ግዝ ኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣተሓሳሲብዎ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ምውዳቖ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ ።

News

Source: Getty Images

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ምውዳቑ ከምዘሻቕላ ገሊጻ። ሓደ ካብቲ ዘስግእ ኩነታት ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው እዩ ።

እዚ መግለጺ ዝመጽእ ዘሎ ነቲ ኣብ ትግራይኣብ ሰባት ከቢድ መግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የጋጥሞም ኣሎ፡ ብምልዮናት ዝቑጸሩ ኣብ ከቢድ ጥምየት ምውዳቖም ዝገልጽ ጸብጻባት ኣብዝወጻሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ቅትለት ፡ ብኣስገዳድ ምፍንቓል ፡ ስርዓታዊ ጾታዊ ዓመጽ ፡ ከምኡውን ንኻልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ግህሰታትን ብዝሓየለ መልክዑ እያ እትዅንኖ" ኢሉ ። "ምንጪ ማይን ሆስፒታላትን መሳለጥያታት ሕክምናን ሓዊስካ ሲቪላዊ ትሕተ ቕርጺ ምዕናዉ'ውን ብማዕረ የስካሕክሓና እዩ ።" መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተሓተትቲ ክገብሮም: ንሰላማውያን ሰባት ከዕቍቦም: ከምኡውን ሰብኣዊ ሓገዛት ከይተዓናቐፍ ኣመሪካ ትጽውዕ ።

ጸሓፊ ብሊንከን ፡ "እኹል ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት እንተተገብረ'ኳ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ፡ ነቲ ቅልውላው ብፖለቲካዊ ን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ትርጕም ዘለዎ ስጕምትታት ኣይወሰዱን" ኢሉ ከሲሱ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ብቕልጡፍ ናብቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ክሊ ኤርትራ ክመልሶ ጸዊዑ ። ተጻብኦታት ደው እንተ ዘይኢሉ ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ክኣቱ እንተ ዘይፈቒዱ ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ሕጽረት ምግቢ ናብ ጥሜት ክመርሕ ይኽእል እዩ ክብል ገሊጹ።

ጸሓፊ ብሊንከን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዘሎ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ንህሉው ወይ ንናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ኤርትራ ሰበ-ስልጣን ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ፡ ወይ ካልኦት ናይ ኣምሓራ ዞባታትን ዘይስሩዕ ሓይልታትን ከምኡ 'ውን ኣባላት ህዝባዊወያነ ሓርነት ትግራይ ዝርከብዎም ውልቀ-ሰባት ቪዛ ናይ ምውጻእ እገዳታት ዝተገብረሎም ኣሎ። እቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰባት መግሃስቲ ዝፈጸሙ ሰባትን እቶም ሰብኣዊ ሓገዛት ከይቀርብ ዝዓገቱ ሰባትን እውን ኣብዚ ቀይድታት እዚ እትዋት እዮም። ናይ ቀረባ ቤተሰብ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት እውን በዚ ቀይድታት ክግደዱ ይኽእሉ እዮም ።

ጸሓፊት ብሊንከን ፡ ካልኦት መንግስትታት ምስ ሕ.መ.ኣ. ኮይነን ብሓባር ነዚ ስጕምቲ እዚ ክወስዳ ጸዊዑ።

ኣብ ርእሲ እዚ: ሕ.መ.ኣመሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ ቊጠባውን ጸጥታውን ሓገዝ ሰፊሕ ደረት ገይራ እያ ። ጸሓፊ ብሊንከን "ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝን ገለ ካልእ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓገዝን ምሃብ ክንቅጽል ኢና" ብምባል ገለጹ ። ንኤርትራ ዝምልከት ዝጸንሐ ገፊሕ ቀይድታት ክቕጽል እዩ ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕርታት ንምድጋፍን ንኢትዮጵያውያን ዕርቅን ዝርርብን ንኽገብሩ ንምሕጋዝን ቅርብቲ እያ፡ ክብል ብተወሳኺ እቲ ናይ ኣመሪካ መግለጺ የፍልጥ ።


Share

Published

Source: VOA

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service