ናይ ቀደም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዝነበረት ታይላንዳዊት ሰበይቲ ንንጉሳዊያን ቤተ ሰብ ንምክፋእ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝለጠፈቶ ተኸሲሳ ብናይታ ሃገር ሕጊ ን 43 ዓመታትን 6 ኣዋርሕን ክትእሰር ተፈሪዳ።
እቲ ናይ ባንኮክ ቤት ፍርዲ ገበን ብመሰረት ንንጉሳዊያን ዝምልከት ሕጊ ኣብ ፌስቡክን ዩትዩብን ብትጽሕፎም ጽሑፋትን ርእይቶን ብ29 ክሲታት ተኸሲሳ እያ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ ።
እቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ብተጣበቕቲ ሰብ ኣዊ መሰላት ኣብዝውቀሰሉን ኣንጻሩ ናይ ተቓዉሞ ንጥፈታት ኣብዝግበረሉ ዘሎ እዋንዩ እዚ ኩነታት ዝፍጸም ዘሎ።
"እዚ ሎሚ ብቤት ፍርዲ ተጌሩ ዘሎ ፍርዲ ዘሰንብድን እዚ እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ምቅዋም ከምዘይጻወርን ንዝቃወምዎ ድማ ሕማቕ መቕጻዕቲ ዝቐጽዕ ምዃኑ ምስክር እዩ።" ክትብል ተመራማሪት ኣብ ህዩማን ራይትስ ዋች ሱናይ ፋሱክ ገሊጻ።
ነቲ ናይ ታይላንድ ንንጉሳዊያን ዝምልከት ሕጊ (lese majeste law) ብዓንቀጽ 112 ዝፍለጥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክሲ ካብ ሰለስተ ክሳብ 15 ዓመታት ማእሰርቲ የቕጽዕ።
ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ታይላን ብብዙሓት ዜጋታት ሀገር ከም ቅዱስ ዘይትንከፍ ትካል ዝሕሰብ እንተኾነኳ ካብዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ መንእሰያት ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊታት ክገብሩ ጀሚሮም እዮም።
ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ኣስታት 50 ሰባት ተታሒዞም በቲ ሕጊ ተኸሲሶም ኣለዉ።
"ነቲ ስልጣን ንጉስ ንምፍራስ ብመንእሰያት ዝምራሕ ተቓዉሞታት ንምሕምሻሽ እዚ ሕጊ ከም ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ዝወስድሉ ዘለዉ እዩ።" ይብል ሱናይ ።