ኣብ ኣውስትራልያ ግዝያዊ ሕጽረት ክኢላታት ክሽፍን ዝተኣተተወ ቪዛ ይስራሓሉ'ሎ፡

ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ተን ሓያል ቁጠባ ኣብ ዓለም ዘለወን ሃገራት’ያ። ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ሕጽረት ሞያዊ ክእለት ንምምላእ ዝወጸ መደብ ‘Temporary Skill Shortage visa' ንግዳዊ ዋኒናት ሓደ ዝመጣጠን ሞያዊ ክእለት ዘለዎ ኣውስትራልያዊ ዜጋ ክረኽባ እንተዘይክኢለን ክኢላታት ሰራሕተኛታት ካብ ደገ መዊለን ከምጽኣ ይኽእላ’የን።

skilled worker, female chef, skilled migration

Source: Getty Images/James Braund



ኣገደስቲ ነጥብታት

  • እዚ ቪዛ ኣብ ሰለስተ ተመዲቡ ተቐሪቡ’ሎ - ናይ ሓጺር ግዜ (Short-term stream)፡ ማእከላይ ግዜን (Medium-term stream) ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ዕዮ ዝኣቱ ምድብን (Labour agreement stream)
  • ነቶም ብወግዒ ምዝጉባት (ኣክረዲትድ) መወልቲ ዋኒናት፡ መመስርሒ ግዜ ብግምት ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ’ዩ፡
  • ግዴታዊ ዝኾነ ናይ ስራሕ ተሞክሮ ንምርካብ’ዚ ቪዛ ኣድላዪ’ዩ

ግዴታዊ ዝኾነ ናይ ስራሕ ተሞክሮ ንምርካብ’ዚ ቪዛ ኣድላዪ’ዩ

ግዝያዊ ሕጽረት ክኢላታት ክሽፍን ተባሂሉ ዝተኣተተወ ቪዛ Temporary Skill Shortage visa (ንኡስ መደብ/ subclass 482) ነቶም ተመጣጠንቲ ክእለት ዘለዎም ኣውስትራልያውያን ዜጋታት ክረኽቡሎም ዘይከኣሉ ቦታታት ስራሕ ካብ ደገ ሰራሕተኛታት ክቑጸሩ ኣሳልጦ ይህብ። ጁዲት ኣልቢዝ ወኪል ማይግረሽንን ዋና ተጣባቒት ሕጊ ኣብ AJ Legal Australia እያ።

ንሳ ሓደ ሰራሕተኛ ካብ ደገ ክትምውሉ/ስፖንሰር ክትገብሩ እንከለኹም ሰለስተ መመስርሒ መድረኻት/ደረጃታት ኣለው ትብል።

ፈለማ፡ ሓደ ኣስራሒ መዊሉ ከምጽእ ከምዝደሊ ንስፖንሰርሺፕ ከመልክት ኣለዎ።
skilled worker, female worker, skilled migration
Source: Getty Images/Hidn20 Imagery
እቲ መሰረታዊ/ዝተለምደ ምምዋል ሰራሕተኛ ብሓደ ዋኒን/Standard business sponsorship ነቲ ብሕጊ ዝቖመን ንጥፈታቱ ኣብ ምክያድ ዝርከብን፡ ብሕጊታት ማይግረሽንን ሽቕለትን ኣብነታዊ ታሪኽ መዝገብ ምምእዛዝ ዘለዎን ዋኒን ዝምልከት’ዩ።

ነዚ ስኮላርሺፕ መመልከቲ ዋጋ $420 ዶላር ኣውስትራልያ’ዩ፡ ካብ’ቲ ዝጸደቐሉ መዓልቲ ዝሕሰብ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ግዜ ገደብ ኣለዎ።

ሓደ ዋኒን ብተወሳኺ ኣክረዲትድ/ምዝጉብ መዋሊ ክኸውንውን ይኽእል’ዩ - ተወሳኺ ገንዘብ ከይከፈለ - ነቲ ዘመልከትዎ Temporary Skill Shortage visa ኸኣ ዝወስደሉ መመስርሒ ግዜ ብግምት ናብ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ከውርድዎ ይኽእሉ’ዮም።

