ሓንቲ ታይላንዳዊት ሰበይቲ ኣብ ፌስቡክን ዩትዩብን ብትልጥፎ ትሕዝቶታት ን 43 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።

ኣብ ኦንላይን ብትልጥፎም ብምኽፋእ ስም ንጉሳዊያን ቤተሰብ ተኸሲሳ ገበነኛ ኮይና ብምርካባ ን43 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትእሰር ተፈሪዳ።

The woman, identified by a rights group only as Anchan, at the Criminal Court in Bangkok, Thailand, 19 January 2021.

The woman, identified by a rights group only as Anchan, at the Criminal Court in Bangkok, Thailand, 19 January 2021. Source: EPA

ናይ ቀደም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዝነበረት ታይላንዳዊት ሰበይቲ ንንጉሳዊያን ቤተ ሰብ ንምክፋእ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝለጠፈቶ ተኸሲሳ ብናይታ ሃገር ሕጊ ን 43 ዓመታትን 6 ኣዋርሕን ክትእሰር ተፈሪዳ።

እቲ ናይ ባንኮክ ቤት ፍርዲ ገበን ብመሰረት ንንጉሳዊያን ዝምልከት ሕጊ ኣብ ፌስቡክን ዩትዩብን ብትጽሕፎም ጽሑፋትን ርእይቶን ብ29 ክሲታት ተኸሲሳ እያ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ ።

እቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ብተጣበቕቲ ሰብ ኣዊ መሰላት ኣብዝውቀሰሉን ኣንጻሩ ናይ ተቓዉሞ ንጥፈታት ኣብዝግበረሉ ዘሎ እዋንዩ እዚ ኩነታት ዝፍጸም ዘሎ።

"እዚ ሎሚ ብቤት ፍርዲ ተጌሩ ዘሎ ፍርዲ ዘሰንብድን እዚ እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ምቅዋም ከምዘይጻወርን ንዝቃወምዎ ድማ ሕማቕ መቕጻዕቲ ዝቐጽዕ ምዃኑ ምስክር እዩ።" ክትብል ተመራማሪት  ኣብ ህዩማን ራይትስ ዋች ሱናይ ፋሱክ ገሊጻ።

ነቲ ናይ ታይላንድ ንንጉሳዊያን ዝምልከት ሕጊ (lese majeste law)  ብዓንቀጽ 112 ዝፍለጥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክሲ ካብ ሰለስተ ክሳብ 15 ዓመታት ማእሰርቲ የቕጽዕ።

ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ታይላን ብብዙሓት ዜጋታት ሀገር ከም ቅዱስ ዘይትንከፍ ትካል ዝሕሰብ እንተኾነኳ ካብዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ መንእሰያት ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊታት ክገብሩ ጀሚሮም እዮም።

ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ኣስታት 50 ሰባት ተታሒዞም በቲ ሕጊ ተኸሲሶም ኣለዉ።

"ነቲ ስልጣን ንጉስ ንምፍራስ ብመንእሰያት ዝምራሕ ተቓዉሞታት ንምሕምሻሽ እዚ ሕጊ ከም ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ዝወስድሉ ዘለዉ እዩ።" ይብል ሱናይ ።

 


Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሓንቲ ታይላንዳዊት ሰበይቲ ኣብ ፌስቡክን ዩትዩብን ብትልጥፎ ትሕዝቶታት ን 43 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ። | SBS Tigrinya