ፈተነ-ቅትለት ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፤ ቅድሚኡን ድሕሪኡን

“እንትርፎ ብተዛማዲ ኣብ ብልሽውና ዘይተቛማጠዐን ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎን ስብሓት᎓ ካልእ ንኢሳይያስ ክብድሆን ሕጂ ድማ ክዓልዎን ዝኽእል (ምስ’ዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ሕቡእ ርክባት) ስለ ዘየሎ᎓ ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ነዚ ፍጻመ’ዚ ክገብሮ ዝኽእል የለን” ዝብሉ እቶም ቀዳሞት ምድብ’ዮም። ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ጀነራል ስብሓት᎓ ካብ ኣገዳሲ ወተዳሃደራዊ ኣኼባታትን ንመስርሕ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ተወጊኑ ምጽናሑ ነዚ ትናትነ ዘቕርቡ ወገናት ይዛረቡ።

News and Current Afairs

Source: Eri TV

ረቡዕ ዕለት 19 ታሕሳስ ምሸት᎓ ንሚኒስተር ምክልኻል ነበርን  ኣብዚ እዋን ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ መንበሪ ገዛኡ ፈተነ-ቅትለት ተኻዪድሉስ ተሃሪሙ ብህይወት ከም ዝወጸ ኣብ በበይኑ መራኸቢታት ክቃላሕ ዊዒሉ ሓዲሩ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና (ኤስ ቢ ኤስ ራዲዮ ወሲኽካ) ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣይሰመረን ዘሎ። በዚ ድማ ካብ ዉሽጢ ሃገር ብቐረባ ካብዝከታተሉ ሓበሬታ ንምርካብ ግድን ኮይኑ ኣሎ። ምስዚ ዝተኣሳሰር ጋዜጠኛ ኣብርሃም ተስፋልኡል “ካብ ዝሰማዕኩዎን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝፈልጦን ሓበሬታ ከካፍል።” ኢሉ ካብ ዘቕረቦ ጽሑፍ ብኸፊል ብኸምዚ ቀሪቡ ኣሎ።

ዝተፈጸመ (ከም ዘለዎ)

ረቡዕ ምሸት ጀነራል ስብሓት ኣብ መንበሪ ገዛኡ ኣጋይሽ ዓዲሙ ኣምስዩስ ከፋኑዎ ንደገ ወጺኡ ክምለስ ከሎ᎓ ብረት ምስ ዝሓዘ ሰብ ብሃንደበት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛኡ ተጋጢሙ። መንበሪ ገዛ ስብሓት ብኽልተ ወተሃደራት ዝሕሎ ደኣ ይዅን እምበር᎓ እዚ ዕጡቕ ሰብ መዓስን ብኸመይን ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ከም ዝኣተወ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

ኣብ ውሽጢ ተዅሲ ከፊቱ᎓ ኣብ መንጋጋኡን ከብዱን ሃሪሙዎ᎓ ገለ ድማ ስሒቱ። ስብሓት በቲ ሃንደበታዊ ማህረምቲ ክወድቕ ከሎ᎓ ተኳሲ ግን ተታሒዙ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ’ሎ።

ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ዝጸንሐ ስብሓት᎓ ዓርቢ ንግሆ ብፍልይቲ ነፋሪት ንሕክምና ኣቡዳቢ ከይዱ ኣሎ። ምንጪታት ካብ ውሽጢ ከም ዝሕብሩዎ᎓ በዓልቲ-ቤት ስብሓት ምስኡ ክትጓዓዝ ሓሲባ እኳ እንተ ነበረት᎓ ብወገን ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስለ ዘይተፈቕደላ ግን ንሳ ተሪፋ᎓ ኣብ ክንዳኣ ከኣ ብርጋዴር ጀነራል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ምስኡ ከም ዝጓዓዝ ተገይሩ ኣሎ። ምንጭታት ከም ዝጠቕሱዎ᎓ ወኑ ደኣ ይምለስ እምበር᎓ ብኸቢድ ተሃስዩ ኣሎን በበይኖም መጥባሕታት ይጸብዩዎ ኣለዉን።