እቲ ካልኣይ ደረጃ ምምዋል ናይ ደገ ሰራሕተኛ ‘ኖሚነሽን’ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኖሚነሽን’ ዝበሃል ሓደ ዝተፈቕደሉ መዋሊ ሓደ ክምላእ ዘለዎ ክፉት ቦታ ከለሊ እንከሎ’ዩ።

ክፍሊ ኢሚግረሽን ድልዱል/ርጡብ ዝኾነ ሕሉፍ መዝገብ ወይ ብግቡእ ዝተመስከረ ተገዳስነት ምቑጻር ዕዮ ውሽጢ ሃገር ዘመልክት ሰነድ ክሓትት ይኽእል’ዩ።

ስለ’ዚ ኣስራሕቲ ነቲ ክፉት ቦታ ኣብ ክልተ ሃገራዊ ዝርጋሐ ዘለዎም መድረኻት ከቃልሕዎ ወይ ከወዓውዕዎ ኣለዎም። ካብ ውሽጢ ሃገር ነቲ ቦታ ፈጺሞም ክመልእዎ እንተዘይክኢሎም ሓደ ዝተመጣጠነ ሞያዊ ክእለት ዘለዎ ናይ ደገ ሰራሕተኛ ክደልዮ ይኽእሉ።
skilled workers, farm Australia, skilled migration
Government analyst ABARES has predicted a 15 to 25 per cent jump in the price of some fresh fruit and vegetables owing to a labour shortage. Source: Getty Images/pixdeluxe
ወይዘሪት ኣልቢዝ እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ደረጃ እቲ ሞያ ዘለዎ ናይ ደገ ሰራሕተኛ ነቲ ቪዛ ከመልክት እንከሎ’ዩ ትብል።

ኣስራሒን እቲ ናይ ደገ ሰራሕተኛን ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሽን መመልከቲታቶም ከእትው ኣለኦም።

ንሳ እቲ ተመልክትዎ ቪዛ ቅድሚ ምእታውኩም፡ ዋኒናት ፈቓድ ስፖንሰርሺፕ/መመወሊ ናይ ደገ ሰራሕተኛ ክረኽቡ ከምዘለዎምን ነቲ ዝሓጸይዎ ቦታ ብመንግስቲ ኣቐዲሞም ቅቡል ከምዝኾነን ከረጋግጹ ከምዘለዎም ተስምረሉ።

እቲ ስፖንሰርሺፕ ወይ ሕጸ እንተዘይተዓዊቱ፡ እቲ ዘመልከትኩሞ ቪዛ’ውን ኣይክዕወትን’ዩ።

ኣመልከትቲ ዝተሓተ መለክዒ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝ (English proficiency)፡ ጥዕናን ሕቶታት ጠባይን (health and character requirements) ከማልኡን ሓደ ምጡን ዝኾነ ገምጋም ሞያ (suitable skill assessment) ነቲ ዘመልክትዎ ስራሕ ህልዎምን ከድልዮም’ዩ።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ’ቲ ዘመልክትዎ ዓይነት ስራሕ ወይ ከኣ ሓደ ተመሳሳሊ ሞያ ብውሑድ ናይ ክልተ ዓመታት ተሞክሮ ናይ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ከምዘጥረዩ ከመስክሩ ክኽእሉ ኣለዎም። ወዝባዊ ወይ ካዡዋል ስራሕ ኣብ’ዚ ኣይቁጸርን’ዩ፡ ግን ተመጣጣኒ ዝኾነ ናይ ክፋል-ግዜ (ፓርት ታይም) ስራሕ ክሕሰብ ይኽእል’ዩ።
skilled worker, female nurse, skilled migration
Source: Getty Images/JohnnyGreig
Temporary Skill Shortage visa ሰለስተ ጉጅለታት/ምድባት ወይ ስትሪምስ ኣለዎ - ናይ ሓጺር ግዜ (Short-term stream)፡ ማእከላይ ግዜን (Medium-term stream) ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ዕዮ ዝኣቱ ምድብን (Labour agreement stream)።

ናይ ሓጺር ግዜ ምድብ (Short-term stream)

