"እዚ ግጭት ብዛዕባ ግዝኣት እዩ": Dr Gil Merom.
"እዚ ግጭት ብዛዕባ ግዝኣት እዩ": Dr Gil Merom.
This article is more than 1 year old

Explainer

ታሪኽ ኣመዓባብላ ግጭት እስራኤልን ፍልስጢኤምን፡

እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘሕዝንን ብዙሕ ህይወት ዘጥፍእ ከቢድን ግጭታት እዩ ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጢኤምን ዘሎ ግጭት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ ፡ ኣብ መጻኢኸ እንታይ እዩ ክኸውን ?

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS / SBS News
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን ኣብ ዝግበር ዘሎ ውግእ ዓብዪ ለውጢ ተራእዩ እዩ ፣ በዚ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ክልቲኡ ወገናት መጥቃዕቲ ይፍኖ ስለ ዘሎ ናብ "መጠነ ሰፊሕ ምሉእ ውግእ" ክዓርግ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ ።
እቲ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ፡ ኣብ ሚያዝያ ኣብ'ታ ናይ ኣስላም ቅድስቲ ወርሒ ረመዳን ዝተጎሃሀረን፡ ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ንገለ ስድራ ቤታት ፍልስጤም ምስጓጕ ነቲ ነገር ከጋድዶ ተራእዩ እዩ ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግጭት ዳግም ዝተሓደሰሉ ሰሙን ፡ ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ጋዛ መብዛሕትኦም ቈልዑ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ሰባት ተቐቲሎም እዮም ። ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ እስራኤል ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሮም ።
እቲ ኵነታት ከመይ ኢሉ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት በጺሑ፧ ኣብ 2018 ንመጀመርታ ግዜ ብ ኤስ ቢ ኤስ ኒውስ ዝተሓትመ፡ ብዛዕባ ኣብዚ ኩነታት ዝዋስኡ ታሪኻዊ ሓይልታት ዝገልጽ ቀሪቡ ኣሎ ።

እቲ ግጭት ብኸመይ ጀሚሩ?

ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ፡ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን እተገብረ መሪር ቃልሲ ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘይፍታሕን ግጭታት እዩ ። እተሓላለኸ ግጭት እዩ ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ግን ኣዝዩ ቀሊል እዩ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ናይ ኣህጉራዊ ጸጥታ ክኢላ ዝዀነ ዶክተር ጊል ሜሮም ን SBS ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ብቐሊሉ እዚ ብዛዕባ ግዝኣት ዝግበር ቃልሲ እዩ ።
መበቈል እቲ ግጭት ናብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ይምለስ እኳ እንተኾነ ፡ ብዘመናዊ ታሪኻዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ ግን ፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታትን መጀመርታ 1900ታትን ፡ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ማእከል ዝገበረ እዩ ።
ካብ 1882 ክሳዕ 1948 ፡ ኣብ ዝነበረ እዋን ፡ ናይ ተኸታታሊ ኣሊያ ህስ (ካብ መላእ ዓለም ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣይሁድ ናብ ሓደ ከባቢ ፡ ማለት ካብ 1917 ኣትሒዙ ብወግዒ ፍልስጤም ተባሒሉ ናብ ዝፍለጥ ምጽኣት) ተኻይዱ እዩ ።
እዚ ኣብ ኣሽዊዝ  ኣስታት 70.000 ጃምላዊ ቅትለት ኣይሁድ ዝተገብረሉ ቦታ ኮይኑ   ኣይሁዳዊት ሃገር ንኽትህሉ ዝደረኸ እዩ።
እዚ ኣብ ኣሽዊዝ ኣስታት 70.000 ጃምላዊ ቅትለት ኣይሁድ ዝተገብረሉ ቦታ ኮይኑ ኣይሁዳዊት ሃገር ንኽትህሉ ዝደረኸ እዩ። Source: Getty / Getty Images
ብ1917 ፡ ብሪጣንያ ኣብ ፍልስጥኤም መግዛእታዊ ስልጣን ቅድሚ ምርካባ ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ ኣዋጅ ባልፎር (Balfour Declaration) ኣዊጃ። "ግርማዊ መንግስቲ ኣብ ፍልስጥኤም ንህዝቢ ኣይሁድ ሃገራዊ መንበሪ ዝዀኖም ሃገረ ኣይሁድ ክምስረት ከምዝደሊ እዩ ዝርኢ ፣ ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት ከኣ ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ እዮም" ዝብል ኣዋጅ ባፋልፎር ኣውጽአ ።
ፍልስጤማውያን ነቲ ተግባር እኳ እንተ ነጸግዎ ፡ ታሪኽ ግና ኣብ ጎድኖም ኣይነበረን ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ኽሳእ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ እተቐትሉ ጃምላዊ ቅትለት ሆሎኮስት ፡ ኣይሁዳውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክምስርቱ ዝነበሮም ድፍኢት እናሓየለ ከደ ።

