እቲ ንጳጳስ ማር ማሪ ኣማኑኤል ብኻራ ዝወግአ መንእሰይ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ፡ እቶም ኣቡን ናይ ይቕረታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡን ማሪ ኢማኑዌል ብዝወረዶ መውቃዕቲ ፡ ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ከም ዝፈጸመ ተኸሲሱ ኣሎ ፣ እዚ ክሲ ሕልፈት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከፍርዶ ይኽእል እዩ።

A priest and a bishop delivering a sermon

ላዕለዋይ ካህን ኢሳቅ ሮያልን ጳጳስ ማር ማሪ ኣማኑኤል ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ምስ ተወግኡ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ ኣለዉ። Source: AAP / PR image

ኣቡን ማሪ ኣማኑኤል ፡ ኣብ ሲድኒ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ስብከት እናሰበኹ ምስ ተወግኡ ፡ ንመጀመርታ ግዜ ካብቲ ዘለዉሉ ሆስፒታል ህዝባዊ መግለጺ ሂቦም ኣለዉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: እቲ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ እናሃለወ: ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ኣሎ ።

እቲ ገበን ንመዋእል ከቢድ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ እዩ።

እቲ መንእሰይ ዋሕስ ኣይተዋህቦን: ዓርቢ ኣብ ዓራት እናሃለወ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ ።

እቲ መንእሰይ ብሃይማኖታዊ ድራኸ ነቲ መጥቃዕቲ ስለ ዝፈጸሞ'ዩ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራዊ ምዃኑ ተኣወጀ ።

እቶም ኣቡን ኣሶር ካብ ሆስፒታል ብድምጺ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዉን ቅልጡፍ ሕውየት የርእዩ ከምዘለዉ ገሊጾም ።

ደድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ ብዝምልከት ንደገፍቶም ኽሃድኡን ካብ ዓመጻ ኽርሕቑን ተማሕጺኖም ።

"ንክርስቶስ ኽትመስልዎ የድልየኩም እዩ" በሉ ።

"ጐይታና የሱስ ክንበኣስ ኣይመሃረናን ፡ ጐይታና የሱስ ሕነ ኽንፈዲ ኣይመሃረናን ፡ ጐይታና የሱስ ፡ 'ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ፡ ስኒ ክንዲ ስኒ" ኣይበለናን ።

"ጐይታና የሱስ ፡ ንክፉእ ደኣ ብሰናይ ክንመልስ እምበር ፡ ንክፉእ ብሓጢኣት ኣይመለስ ፡ ኢሉ እዩ ።"

እቶም ኣቡን ንሰዓብቶም ፡ ኣብ ህይወቶም 'ንክርስቶስ ኸንጸባርቑ ፡ "ነቲ ካብ ፖሊስን መንግስትን ዝመጽእ መምርሒ ድማ ከኽብሩ ተማሕጸኖም ።

"ጐይታና የሱስ ፡ ወጺእካ ኣብ ጐደና ተበኣስ ኢሉ ኣይመሃረናን ፡ ሕነ ፍደዩ ዘይኮነ ጸልዩ እዩ ኢሉና። ፡ ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ኣይተዛረበን ፣ እዚ ከኣ ዅሉ ሰብ ክገብሮ እልምኖ ኣለኹ" በሉ።

እቶም ኣቡን ብድምጺ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ይቕረ ከም ዝበለሉ ገሊጾም ።

"ነዚ ተግባር እዚ ንዝገበረ ዘበለ ይቕረ እብል ፡ ወደይ ኢኻ ፡ አፍቅረካ እየ ፡ ኵሉ ሳዕ ድማ ምእንታኻ ኽጽሊ እየ" በልዎ ።

"ነዚ ክትገብር ዝለኣኸካ ዘበለ ከኣ ፡ ይቕረ ኢለሎም እየ ።"

ኣብ ልቦም "ብዘይካ ፍቕሪ ካልእ የልቦን" በሉ ።

ኣብ ልዕሊቲ መንእሰይ ዝቐረበርብ ዘሎ ክሲ ፡ መርመርቲ ነቲ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ናዕቢ ካብ 50 ንዚበዝሑ ሰባት ኣብ ዝሃድንሉ ዘለዉ እዩ።

ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ተጐዲኦም ፡ ማካይንኦም ተበላሽየን ፡ ኣባላት ፖሊስን ህዝብን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ቦታ ኣምልኾ ኼጽልሉ ተገደዱ ።

- Additional reporting by the Australian Associated Press.


Share

2 min read

Published

By Jessica Bahr

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now