ተለዓል! ደው በል! ተረኸብ!፡ ቅነ ናይዶክ እንታይ'ዩ፧ ቴማ ናይ'ዚ ዓመት ከ እንታይ'ዩ ትርጉሙ፧

ከም ሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ኣውስትራልያ መጠን፣ ቅነ ናይዶክ ንኹሎም ኣውስትራልያውያን ብሓባር ተኣኪቦም ነቲ ኣብ'ዛ ፕላነት ካብ ቀደም ንዝነውሐ ግዜ ዝቕጽል ዘሎ ባህሊ ንምብዓል ዕድል ዝህቦም'ዩ።

NAIDOC Week is held in the first week of July.

NAIDOC Week is held in the first week of July. Source: AAP

ቅነ ናይዶክ እንታይ እዩ፧

ቅነ ናይዶክ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣብ መንጎ ቀዳመይትን ካልኣይትን ሰንበታት ኣብ ወርሒ ሓምለ ይበዓል።

እዚ ታሪኽ፣ ባህሊን ዓወታት ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝበዓለሉ ግዜ'ዩ፣ ንማሕበረሰባት ደቀባት ኣብ መላእ ሃገር ከኣ ብፍሉይ ኣገዳሲ'ዩ።

ኣብ 2022 ካብ ሓምለ 3 ክሳብ ሓምለ 10 ኣብ ዘሎ ግዜ ክበዓል'ዩ።


ቀንዲ ነጥቢታት:

  • ቴማ ቅነ ናይዶክ 2022 (2022 NAIDOC Week theme) "ተለዓል! ደው በል! ተረኸብ!" ሓላፍ መንገዲ ካብ ምዃን ንላዕሊ ጥራይ ዘይኮነ ዝጽውዕ ኣብ'ቶም ንጥፈታት ተሳታፊን ደፋኢ ሓይሊ ንለውጢን ምዃንን'ዩ።
  • ናይዶክ (NAIDOC) ትርጉሙ መዓልታት ደቀባትን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዘኽብር ሃገራዊ ኮሚተ እዩ፣ ኣዳለውቲ ንጥፈታት ናይ'ዚ ሰሙን።
  • እዚ ዓመት መበል 50 ዓመት ናይ'ቲ ናይ ቴንዳ ኤምባሲን (Tent Embassy) 30 ዓመታት ውሳነ ማቦ (Mabo Decision) ካብ ዝወሃብ ንደሓርን የኽብር።

'ተለዓል! ደው በል! ተረኸብ!' እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ኣትኩሮ ቅነ ናይዶክ ዝቕልስ ዝተፈላለየ ቴማ ብኮሚተ ናይዶክ ይምረጽ።

ቴማ ናይ 2022 "ተለዓል! ደው በል! ተረኸብ!" ዝብል'ዩ።

እዚ ዓመት ብተወሳኺ ክልተ ዓበይቲ ፍጻመታት የኽብር - መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ናይ ቴንዳ ኤምባሲ ከምኡ'ውን መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ውሳነ ማቦ

ንለውጢ ንማሕበረሰባት ደቀባትን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣብ ምድፋእ ደው ዝበሉን ብኣካል ዝተረኽቡን ወሰንቲ ፍጻመታትን ወልቀሰባትን ምብዓል፣ ምኽባርን ካብኦም ዝያዳ ትምህርቲ ምቕሳምን  ኣካል ቴማ ናይዶክ እዮም።

እዚ ብተወሳኺ ንድሕሪት ተመሊሱ ክሳብ'ቶም ፍሮንቲየር ዎርስ (the frontier wars) ከምኡ'ውን ቀዳሞት ናይ ተቓውሞ ተቓለስቲን ከይዱ ይዝክር።

ብመንገዲ "ድምጺ ናብ ባይቶ" ንህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ቅዋማዊ ስልጣን ከውህቦም ዝኽእል ዕድላት ዝፈጥር ተኽእሎ ረፈረንደም ንምክያድ ካብ መንጎ ዝወሃቡ እማመታት፣ እቲ ምንቅስቓስ ንቅዋማዊ ለውጢ፣ ውዕልን ሓቂን፣ መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ ዝለዓለ ኣብነት እዩ።
Pro Vice-Chancellor Indigenous UNSW Professor Megan Davis
UNSW Professor Megan Davis. Source: AAP
ፕሮፌሰር ሕጊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሜጋን ደይቪስ "ለውጢ ከቢድ ነገር'ዩ" ኢላ ድሕሪ ምእማና ናይ'ዚ ዓመት ቴማ ግን ብሓቂ ጦብላሕታ ኣሕዲሩላ።

"ብዙሓት ሰባት ኣለዉና ነቲ ዕዮ ዘካይድዎ ዘለዉ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይትስኡን ደው ይብሉን ኣለዉ፣" ትብል።

ካልእ ኣካል ናይ ቴማ 2022 ኪንዮ ኣፍልጦ ምሃብ ምኻድን ኣብ መሰረታዊ ቅርጹ፣ ኣብ ዝምድናታት ኣብ መንጎ እቲ ሰፊሕ ማሕበረሰብን ህዝብታት ደቀባትን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ርኡይ ወይ ናይ ብሓቂ ዝኾነ ለውጢ ጠለብ ምቕራብ'ዩ።