ኲናት ዓረብ እስራኤል

ብ1947 ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብ ሰለስተ መቒልዎ ፣ እቲ ሓደ ንኣይሁድ ፡ እቲ ሓደ ንኣዕራብ ፡ ከምኡውን ኣብ የሩሳሌም ዓለምለኻዊ ናይ እምነት ስርዓት ክፍጠር ወሲኑ ።
ኣዕራብ ው.ሕ.ሃ. መሬቶም ንኻልእ ኽውፊ መሰል ከም ዘይብሉ ብምውሳን ነቲ ርክብ ኣይተቐበልዎን በዚ ድማ ውግእ ተባርዐ ።
በባህላ ፍልስጤማውያን ጽዮናውያን (እቶም ኣብ እስራኤል ዳግማይ ምቛም ሃገረ ኣይሁድ ዝድግፉ) ንሰባት ካብ ኣባይቶም ክወጹ ኣገዲዱ ።
ብወገን እስራኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ካብ ቤቶም ክወጽኡ ዘተባብዑ መራሕቲ ዓረብ ከም ዝነበሩን ገለ ኣዕራብ ብወለንታኦም ከም ዝወጹን ዝሕብር እዩ ።
Circa 1948: ኣብ እዋን ግጭት ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ፡ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምሩኻት ውግእ ።
Circa 1948: ኣብ እዋን ግጭት ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ፡ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምሩኻት ውግእ ። Source: Getty / Getty Images
እቲ ብ1948 ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተወልዐ ደማዊ ውግእ ፡ 700,000 ፍልስጤማውያን ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ገይሩ ፣ እዚ ብ 'ናቅባ' ዝፍለጥ ፡ ብ ቛንቋ ዓረብኛ 'ዕንወት' ተባሒሉ ዝፍለጥ ጃምላዊ ህልቂት እዩ ።
ይኹን እምበር ፡ ኣብ እስራኤል ዝጸንሑ ፍልስጤማውያን እውን ነይሮም እዮም ፣ ብ2013 ድማ ፡ ማእከላይ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ እስራኤል ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓረብ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ወይ ኣስታት ዕስራ ካብ ሚእቲ ህዝቢ እስራኤል ከም ዝዀነ ይግምት ።

እቲ ብ1948 እተገብረ ውግእ ፡ ማእከል ናይዚ ኩነታትን ዘይተፈትሐን ክፋል እቲ ቀጻሊ ውግእ ስለ ዝዀነ ፡ ኣገዳሲ እዩ ።
እስራኤል ብዘይካ ኣብ ዌስት ባንክ ፡ ማለት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል የሩሳሌም (ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ዮርዳኖስ) ፡ ወሽመጥ ጋዛ (ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ግብጺ) እንተዘይኮይኑ እስራኤል ንዅሉ እቲ ግዝኣት ተቘጻጸረቶ ።
ዘርኢ እቶም 700,000 ፍልስጤማውያን ዝዀኑ ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ወለዶታት ዘሕለፉ ፡ ሕጂ ድማ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ከም ዝዀኑ ፡ እቲ ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ዝወፈየ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል UNRWA የመልክት ።
ፍልስጤማውያን ኣብ ዝርርብ ሰላም ዘቕርብዎ ቀንዲ ጠለብ ፡ እዞም ወለዶ እዚኣቶም ናብቲ ብ1948 እተሓድጉ ስድራቤታቶም ናብ ኣባይቶም ንምምላስ "መሰል ምምላስ" እዩ ።
ብ1967 ፡ እስራኤል ንሓይልታት ግብጺ ፡ ሶርያን ዮርዳኖስን ስዒራ ንሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ፡ እስራኤል ን ምዕራብ ባንክን ምብራቕ የሩሳሌምን ካብ ዮርዳኖስ ከም እትወስደን ዝገበረ ካልእ ዓብዪ ውግእ እውን ተኻይዱ እዩ ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ነዚ ክልታት እዚ ትቈጻጸሮ ኣላ ።
እቲ ግዝኣት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ፍልስጤማውያን ከምዝኾነ እዩ ዝፈልጦ፡ ሓያሎ ካልኦት ሃገራትውን "ዝተጎብጠ መሬት" ምዃኑ ይፈልጥኦ ፣ እስራኤል ግና ከም "ዘሰሓሕብ" ግዝኣት ገይራ እያ እትርእዮ ፣ እቲ ጉዳይ ብ ዘተ ሰላም ክፍታሕ ከኣ ትደሊ ።

ንምንታይ ግን ሰላም ክርከብ ዘይተኻእለ?

