ቅነ ናይዶክ እንታይ እዩ፧
ቅነ ናይዶክ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣብ መንጎ ቀዳመይትን ካልኣይትን ሰንበታት ኣብ ወርሒ ሓምለ ይበዓል።
እዚ ታሪኽ፣ ባህሊን ዓወታት ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝበዓለሉ ግዜ'ዩ፣ ንማሕበረሰባት ደቀባት ኣብ መላእ ሃገር ከኣ ብፍሉይ ኣገዳሲ'ዩ።
ኣብ 2022 ካብ ሓምለ 3 ክሳብ ሓምለ 10 ኣብ ዘሎ ግዜ ክበዓል'ዩ።
ቀንዲ ነጥቢታት:
- ቴማ ቅነ ናይዶክ 2022 (2022 NAIDOC Week theme) "ተለዓል! ደው በል! ተረኸብ!" ሓላፍ መንገዲ ካብ ምዃን ንላዕሊ ጥራይ ዘይኮነ ዝጽውዕ ኣብ'ቶም ንጥፈታት ተሳታፊን ደፋኢ ሓይሊ ንለውጢን ምዃንን'ዩ።
- ናይዶክ (NAIDOC) ትርጉሙ መዓልታት ደቀባትን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዘኽብር ሃገራዊ ኮሚተ እዩ፣ ኣዳለውቲ ንጥፈታት ናይ'ዚ ሰሙን።
- እዚ ዓመት መበል 50 ዓመት ናይ'ቲ ናይ ቴንዳ ኤምባሲን (Tent Embassy) 30 ዓመታት ውሳነ ማቦ (Mabo Decision) ካብ ዝወሃብ ንደሓርን የኽብር።
'ተለዓል! ደው በል! ተረኸብ!' እንታይ ማለት እዩ፧
ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣትኩሮ ቅነ ናይዶክ ዝቕልስ ዝተፈላለየ ቴማ ብኮሚተ ናይዶክ ይምረጽ።
ቴማ ናይ 2022 "ተለዓል! ደው በል! ተረኸብ!" ዝብል'ዩ።
ንለውጢ ንማሕበረሰባት ደቀባትን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣብ ምድፋእ ደው ዝበሉን ብኣካል ዝተረኽቡን ወሰንቲ ፍጻመታትን ወልቀሰባትን ምብዓል፣ ምኽባርን ካብኦም ዝያዳ ትምህርቲ ምቕሳምን ኣካል ቴማ ናይዶክ እዮም።
ብመንገዲ "ድምጺ ናብ ባይቶ" ንህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ቅዋማዊ ስልጣን ከውህቦም ዝኽእል ዕድላት ዝፈጥር ተኽእሎ ረፈረንደም ንምክያድ ካብ መንጎ ዝወሃቡ እማመታት፣ እቲ ምንቅስቓስ ንቅዋማዊ ለውጢ፣ ውዕልን ሓቂን፣ መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ ዝለዓለ ኣብነት እዩ።
ፕሮፌሰር ሕጊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሜጋን ደይቪስ "ለውጢ ከቢድ ነገር'ዩ" ኢላ ድሕሪ ምእማና ናይ'ዚ ዓመት ቴማ ግን ብሓቂ ጦብላሕታ ኣሕዲሩላ።

UNSW Professor Megan Davis. Source: AAP
"ብዙሓት ሰባት ኣለዉና ነቲ ዕዮ ዘካይድዎ ዘለዉ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይትስኡን ደው ይብሉን ኣለዉ፣" ትብል።
ካልእ ኣካል ናይ ቴማ 2022 ኪንዮ ኣፍልጦ ምሃብ ምኻድን ኣብ መሰረታዊ ቅርጹ፣ ኣብ ዝምድናታት ኣብ መንጎ እቲ ሰፊሕ ማሕበረሰብን ህዝብታት ደቀባትን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ርኡይ ወይ ናይ ብሓቂ ዝኾነ ለውጢ ጠለብ ምቕራብ'ዩ።
