ፡ ካብ ሰልፊ ቻደማ ወዲ 52 ሚስተር ሊሱ እቲ ቀንዲ ን ሚስተር ማጉፉሊ ዝብድሆ ተወዳዳራይ እዩ።
ንሱ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ፈተነ ቅትለት ዝበሎ 16 ግዜ ብጥይት ምስተወግአ ናብ ወጻኢ ከይዱ ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ዝወዳደር ዘሎ።
ምምላስ ሚስተር ሊሱ እቲ ኣብ እዋን ምርጫ ሰላማዊ ሰልፊ ከይግበር ብምግዳቡን ናይ ብዙሓት ማእሰርቲን ተስፋ ቆሪጹ ዝነበረ ሰልፊ ተቓዋሚ ክነቓቓሕ ኪኢሉ ኣሎ።
እቲ ሰልፊ ተቓዋሚ ዓንቲሩምእንቲ ክወጽእ ዚቶ ካብወ መራሒ ሰልፊ ACT-ዋዛለንዶ ሚስተር ሊሱ ናይ ታንዛንያ ፕረሲደንት ክከውን ደገፉ ሂብዎ እዩ።

ከም ሞሳ ድማ ሰልፊ ቻምደማ ንሃርበኛ ተቓዋሚ ተወዳዳሪ ሴፍ ሻሪፍ ንመበል ሻድሻይ ናይ ዛንዚባር ፕረሲደንት ክከውን ደገፉ ሂቡ ኣሎ። ንሱ ኣንጻር ሕጹይ ካብ ሰልፊ CCM ሑሴን ዓሊ ሓሳን ምዊንዪ እዩ ዝወዳደር ዘሎ።
እቲ ዝግበር ዘሎ ምርጫ ንኮሮና ቫይረስ ብዙሕ ኣድህቦ ከይተገብረሉ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ታንዛኒያ ካብ ወርሒ ሚያዚያ ኣትሒዛ ወግዓዊ ጸብጻብ መልከፍቲ ቫይረስ ካብ ምሃብ ደው ኣቢላ እያ፡ ሚስተር ማጉፉሊ ድማ ታንዛኒያ ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃና ኣዊጁ ኔሩ፡ እዚ ብሓይሊ ጸሎት ተረኽበ ዓወት እዩ ዝብሎ።
ኣብ ቀንዲ ታንዛኒያ ልዕሊ 29 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ክህቡ ዝተመዝገቡ ክህልዉከልዉ ኣብ ዛንዚባር ድማ ኣስታት 566,000 ድምጾም ክህቡ እዮም።