ድሕሪ እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ሓያል ግጭት ፡ ክልቲኦም ወገናት ብ1993 ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ፡ ፍልስጤማውያን ንህላወ እስራኤል ኣፍልጦ ከም ዝህቡን እስራኤላውያን ድማ ንውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ከም ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ፍልስጤም ገይሮም ከም ዚርእይዎን ተሰማምዑ ።
እቲ ርክብ ናይ ኦስሎ ስምምዕ (ኣኮርድ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ ፡ ኣብ ዌስት ባንክ ን ኣብ ጋዛን እተወሰነ ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤማውያን እውን ዝገበረ እዩ ነይሩ ።
እዚ ስምምዕ እዚ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት እተማልአ ሰላም ክሳዕ ዝፍጸም እተገብረ ስምምዕ እዩ ነይሩ ።
እዚ ግን ኣይተገብረን ። ብ2000 ብኣመሪካ ዝተኣንገደ ፍሹል ናይ ሰላም ዋዕላ ተገይሩ ነይሩ ።
እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኰይኑ ዘገልገለ ኣሪል ሻሮን ፡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ዝርከብ ከረን ቤተ መቕደስ ምስ ከደ ፡ ፍልስጤማውያን ንሉኣላውነት እስራኤል ከም መረጋገጺ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ ፣ ኣብቲ ኣል-ኣቕሳ ዝብሃል መስጊድ ፡ ብ እስላም ሳልሳይ ቅዱስ ቅዱሳን ዝዀነ ቦታ ፡ ሓደ ካብቲ ናብ ካልኣይኢንቲፋዳ (ብርቱዕ ናዕቢ) ፍልስጤማውያን ዘምረሐ ቀንዲ ምኽንያት ፍልስጤማውያን እዮ ነይሩ ።
ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመት ፡ ኣስታት 3,000 ፍልስጤማውያንን 1,000 እስራኤላውያንን ተቐቲሎም እዮም ፣ ገለ ካብቶም ግዳያት ከኣ ብርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም እዮም ።
ሚያዝያ 2013 ፦ ግዳያት እቲ ኣብ ካልኣይኢንቲፋዳ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ንግዳያት ሽበራ እተገብረ ዝኽሪ ።
ሚያዝያ 2013 ፦ ግዳያት እቲ ኣብ ካልኣይኢንቲፋዳ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ንግዳያት ሽበራ እተገብረ ዝኽሪ ። Source: Getty / Getty Images
ሳዕቤኑ ዓብዪ ነበረ ።
እስራኤላውያን ካብ ጋዛ ኣንሰሓቡ: ኣብ መፋርቕ 2000 ሓማስ ዝበሃል ኣብ ብብዙሕ ሃገራት ከም ግብረ-ሽበራ ዝቝጸር ናይ ፍልስጤማውያን ሱኒ: ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ተቘጻጸሩ ።
ፋታህ እቲ ዝያዳ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይ ፍልስጤማውያን ትካል ኰይኑ ፡ ነቲ ኣብ ዌስት ባንክ ዝርከብ ልዑል ተቐባልነት ዝነበሮ ምምሕዳር ፍልስጤማውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእተዎ ።
ሓማስ ፡ ጋዛ ነቲ ኣብ ዶብ እስራኤል ዝግበር ናይ ሮኬት ወይ ናይ ሞርታር መጥቃዕትታት ንኽገብር ስለተጠቕመሉ ፡ ንኣረኣእያ ህዝቢ እስራኤል ከም ዜትርሮ ንምግባር ከም መፈንጠራ ተጠቕመሉ ።

"እዚ ንኣይሁዳውያን እስራኤላዊያን፡ ነቲ ምስ ፍልስጤማውያን ዝግበር ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ብዝያዳ ከም ዝጻረርዎ ገይርዎም እዩ" ብምባል ዶክተር መሮም ይገልጽ ። "እቲ መረዳእታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ነይሩ ፦ ንኽሉ ግዝ ኣታት እንተ ሂብናዮም ፡ ኵሉ እቲ ዝገብርዎ ነገራት ከኣ መሰረት መጥቃዕትን ሰፈራታት እስራኤል እዩ ዝኸውን ። ስለዚ እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ደኣ ዝድለ ?"

