እቲ ንጳጳስ ማር ማሪ ኣማኑኤል ብኻራ ዝወግአ መንእሰይ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ፡ እቶም ኣቡን ናይ ይቕረታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡን ማሪ ኢማኑዌል ብዝወረዶ መውቃዕቲ ፡ ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ከም ዝፈጸመ ተኸሲሱ ኣሎ ፣ እዚ ክሲ ሕልፈት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከፍርዶ ይኽእል እዩ።

A priest and a bishop delivering a sermon

ላዕለዋይ ካህን ኢሳቅ ሮያልን ጳጳስ ማር ማሪ ኣማኑኤል ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ምስ ተወግኡ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ ኣለዉ። Source: AAP / PR image

ኣቡን ማሪ ኣማኑኤል ፡ ኣብ ሲድኒ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ስብከት እናሰበኹ ምስ ተወግኡ ፡ ንመጀመርታ ግዜ ካብቲ ዘለዉሉ ሆስፒታል ህዝባዊ መግለጺ ሂቦም ኣለዉ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: እቲ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ እናሃለወ: ግብረ-ሽበራዊ ተግባር ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ኣሎ ።
እቲ ገበን ንመዋእል ከቢድ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ እዩ።
እቲ መንእሰይ ዋሕስ ኣይተዋህቦን: ዓርቢ ኣብ ዓራት እናሃለወ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ ።

እቲ መንእሰይ ብሃይማኖታዊ ድራኸ ነቲ መጥቃዕቲ ስለ ዝፈጸሞ'ዩ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራዊ ምዃኑ ተኣወጀ ።
እቶም ኣቡን ኣሶር ካብ ሆስፒታል ብድምጺ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዉን ቅልጡፍ ሕውየት የርእዩ ከምዘለዉ ገሊጾም ።
ደድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ ብዝምልከት ንደገፍቶም ኽሃድኡን ካብ ዓመጻ ኽርሕቑን ተማሕጺኖም ።
"ንክርስቶስ ኽትመስልዎ የድልየኩም እዩ" በሉ ።
"ጐይታና የሱስ ክንበኣስ ኣይመሃረናን ፡ ጐይታና የሱስ ሕነ ኽንፈዲ ኣይመሃረናን ፡ ጐይታና የሱስ ፡ 'ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ፡ ስኒ ክንዲ ስኒ" ኣይበለናን ።
"ጐይታና የሱስ ፡ ንክፉእ ደኣ ብሰናይ ክንመልስ እምበር ፡ ንክፉእ ብሓጢኣት ኣይመለስ ፡ ኢሉ እዩ ።"
እቶም ኣቡን ንሰዓብቶም ፡ ኣብ ህይወቶም 'ንክርስቶስ ኸንጸባርቑ ፡ "ነቲ ካብ ፖሊስን መንግስትን ዝመጽእ መምርሒ ድማ ከኽብሩ ተማሕጸኖም ።
"ጐይታና የሱስ ፡ ወጺእካ ኣብ ጐደና ተበኣስ ኢሉ ኣይመሃረናን ፡ ሕነ ፍደዩ ዘይኮነ ጸልዩ እዩ ኢሉና። ፡ ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ኣይተዛረበን ፣ እዚ ከኣ ዅሉ ሰብ ክገብሮ እልምኖ ኣለኹ" በሉ።
እቶም ኣቡን ብድምጺ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ይቕረ ከም ዝበለሉ ገሊጾም ።
"ነዚ ተግባር እዚ ንዝገበረ ዘበለ ይቕረ እብል ፡ ወደይ ኢኻ ፡ አፍቅረካ እየ ፡ ኵሉ ሳዕ ድማ ምእንታኻ ኽጽሊ እየ" በልዎ ።
"ነዚ ክትገብር ዝለኣኸካ ዘበለ ከኣ ፡ ይቕረ ኢለሎም እየ ።"
ኣብ ልቦም "ብዘይካ ፍቕሪ ካልእ የልቦን" በሉ ።
ኣብ ልዕሊቲ መንእሰይ ዝቐረበርብ ዘሎ ክሲ ፡ መርመርቲ ነቲ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ናዕቢ ካብ 50 ንዚበዝሑ ሰባት ኣብ ዝሃድንሉ ዘለዉ እዩ።
ሓያሎ ኣባላት ፖሊስ ተጐዲኦም ፡ ማካይንኦም ተበላሽየን ፡ ኣባላት ፖሊስን ህዝብን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ቦታ ኣምልኾ ኼጽልሉ ተገደዱ ።

- Additional reporting by the Australian Associated Press.

Share

Published

By Jessica Bahr
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እቲ ንጳጳስ ማር ማሪ ኣማኑኤል ብኻራ ዝወግአ መንእሰይ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ፡ እቶም ኣቡን ናይ ይቕረታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። | SBS Tigrinya