እታ ካብ ካልኦት ክፍለ ዓለማት ንላዕሊ ብፍጥነት ትመውቕ ዘላ ኣህጉር።

ብመሰረት ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ፡ እቲ ሓደጋ ዝገደደ ባህርያዊ ሓደጋን ደርቅን እዩ ከጋጥሞ ።

ኣብ ምድረበዳ ኣብ ዝተረኽበ ዘይልሙዕ ገረብ ትጣጥም ዘላ ግመል

ብመሰረት ዓለማዊ ውድብ ሜትሮሎጂ ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ከቢድ ኵነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ነይራ ። Source: AAP / SOPA Images

Key Points
  • ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻ ብኣፍሪቃ ካብተን ኣብዛ ፕላኔት ዘለዋ ካልኦት ብዝተቐላጠፈ መጠን ትመውቕ ኣላ።
  • እታ ኣህጉር ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ክቱር ኩነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ነይራ ።
  • ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዝኸፍአ ደርቂ ኣጋጢሙዋ እዩ።
ኣፍሪቃ ካብተን ዝተረፋ ኣብዛ ፕላኔት ዘለዋ ኣህጉር ብዝቐልጠፈ እያ ትመውቕ ዘላ ፡ ከም ደርቂ ዝኣመሰለ ዝኸበደ ክሊማን ምምዝባል ኣየርን ድማ የጋጥማ ኣሎ ። ውድብ ሕቡራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ፡ ክሊማዊ ለውጢ ነቲ ዘሎ ጸጋታት ንምውሳድ ግጭት ኸለዓዕል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ።
እታ ኣህጉር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ80 ክቱር ኩነታት ኣየርን ክሊማን ተጠቒዓ ከምዝነበረት ዝሓበረ ጸብጻብ ዓለማዊ ውድብ ሜትሮሎጂ (WMO) ፡ ምስቲ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ፈለማ ዋዕላ ክሊማ ንምስምማዕ ምዃኑ ሓቢሩ ።
እዚ ከም ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ደርቂ ኣብ 40 ዓመት ፡ ኣብ ኣልጀርያ ድማ ኣብ በረኻ ዘጋጠመ ሓደጋታት ፡ 5,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ ኣብ ቊጠባዊ መዳይ ድማ 8.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝወረደ ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ ማዕከን ህጹጽ ኵነታት ካብ ዝተረኽበ ምንጪ ይሕብር ።
A graphic depicting the mean temperature in Africa over 122 years
Source: SBS
እቲ ናይ ብሓቂ ኣሃዛት ብሰንኪ እቲ ዘሎ ሃጓፋት ጸብጻብ ካብዚ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ።

ኣብ 2022 ኩነታት ክሊማ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ፡ "ለውጢ ክሊማን ምንካይ መሰረታዊ ባህርያዊ ሃብትን ፡ በቲ ዘሎ ትሑት ልሙዕ መሬትን ማይን መጋሃጫን ግጭታት ኸለዓዕል ይኽእል እዩ ።"

ድሮ "ውን ኣብ ልዕሊ ጥሪት ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ክፋላት ናይ ሓውሲ-ደረቕ ሳሕል ይረአ ኣሎ ። ብገምጋም ፡ኣብ 2021 ነፍሲ ወከፍ ኣፍሪቃዊ 1.04 ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ኣየር ይተፍእ ፣ እዚ ከኣ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ገምጋም ዳርጋ ርብዒ እዩ ።

እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ፡ ገምጋም መጠን ሙቐት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 1991-2022 ኣብ ዓሰርተ ዓመት 0.3C ከምዝነበረን ፡ እዚ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ 0.2C ዝነጻጸር እዩ ።

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ንነጀው ብዙሕ ማዕበል ዋዒታት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ፡ መጠን ሙቐት ብናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ።

እዚ ድማ 33 ሚልዮን ቶን ወይ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ገምጋም ንታሕቲ ዝዀነ ኣስታት 10 ሚእታዊት ምህርቲ ኣእካል ከም ዝውሕድ ምግባሩ ፡ ኣብ ከም ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰለ ካልእ ክፋላት እታ ኣህጉር ጽቡቕ ዝናም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሓፈሻዊ እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ሕርሻዊ ምህርቲ ከም ዝጐደለ: እዚ ድማ ካብ 1961 ኣትሒዙ ብ34 ሚእታዊት ከም ዝንከ እዩ ዝግለጽ።
A graph depicting weather, climate and water-related disasters in Africa in 2022.
Source: SBS
ብሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ካል ኦት ሃገራት ዝ ኣቱ ዓመታዊ መግቢ ፡ ብጠቕላላ ናይ ሰለስተ ዶላር ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ ፡ ካብ 35 ቢልዮን ዶላር ኣብ 2025 ናብ 110 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካክብ ክብልዩ ።

"ኣፍሪቃ ካብ 10 ሚእታዊት ዘይበዝሕ ነዳዲ ግሪን ሃውስ ናይ ምውፃእ ሓላፍነት ኣለዋ ። እንተዀነ ግን: ነቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ክመጽእ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታት ክትጻወሮ እትኽእል ዝተሓተት ኣህጉር እያ ።

ዋና ጸሓፊት ትካል ዓለማዊ መትሮሎጂ ፕሮፌሰር ፔተር ታዓላስ ከምዚገልጾ: - "ህቦብላ: ብርቱዕ ዝናም: ምዕልቕላቕ ማይ: ትሮፒካዊ ህቦብላ: ከምኡውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ደርቂ ኣብ ማሕበረ-ሰባትን ቊጠባን ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ: እዚ ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ኣለዉ ።"

ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ኵነታት ኣየር ትዕዝብትታትን ናይ መጠንቀቕታ ኣገልግሎትን "ብቑዕ ኣይኰነን" ዝበለ ንሱ፡

"ነዚ ሃጓፋት እዚ ዓጺና ፡ ህይወት ዘድሕን መጠንቀቕታታት ንዅሉ ሰብ ከም ዝበጽሕ ክንገብር ቈሪጽና ኢና" በለ ።

Share

Published

Source: SBS, Reuters

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service