በዚ ምኽንያት እዚ ፡ ጋዛ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መዕገቲ እስራኤል ኣተወት ፣ እዚ ከኣ ነቶም 1.8 ሚልዮን ዝዀኑ ተቐማጦኣ ዝኸውን ምግቢ ፡ ማይን ጸዓትን ብመጠን ክኸውን ተገብረ ። መነባብሮ እዞም ፍልስጤማውያን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ ።
እስራኤል ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኑክሌራዊ ሓይሊ ኰነት: ብሓገዝ ኣመሪካ ከኣ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘይድፈር መከላኸሊ ሓይሊ ሃኒጻ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ካብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ምብራቕን መጽናዕትታት ሰሜን ኣፍሪቃን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማሃ ናሳር ፡ እቲ ግጭት ንምፍትሑ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ካብ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያታት ፡ እቲ ብኣመሪካ ዝግበር ደገፍ ንእስራኤል ከም ዝዀነ ትማጐት ።
ንሳ ን SBS ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እቲ ዝሓየለ ሰልፊ ፡ ማለት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ብቐጻሊ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ወጊና እያ ፣ ንፍልስጤማውያን ከኣ ነቲ መሰረታዊ መሰል ርእሰ ውሳነኦም ክገድፉ ጸቕጢ ገይራትሎም እያ" በለት ።
"እዚ ብብዙሕ መገድታት ፡ ብፍላይ ከኣ ንፍልስጤማውያን ኣብ ልዕሊ ዶባታን ማያን ምክልኻል ወይ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ሓቂ ቍጽጽር ዘይብሉ ' ሃገር ኣልቦ" ከምዝኸውን እዮም ገይሮምዎ ። ፍልስጤማውያን ፡ ክቡርን ልኡላዊ ግዝኣት ክህልዎም እማመ ቀሪብሎም ኣይፈልጥን ። "

ብዛዕባ ፍታሕ ክልተ ሃገርከ(two-state solution)?

እስራኤላውያን ነቶም ዳያስፖራ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ናብ እስራኤል ናይ ምምላስ መሰል ፈጺሞም ኣይቅበልዎን እዮም ፣ ኸመይሲ ፡ ከምኡ ምግባር ማለት ንኩነታት እስራኤል ናብ ውሑዳን ኣይሁዳውያን እዩ ክቕይሮ ።
እዚ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ኣፓርታይድ ፡ ሕማቕ ምንጽጻር ኣምጺኡ እዩ ፡ ኣብ 2017 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ኮምሽን ንምዕራባዊ እስያ ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናይ ቀደም ናይ እስራኤል ፖለቲከኛታት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ተንጸባሪቑ እዩ።
እስራኤላውያን ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ዘሎ ምንጽጻር ምስ ኣፓርታይድ ነቒፎምዎ እዮም ። ኣማኑኤል ናህሾን ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ፡ ነቲ ጸብጻብ ምስ ታብሎድ ናዚ ኣመሳሲልዎ ኣሎ ፣ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ከኣ ነቲ ጸብጻብ ከም ዘይተቐበሎ ኣፍሊጡ እዩ ።
ብሓፈሻኡ ፡ እቲ ንነዊኅ እዋን ዝቕጽል ነባሪ ፍታሕ ፡ ክልተ መንግስቲ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዝዝረብ ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣሎ ።

ጸገም ዋንነት የሩሳሌም

ካብዚኣቶም እታ ቀዳመይቲ የሩሳሌም እያ ።
ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ናይ ኣመሪካ ኤምባሲ እስራኤል ንምግዓዝ ዝወሰኖ ውሳነ ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ ።

ኣመሪካ ኣብ ዶባት ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ቦታ እኳ እንተ ዘይሃበት ፡ ነቲ ኤምባሲ ናብ የሩሳሌም ምግዓዝ ናይ እስራኤል ቦታ ከም ዝኾነ ዝድግፍ ዘመልክት ስለ ዝዀነ ግና ፡ እቲ ወጥሪ መሊሱ ገደደ ።
ፕሮፌሰር ናሳር ፡ "እዚ ስጕምቲ እዚ ፡ መወዳእታ ናይ እቲ ንኽልተ መንግስትታት ዝምልከት ፍታሕ እዩ" በለ ።

"ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ስርዓታት [ብወገን ፍልስጤም] ፡ ምብራቕ የሩሳሌም ርእሲ ከተማ ናይ መጻኢት ሃገረ ፍልስጤም ክትከውን ዝብል እዩ ።"
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝመርሖ መንግስቲ እስራኤል ግና ፡ ንየሩሳሌም "ዘይትከፋፈል ርእሰ ከተማ እስራኤል እያ" እዩ ዝብል ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁን መንግስቱን ፡ የሩሳሌም "ዘይትከፋፈል ርእሰ ከተማ እስራኤል" ምዃና ይኣምኑ እዮም ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁን መንግስቱን ፡ የሩሳሌም "ዘይትከፋፈል ርእሰ ከተማ እስራኤል" ምዃና ይኣምኑ እዮም ። Source: AAP
ፕሮፌሰር ናሳር ፡ "ብ1980 እስራኤል ንኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ፡ ንምብራቕ የሩሳሌም ኣብ ቁጽጽራ ኣእትያቶ እያ" በለ ።
"በዚ ከምዚ ፡ ኣመሪካ ነቲ ናታንያሁ ዝሃባ መትከል ብንጹር ስዒባ ፡ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ርእሰ ከተማ ዘለዋ ሃገረ ፍልስጤም ክትህሉ ዘለዋ ተስፋ ተቋርጽ ኣላ ።"
ይኹን እምበር ፡ የሩሳሌምን ህልውነታን ጥራይ ኣይኮነን እቲ ዕንቅፋት ፡ ዶክተር ሜሮም ፡ ብዘይካ ሓማስ ፡ ዳርጋ ኵሎም ብክልሰ-ሓሳብ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ ይድግፉ ።
ካልእ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ድማ ፡ እቲ ዶብ ብልክዕ ኣበይ ከም ዝርከብ ፡ መጻኢ ዕድል እቶም ስደተኛታት ፍልስጤማውያን (መሰል ምምላስ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ዝምልከት) ፡ ከምኡውን ሕቶ እቲ ኣብ ግዝ ኣት ፍልስጤም ዝካየድ ሰፈራታት ኣይሁድ ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣይሁድ እስራኤላውያን ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መብዛሕትኡ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ኢሎም ዚቘጽርዎ ኣባይቲ ሃኒጾም ኣለዉ ።
ፕሮፌሰር ሃሳር ፡ ፍልስጤማውያን "ማዕረ መሰል ናጽነትን ክብርን" ክሳዕ ዝረኽቡ ፡ ሰላም ክህሉ ከም ዘይክእል ገለጸ ።

መጻኢ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ፖለቲካ እስራኤል ተወሳኺ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ዶር ሜሮም ፡ እቲ ብዛዕባ ብልሽውናን ጉቦ ብምሃብ ዝግበር መርመራ ፡ ን ሃገረ-ፍልስጤም ዝቃወም እዩ።

ሚስተር ናታንያሁ ኣብ ሓሙሽተ ምርጫታት ተዓዊቱ እዩ ፣ ብልሽውና ከም ዘሎ እኳ እንተ ተረጋገጸ ፡ ሕጂ ግና ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ኣለዎ ።
Palestinian protesters clash with Israeli troops in May.
Palestinian protesters clash with Israeli troops in May. Source: Getty
ኣብ መጻኢ ሰላም ክርከብ ዘሎ ትጽቢት : ኣብዚ ሓጺር እዋን ይኹን ማእከላይ እዋን ትስፉው ዝዀነ ይኹን ሰብ የለን ።
ሰራዊት እስራኤልን ወተሃደራት ፍልስጤምን ኣብ ክሊ ጋዛ ፡ ካብ 2008 ኣትሒዞም ሰለስተ ውግእ ኣካዪዶም እዮም ፣ ራብዓይ ውግእ ጀሚሩ ኣሎ ።
ልኡኽ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኒኮላይ ምላደኖቭ ፡ ኣብ ግንቦት 2019 ፡ "ሓደጋ ምጅማር ውግእ ዘይተርፍ እዩ" ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ ።
"ኵሉ ሰብ ኣመና ፈሪሑ እዩ ፣ ኵሉ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ተነቃፊ እዩ" ድማ በለ ።

ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዓለማዊ መጠነ-ዝምድናታት እናጐደለ ከም ዝኸደን ሱር በተኻዊ ኣመታት ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ንዓመታት ብዝቐጸለ ባእስን ምፍጣጥን ርክባት ባይታ ዘቢጡ ከም ዘሎን ዶር ሜሮም ይሕብር: እዚ ድማ ብወገን ፍልስጤማውያን ብዝያዳ ዘጋጥም ሞት እዩ ።
"ኣይሁዳውያን ሰፋሮን ሓማስን ክልቲኦም 'ኩሉ ናተይ እዩ ይብሉ "በለ ።


እዚ ጽሑፉ ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ 2018 ተሓቲሙ ፡ ኣብ 2019ን 2021ን ድማ ተመሓይሹ ።


Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service