ሓሙስ ምሸት እንኮላይ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣናት ኣብ መንበሪ ገዛኡ ከም ዝበጽሑ’ውን ይፍለጥ።

ቅድሚ’ዚ ዝሰዓበ ፍጻመ᎓ ጀነራል ስብሓት ሓሚሙ ብወጻኢታት ኣዝማዱ (ብቐንዱ ከኣ ሓብቱ) ኣብ ሽወደን ክሕከም ኢሉ ቈጸራታት ምስ ሓዘ᎓ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከልኪሉዎ ምጽናሑ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣዲስ-ኣበባ ከይዱ ክሕከም ሓሳብ ኣቕሪቡሉ ምንባሩ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ይዛረቡ።

 

ዝሰዓበ ትንታነ

በቲ ዝዀነ ፍጻመ ስለ ዘየለ᎓ ብኻልእ ወገን ከኣ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ዘይወሃበሉ ኵሉ ሰብ ነናቱ ትንታነ ክህብ ግድን’ዩ።

“እንትርፎ ብተዛማዲ ኣብ ብልሽውና ዘይተቛማጠዐን ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎን ስብሓት᎓ ካልእ ንኢሳይያስ ክብድሆን ሕጂ ድማ ክዓልዎን ዝኽእል (ምስ’ዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ሕቡእ ርክባት) ስለ ዘየሎ᎓ ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ነዚ ፍጻመ’ዚ ክገብሮ ዝኽእል የለን” ዝብሉ እቶም ቀዳሞት ምድብ’ዮም። ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ጀነራል ስብሓት᎓ ካብ ኣገዳሲ ወተዳሃደራዊ ኣኼባታትን ንመስርሕ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ተወጊኑ ምጽናሑ ነዚ ትናትነ ዘቕርቡ ወገናት ይዛረቡ።

“ኢሳይያስ ንስብሓት ምውጋን ዘድልዮ ኣይኰነን᎓ እንተ ደልዩዎ ግን ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት’ውን እንተ ዝኣስሮ ዝጣበቐሉ ኣይምህለወን። እዚ ፈተነ ግን ብኻልኦት ብስቕታኡ ወይ ጥልመቱ ዝሓረቑ ኣዘዘቲ ሰራዊት ዝተፈጸመ’ዩ ክኸውን ዝኽእል᎓” ይብሉ ተጻራሪ ወገን። ፈታኒ ቅትለት ምፍሻሉን ኣብ መጨረሽታ ድማ ምትሓዙን ብኢሳይያስ ዘይተላእከ ተልመዴንን ምሉእ ዕጥቂ ቅትለት ዘይሰነቐን ምዃኑ ድማ ይውስኹ። ነቶም ሓለዋ ገዛ ስብሓት ሓሊፉ ንውሽጢ ምእታዉ ግን ነቲ መስርሕ ሓለዋ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ምናልባት ከኣ ኣባል ጸጥታን ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ እዞም ወገናት ይትንትኑ። እዚ ፈተነ ብኻልኦት ዝተቘጥዑ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ዩ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእሉ ካብ ዝብሉ ወገናት᎓ ገለኣቶም ስብሓት ኣብ ውዱእን ወሳኒን እዋን ከም ዝጠለሞም ይእምቱ። ውሑዳት--ኣብ እንዳ ሻሂታት ኣስመራ የዕልሉዎ ከም ዘለዉ--ድማ እዚ ፈተነ-ቅትለት ብኣላይነት ጀነራል ፊሊጶስ’ዩ ተኻይዱ ይብሉ።