ዎረን ሮበርትስ፣ መስራቲ ያርን ኣውስትራልያ (Yarn Australia) "ንሕና ኩልና ብሓባር ክንገብሮ ኣሎና" ክብል ይጸቕጠሉ።
እዚ ብዛዕባ ኩልና ብሓባር ተኣኪብና ንቀዳሞት ህዝብታትን ንነብሲ ወከፍ ካልእ ሰብን እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ደው ክንብለሉ ዘለና'ዩ።
"እዚ ብዛዕባ ስርዓታዊ ለውጢ ክህሉ ቃልሲ ምቕጻል፣ ግቡእ ዝኾነ ሓለዋ ከባቢ፣ ባህሊን ውርሻን፣ ቅዋማዊ ለውጢን ኩሉ ዘካትት መስርሕ ምንጋር-ሓቂ፣ ናብ ውዕላትን ምቅላዕ ኣድልዎ ዓሌትነት ዓሊምካ ምስራሕን፣ ዘካትቱ ጠለባት ምቕራብ'ዩ።"
ብኸመይ ክትሳተፉ ትኽእሉ፧
ቅነ ናይዶክ ንህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣገዳሲ ውራይን ንጥፈትን'ዩ፣ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ብሓባር ተኣኪቦም ዘውግዕሉን ልምድታት ምንጋር ዛንታን ታሪኽን፣ ምብዓል ባህልን ኣካይዳኦምን ዝቕጽልሉ ኣጋጣሚ'ውን እዩ።
እዚ ቕነ ብተወሳኺ ንማሕበረሰባት ኣቦሪጂንን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስ ንምሕጋዝ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ንምስታፍን ትምህርቲ ንምቕሳምን ዕድል ዝፈጥር'ዩ።
ኣብ መላእ ሃገር ውራያትን በዓላትን ይካየዱን መብዛሕትኦም ሙዚቃዊ ትልሂታት፣ ስነ ጥበባዊ ምርኢታት፣ ባህላዊ ዓውደ መጽናዕታት፣ መደረታትን ንህጻናት ዝኾኑ ንጥፈታትን ዘካትቱ'ዮም።

A young girl at a NAIDOC Week event in Naarm (Melbourne), 2018. Source: Darrian Traynor/Getty Images.
"ንኹሎም ኣውስትራልያውያን ክገብርዎ ኣለዎም ኢለ ዘተባብዖም ንመንግስቲ ከባቢኹም፣ ምምሕዳርን ረኺብኩም ብዛዕባ ናይ ከባቢኹም ናይዶክ ሓቲትኩም ክትጽንበሩ'ዩ።
"ወለንተኛ ክትኮኑ እንተደሊኹም ንኣወሃሃድቲ ኣዘራርብዎም። ኣብ ሓደ ውራይ ወይ ንጥፈታት መጺኹም ከተስተማቕሩ ጥራይ ዘይኮነ ክትሳተፉን ንናይዶክ ከባቢኹም ክትሕግዙን'ዩ።"
ታሪኽ ናይዶክ
ቅነ ናይዶክ ካብ ቦታ ተቓውሞ ዝተበገሰ'ዩ፣ ቀጻሊ ቃልሲ ህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣፍልጦ ንምሃብን ኣድላይነት ስርዓታዊ ለውጢ ንምጉላሕን ተባሂሉ ብወግዒ ተጀሚሩ።
ኣብ 1938 ኣድመኛታትን ሰልፈኛታትን፣ 'መዓልቲ ሓዘን (Day of Mourning)" ተባሂሉ ዝጽዋዕ መርኣያ ተቓውሞ፣ ኣብ ጎደናታት ከተማ ሲድኒ መሪሾም፣ ።
ኣብ መንጎ 1940ን 1955ን ሰልፈኛታት፣ ቅድሚ'ታ መዓልቲ ኣውስትራልያ ትበዓለላ ዕለት ዘላ ሰንበት፣ ዓመታዊ ነቲ መዓልቲ ንምኽባር ተኣኪቦም። እታ መዓልቲ ኸኣ "መዓልቲ ደቀባት (Aboriginals Day)" ተባሂላ ትጽዋዕ ኔራ።
እታ መዓልቲ ድሕሪኡ ናብ ቀዳመይቲ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ተመሓላሊፋ፣ ዓሰርተታት ዓመታት ተጓዒዛ ኸኣ እነሆ ካብ መዓልቲ ሰልፊን ተቓውሞን ንላዕሊ ናብ እትኾነሉ ውራይ ሰጊራ፣ ንሰሙን መመላእታ ዝጸንሕ በዓል ደቀባታዊ ባህሊ።