ዎረን ሮበርትስ፣ መስራቲ ያርን ኣውስትራልያ (Yarn Australia) "ንሕና ኩልና ብሓባር ክንገብሮ ኣሎና" ክብል ይጸቕጠሉ።

      እዚ ብዛዕባ ኩልና ብሓባር ተኣኪብና ንቀዳሞት ህዝብታትን ንነብሲ ወከፍ ካልእ ሰብን እቲ        ቅኑዕ ዝኾነ ደው ክንብለሉ ዘለና'ዩ።

"እዚ ብዛዕባ ስርዓታዊ ለውጢ ክህሉ ቃልሲ ምቕጻል፣ ግቡእ ዝኾነ ሓለዋ ከባቢ፣ ባህሊን ውርሻን፣ ቅዋማዊ ለውጢን ኩሉ ዘካትት መስርሕ ምንጋር-ሓቂ፣ ናብ ውዕላትን ምቅላዕ ኣድልዎ ዓሌትነት ዓሊምካ ምስራሕን፣ ዘካትቱ ጠለባት ምቕራብ'ዩ።"

ብኸመይ ክትሳተፉ ትኽእሉ፧

ቅነ ናይዶክ ንህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣገዳሲ ውራይን ንጥፈትን'ዩ፣ ስድራቤታትን ማሕበረሰባትን ብሓባር ተኣኪቦም ዘውግዕሉን ልምድታት ምንጋር ዛንታን ታሪኽን፣ ምብዓል ባህልን ኣካይዳኦምን ዝቕጽልሉ ኣጋጣሚ'ውን እዩ።

እዚ ቕነ ብተወሳኺ ንማሕበረሰባት ኣቦሪጂንን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስ ንምሕጋዝ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ንምስታፍን ትምህርቲ ንምቕሳምን ዕድል ዝፈጥር'ዩ።

ኣብ መላእ ሃገር ውራያትን በዓላትን ይካየዱን መብዛሕትኦም ሙዚቃዊ ትልሂታት፣ ስነ ጥበባዊ ምርኢታት፣ ባህላዊ ዓውደ መጽናዕታት፣ መደረታትን ንህጻናት ዝኾኑ ንጥፈታትን ዘካትቱ'ዮም።
A young girl at a NAIDOC Week event in Naarm (Melbourne), 2018. © Darrian Traynor/Getty Images.
A young girl at a NAIDOC Week event in Naarm (Melbourne), 2018. Source: Darrian Traynor/Getty Images.
ሚስተር ሮበርትስ ኣካል ንጥፈታት ናይ'ዚ ሰሙን ንምዃን ብዙሓት ዕድላት ኣለዉ ይብል።

"ንኹሎም ኣውስትራልያውያን ክገብርዎ ኣለዎም ኢለ ዘተባብዖም ንመንግስቲ ከባቢኹም፣ ምምሕዳርን ረኺብኩም ብዛዕባ ናይ ከባቢኹም ናይዶክ ሓቲትኩም ክትጽንበሩ'ዩ።

"ወለንተኛ ክትኮኑ እንተደሊኹም ንኣወሃሃድቲ ኣዘራርብዎም። ኣብ ሓደ ውራይ ወይ ንጥፈታት መጺኹም ከተስተማቕሩ ጥራይ ዘይኮነ ክትሳተፉን ንናይዶክ ከባቢኹም ክትሕግዙን'ዩ።"

ታሪኽ ናይዶክ

ቅነ ናይዶክ ካብ ቦታ ተቓውሞ ዝተበገሰ'ዩ፣ ቀጻሊ ቃልሲ ህዝብታት ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣፍልጦ ንምሃብን ኣድላይነት ስርዓታዊ ለውጢ ንምጉላሕን ተባሂሉ ብወግዒ ተጀሚሩ።

ኣብ 1938 ኣድመኛታትን ሰልፈኛታትን፣ 'መዓልቲ ሓዘን (Day of Mourning)" ተባሂሉ ዝጽዋዕ መርኣያ ተቓውሞ፣ ኣብ ጎደናታት ከተማ ሲድኒ መሪሾም፣ ።

ኣብ መንጎ 1940ን 1955ን ሰልፈኛታት፣ ቅድሚ'ታ መዓልቲ ኣውስትራልያ ትበዓለላ ዕለት ዘላ ሰንበት፣ ዓመታዊ ነቲ መዓልቲ ንምኽባር ተኣኪቦም። እታ መዓልቲ ኸኣ "መዓልቲ ደቀባት (Aboriginals Day)" ተባሂላ ትጽዋዕ ኔራ።

እታ መዓልቲ ድሕሪኡ ናብ ቀዳመይቲ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ተመሓላሊፋ፣ ዓሰርተታት ዓመታት ተጓዒዛ ኸኣ እነሆ ካብ መዓልቲ ሰልፊን ተቓውሞን ንላዕሊ ናብ እትኾነሉ ውራይ ሰጊራ፣ ንሰሙን መመላእታ ዝጸንሕ በዓል ደቀባታዊ ባህሊ።


Share

Published

By Mert Balkanli

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service