“ነቲ ንብዙሓት ዘወገነ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ (ብቐንዱ ከኣ ኣብይን ኢሳይያስን) ንትምዕንቓፍን ራዕዲ ንምእታውን ብኢትዮጵያ ዝተሰንዘረ ፈተነ’ዩ” ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለዉ። ገለኣቶም ነቲ ዝስጕም ዘሎ መስርሕ “ሕብረት” ዕንቅፋት ከይከውን ብደገፍቲ ኣብይ ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ክዛረቡ ከለዉ᎓ ካልእ ወገን ከኣ ብህወሓት ዝተደገፈ’ዩ ይብሉ።
“ብውልቃዊ ቂም” ዝተበገሰ ንኡስን ፖለቲካዊ ኣመት ዘይብሉን ዝብሉ ምድብ’ውን ኣለዉ።

ዕላማን ፈጸምቲን እዚ ፈተነ ቅትለት ቀስ ኢሉ ምፍላጡ ዘይተርፍ ኰይኑ᎓ ምናልባት ግን ብወገነይ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ወትሩ ተወላዋሊ ባህርያቱን ብመንጽር ኢሳይያስ ንእሽቶ ክብል።

ቅድም ክብል

ዝቐደመ 17 ዓመታት᎓ ብዘይ ዝዀነ ስልጣን᎓ ብስማዊ ሓላፍነትን ብፈዀኽታ ጥራይ “ኣለዉና” እናተባህሉ ዕድመኡ ዝጽብጽብ በዓል መዚ እንተ ነይሩ ስብሓት ኤፍሬም’ዩ። ድሕሪ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽ 2001᎓ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዞባዊ ስርሒታት ጎዛዝዩ᎓ ኵሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብመገዲ ስብሓት ዘይኰነስ ብቐጥታ ምስኡ ከም ዝራኸቡ ብምግባር ንጀነራል ስብሓት ንበይኑ ኣትሪፉዎ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ብቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል (በለዛ፣ ዳሕራይ ከኣ ቤት-ገርግሽ) ከምኡ’ውን ቤት-ጽሕፈት ሚኒስተር ኣብ ባሊነኪ ጥራይ ከም ዝውሰን ገይሩ᎓ ሓውሲ ናብ ተሓዝ መዝገብ ዝጸጋጋዕ ስራሕ ወጊኑዎ።

ብእኡ ከየብቅዐ ድማ ድሕሪ ማእሰርቲ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ (2013)᎓ ናብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ብምምጻእ ኣብ ካልእ ስማዊ ስራሕ መዲቡዎ። ኵሉ ውዕላትን ኣታዊታት ማዕድን ብመገዲ ሓላፊ ቍጠባዊ ጕዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ጥራይ’ዩ ዝካየድ። ስብሓት ከኣ ከም ዝቐደመ ነቲ ስራሕ ዘይብሉ ሚኒስትሪ ኣማሚቝ ጸኒሑ።

 

ዝምድና ጀነራል ስብሓት ንፕረሲደንት ኢሳይያስን

ኣቶ ኢሳይያስ ንስብሓት ወትሩ ክጨርቀሉን ኣብ እኩባት ኣነኣኢሱ ክጽውዖን ይርአ። ንኣብነት፤ ኣብ 2006ን ድሕሪኡን ኣቢሉ ስብሓት ኤፍሪም᎓ ኣጽዒቑ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ዝኸደ ሰሚናራት ክገብር᎓ ኢሳይያስ ኣብ እኩባት፤ “እዚ ስብሓት’ሲ ሕማም ረሲዕ ሒዙዎ ከይህሉ᎓ እዚ ዝገብሮ ዘሎ መትሓዚ ዘይብሉ ዘረባታት ናይ ጥዕና ኣይመስልን። ሮናልድ ሬገን እኳ ብሕማም ምርሳዕ ይሳቐ ከም ዘሎ ከይተፈልጠ ነዊሕ’ዩ ጸኒሑ ነይሩ፣ ስብሓት ከኣ ካብተን ሬገን ሓሚሙ ከሎ ዝህበን ዝነበረ መደረታት ኣብ ኢንተርነት ረኺቡ ዝጥቀመለን ዘሎ ይመስል᎓” ይብል ነይሩ።

 

ንምዃኑ ስብሓት ኣስጋኢ ሓይሊ ዲዩ? 