እዚ ምድብ ነቶም ኣብ ዝርዝር ናይ ሓጺር ግዜ ሞያዊ (Short Term Skilled Occupation List) ዕዮታት ብፍሉይ ተዘርዚሮም ዘለው ዓይነታት ስራሕ’ዩ።

እቲ ክፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ’ዚ ምድብ ዘለው መመልከቲታት ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ይምስርሖም። እቲ ዋጋ ኸኣ $1265 ዶላር ኣውስትራልያ’ዩ።

ምስ’ዚ ናይ ሓጺር ግዜ ምድብ፡ ዓለምለኻውያን ግዴታታት ንግዲ ዘይምልከቱ ክሳብ ዝኾኑ፡ ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ኣብ ኣውስትራልያ ክሳብ ክልተ ዓመታት ክሰርሑ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ቪዛ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ንምርካብ ዕድል ወይ መንገዲ ኣይህብን’ዩ፡ ክሕደስ እንከሎ ኸኣ ሓደ ግዜ ጥራይ’ዩ።

ናይ ማእከላ ግዜ ምድብ (Medium-term stream)

ኣብ ትሕቲ’ዚ ምድብ ንምምልካት፡ ናይ ደገ ሰራሕተኛታት እቶም ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ኣብ’ዚ ናይ ማእከላይን ነዊሕን ግዜ ስትራተጂካዊ ሞያታት ዝርዝር (Medium and Long-term Strategic Skill List) ካብ ዝኣተው ዓይነታት ስራሕ ክምወሉ ኣለዎም።

ዋጋ መመልከቲ $2645 ዶላር ኣውስትራልያ ኮይኑ ውጽኢቱ ንምፍላጥ ከባቢ 60 መዓልታት ይወስድ።

ኣብ ትሕቲ’ዚ ምድብ፡ ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ክጸንሑን፡ ይግብኦም እንተኾይኑን ኣብ’ቲ ዝግብኦም እዋንን ንቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ከመልክቱ ይኽእሉዮም።

ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ዕዮ ዝኣቱ ምድብ (Labour agreement stream)

ስምምዓት ዕዮ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣውስትራልያን እቶም ዝተመስከረ ሕጽረት ክኢላታት ዘለዎም ኣስራሕትን ዝተኣትወ ውዕል’ዩ።

እቶም ኣብ’ዚ እዋን ስምምዕ ዘለዎም ጽላታት ወይ ኢንዳስትሪታት ጸባን ውጽኢቱን፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ስጋ፡ መራሒ ሃይማኖት፡ ክራይ ዕዮ፡ ሓሰማ፡ ቤት መግብታት (ክቡራት)፡ ምውዕዋዕ/ኣድቨርታይዚንግን ምብቋል ኣትክልቲ፡ ዕምባባታትን ፍረታትን ዘካትት ሆርቲካልቸርን እዮም።

እዚ ቪዛ ዋግኡ $2645 ዶላር ኣውስትራልያ’ዮ፡ ንሓደ ኣመልካቲ ኸኣ ክሳብ ዝለዓለ ኣርባዕተ ዓመታት ክጸንሕ ይኽእል፡ እዚ ግን ኣብ’ቲ ስምምዕ ዕዮ ዘሎ ቅድመ ኩነታት ወይ ዝርዝር ውዕላይ ይምርኮስ።

ኩሎም ሰለስቲኦም መደባት ቪዛ ነቲ ቀንዲ ኣመልካቲ ጠለባት ጥዕና ጠባይን ከማልኡ ዘለዎም ኣባላት ቤተሰቦም ኣብ’ቲ ዘመልክትዎ ከእትውዎም የፍቅዱሎም። ኣባላት ቤተሰብ ብተወሳኺ እኹል መድሕን ጥዕና ክህልዎም ይግደዱ፡ ምኽንያቱ ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝጸንሕሉ ንኹሉ ወጻኢታት ክንክን ጥዕና ተሓተትቲ ስለዝኾኑ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝርዝር ሞያዊ ዓይነት ስራሕ (Skilled Occupation List) ኣብ’ዚ ርኸቡ ወይ ንሓፈሻዊ ሕቶታት ኣብ ናይ መንግስቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑ።


Share

Published

Updated

By Josipa Kosanovic

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service