ሓደ ኤርትራዊ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንኢትዮጵያ ኣስኢንዋ ተባሂሉ ክሲ ቀሪብሉ።

እዚ ተኸሳሲ ብሃገራዊ ባንኪ ዝተውሃበ ሕጋዊ ፍቓድ ባንኪ ንግዲ ከምዘይብሉ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

Commercial Bank of Ethiopia

Credit: SM

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ፋና ብሮድካስቲንግ (ኤፍ.ቢ.ሲ) ከምዝጸብጸቦ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ሃገራዊ ባንኪ ካብ ወጻኢ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ዝለኣኽዎ ዶላር ብምስግጋር ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝግመት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ን ኢትዮጵያ ስለዘስ ኣና ክሲ ቀሪብሉ።

ናይቲ ተኸሳሲ ስም ተስፋ ገ/ተኽለሃይማኖት ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ክሱስ ዜግነቱ ኤርትራዊ ከምዝኾነን ኣድራሻኡ ድማ ቆየ ፌተ፣ ከተማ ሽገር ክልል ኦሮምያ፣ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ተኸሳሲ ብሃገራዊ ባንኪ ዝተውሃበ ሕጋዊ ፍቓድ ባንኪ ንግዲ ከምዘይብሉ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። 

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ውልቀሰባት ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ክሰዱ ምስ ዝደልዩ በዚ ሰብ ከም ዝስድዎን ብመሰረት ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ ናይቶም ገንዘብ ክለኣኸሎም ሰባት ብድምር 52 ሚልዮንን 950 ሽሕን 757 ብርን ብስሙ ብንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ባንኪ ኣቢሲንያን ኣብ ዝተኸፍተ ቁጽሪ ሕሳብ ካብ 29 ጥሪ 2013 ክሳብ 29 ሓምለ 2014 ዓ.ም.ግ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ክሲ ጠቒሱ ዘሎ ገበናዊ ተግባር ናብ 10 ሰባት ምስግጋር ከምዝተፈጸመ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።


Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service