ኣብተን ኣዝየን ወሰንቲ ዝብሃላ ጉዳያት᎓ ጀነራል ስብሓት ምእዙዝነቱ ንኣቶ ኢሳይያስ ብግቡእን ዘየወላውል መገዲን ኣርእዩ’ዩ። ኣብ ምንቅስቓስ መንካዕ 1973᎓ ይቕረታ ብምሕታት ናብ ደንበ ኢሳይያስ ተጸንቢሩ ጥራይ ዘይኰነስ᎓ ቀልጢፉ “ተሃዲሱ” ነቶም ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ምውጋእን ምድኻምን ብተወፋይነት ከምዝሰርሐ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሰባት ይዛረቡ።

ኣብ 2001 ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ድማ ነቶም ብጕጅለ-15 ዝፍለጡ ደለይቲ ለውጢ ኣይተጸንበሮምን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ወሳኒ እዋን ከም ዝኸድዖም ገለ ካብቶም ዝተረፉ ኣባላት’ቲ ምንቅስቓስ ብተደጋጋሚ ዝዛረቡዎ’ዩ። ኣብ “ስርሒት ፎርቶ’ ተባሂሉ ብተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍለጥ ኣብ 2013 ዝተፈተነ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ከምቲ ብሰፊሑ ዝዝረብ ኣማላዲ ኰይኑ ነቶም ደለይቲ ለውጢ ኣግዲዑ ጥራይ ዘይኰነስ ኢዶም ንኽህቡ ሰሪሑ።

ወትሩ ንኣገልግሎት ኣቶ ኢሳይያስ እናሰርሐ ግን ገና ኣይምስገንን ጥራይ ዘይኰነስ ወትሩ ክድቆስ ዝተደልየሉ ካልእ ምኽንያት ኣሎ። ባህርያት ስብሓት ኤፍሬም ከምቶም ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብብልሽውና᎓ መስተ᎓ ዝሙትን ዝተበታተነ ስድራ ምምራሕን ስለ ዘይሕመን ዘይፍለጥን ምዃኑ ሓደ ካብቲ ብመራሒ ሃገር ዘየፍትዎ ባህርይ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ኣብ ማእከሎትን ታሕተዎትን ተጋደልቲ ገና “ካብ ናይ ወርሒ ኣካዳሚ ክልተ ሰዓት ዕላል ወዲ-ኤፍሬም ይበልጽ” ዝብሉ ኣድነቕቱ ኣዝዮም ብዙሓት ብምዃኖም ከኣ ናብ ኢሳይያስ ጥራይ ከብል ዝነበሮ ክብሪ ኣብ ምጭራት ዘየድሊ ተጻብኦ ይገብር’ዩ።

ዝያዳ ኵሉ ግን ናብኡ ክመርሑ ዝኽእሉ ኵላቶም መሓዉራት ደኣ ይበተኹ እምበር᎓ እቲ ብደተጋጋሚ ህዝቢን ኣዘዝቲ ሰራዊትን “ግዜ’ዩ ዝሕሉ ዘሎ’ምበር ሓደ መዓልቲስ ክዓልዎ’ዩ” ዝብል ተደጋጋሚ ዘረባ ናብ ኣቶ ኢሳይያስ ስለ ዝበጽሕ᎓ ከም ተኽእሎ’ውን ኣመና ይትሓት ደኣ’ምበር᎓ ከም ሓሳብ ምልዓሉ’ውን ኣየኽእሎን። መን ምዃኖም ብዘይገድስ ዝተበገሱ ደለይቲ ለውጢ “ብዙሕ ሰብ ዝቕበሎን መሰጋገሪ ክኸውን ዝኽእልን” ዝብል በጨቕታ ስለ ዘስምዑ ድማ ኣብ ኣዒንቲ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዕቝር ተቓውሞ’ዩ።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service