ተይለር ስዊፍትን ትራቪስ ከልስ ከምዝተሓጽዩ ብማሕበራዊ መዲያ ንህዝቢ ኣፍሊጦም።

እቲ ሕጸ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቐባልነት ብምርካቡ ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ናይ ኢንስታግራም ፖስት ናይ 'ላይክ' ምልክት ተኺቡ ።

A man and a woman embracing in front of flowers.

The couple first went public with their relationship in 2023, and their love story has been broadcast on some of the world's biggest stages. Source: Supplied / Instagram

ናይ ፖፕ ሱፐር ኮኾብ ስዊፍትን ኣመሪካዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ትራቪስ ኬልስን ፡ ከም ዝተሓጸዩ ኣፍሊጦም ኣለዉ ፣ በዚ ድማ ንሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዓቢ ስም ዘለዎም ዝምጥን መርዓ ክገሩ ባይታ ኣጣጢሖም ኣለዉ ።

ኣብ ናይ ክልቲኦም ኢንስታግራም ፡ ኬልሲ ተምበርኪኹ ናይ መርዓ ሕቶ እናቕረበ ኣብ ብዕንባባ ኣብ እተሸፈነ ስፍራ ኣታኽልቲ ከለዉ ዘርኢ ስእልታት ይርአ፡ ድሕሪ'ቲ ሕቶ መርዓ ስዊፍት ዓብዪ ቀለቤት ኣልማዝ ተንጸባሪቑ ።

እቶም 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ጽምዲ ፡ "መምህር እንግሊዘኛን መምህር ጂምናዝየምን ይምርዓዉ ኣለዉ" ብምባል ዲኢሎም ።

እቶም ፍቑራት ፡ ፈለማ ብ2023 እዩ ብዛዕባ ዝምድናኦም ብግህዶ ተገሊጹ ፣ ታሪኽ ፍቕሮም ድማ ኣብ ገሊኡ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም ተዘርጊሑ ኣሎ ። እዞም ጽምዲ ኣብቲ ህቡብ ሙዚቃዊ ምርኢታታን ኣብቲ ናቱ ናይ ምስ Kansas City Chiefs NFL ጸወታ ክጻወት ከሎን ብሓባር ተራእዮም እዮም።

ስዊፍት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኣመሪካ ምርጫ ንካማላ ሃሪስ ምድጋፋ ዘይምስምማዕ እንተለዎም፡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ነቶም ኮዋኽብቲ ብወግዒ እንቋዕ ሓጎሰኩም ካብ ዝበሉ ናይ መጀመርታ ሰብ ኮይኑ ኣሎ ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ንጋዜጠኛታት ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጸ ምስ ተሓተተ ፡ "ጽቡቕ ዕድል እምነየሎም ።" ኢሉ።

እቲ ሕጸ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቐባልነት ብምርካቡ ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቕ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ኣብ ናይ ኢንስታግራም ፖስት ናይ 'ላይክ' ምልክት ተኺቡ ።

ዕለተ መርዓ መዓስ ምዃኑ ኣይተገልጸን ።


Share

2 min read

Published

Source: Reuters




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now