ኣርባዕተ ቀንዲ መራሕቲ ህወሓት ቀቲለ 9 ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትየ ኣለኹ - መንግስቲ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሃገራዊ መከላኸሊ ሓይሉ ኣርባዕተ ቀንዲ ኣባላት ኣመራርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ከምዝቐተለን ካልኦት ትሽዓተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን ገሊጹ።

Sekotoure Getachew of TPLF

ሴኩቱሬ ጌታቸው ኣባል ህወሓት Source: DW International

ሃገራዊ መከላኸሊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ከምዝቐተለ ሓሙስ ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ ምውፋር ሓይልታት ምኽልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ኣፍሊጡ።

ካብ እቶም ዝተቐትሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ኣፈኛ ዝነበሩ ሴኮቱረ ጌታቸውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ ቢሮ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ዳንኤል ኣሰፋን ይርከብዎም ኢሉ።

ክልተ ካልኦት ቀንዲ ኣባላት ህወሓት ዝኾኑ ዋና ኣካያዲ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዘርኣይ ኣስገዶምን ሓላፊ ድምጺ ወያኒ ዝነበሩ ኣበበ ገብረመድህንን ኣብ'ቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ተቐቲሎም ክብል ወሲኹ።

ኣብ'ቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ እቲ ጀነራል ሰራዊቱን ኣሃዱታት ጸጥታ ፈደራልን ብዘካየድዎ ዝተወሃሃደ ስርሒት ካልኦት ትሽዓተ መራሕቲ ህወሓት'ውን ተታሒዞም ኣለው ኢሉ። 

ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው እቶም ተቐቲሎም ዝበሎም መራሕቲ ህወሓት መዓስን ኣበይን ከምዝተቐትሉ ዝርዝር ኣይሃበን።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝርከቡ ትሽዓተ ካልኦት ኣባላት ግን እዚኦም ዝስዕቡ'ዮም ኢሉ፡ -

ናይ ቀደም ዋና ኣካያዲ ማሕበር ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ተኽለወይኒ ኣሰፋ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማታት ዶክተር ሰሎሞን ኪዳነ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ገብረመድህን ተወልደ፡ ናይ ቀደም ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርት ወልደጊዮርጊስ ደስታ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኣባዲ ዘሞ፡ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝነበራ ቅዱሳን ነጋ፡ ናይ ቀደም ፕረዚደንት ናይ መለስ ሊደርሺፕ ኣካዳሚ ቴድሮስ ሓጎስ፡ ናይ ሕጊ ኣማኻሪት ኣብ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝነበራ ምሕረት ተኽላይን ናይ ቀደም ሓላፊ ንብረትን ከይዲ ስራሕ ዕድግን ብርሃነ ኣደም መሓመድን እዮም ክብል እቲ መገለጺ ኣስፊሩ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣርባዕተ ቀንዲ መራሕቲ ህወሓት ቀቲለ 9 ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትየ ኣለኹ - መንግስቲ ኢትዮጵያ | SBS Tigrinya