ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን ኣብ ዝግበር ዘሎ ውግእ ዓብዪ ለውጢ ተራእዩ እዩ ፣ በዚ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ክልቲኡ ወገናት መጥቃዕቲ ይፍኖ ስለ ዘሎ ናብ "መጠነ ሰፊሕ ምሉእ ውግእ" ክዓርግ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ ።
እቲ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ፡ ኣብ ሚያዝያ ኣብ'ታ ናይ ኣስላም ቅድስቲ ወርሒ ረመዳን ዝተጎሃሀረን፡ ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ንገለ ስድራ ቤታት ፍልስጤም ምስጓጕ ነቲ ነገር ከጋድዶ ተራእዩ እዩ ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግጭት ዳግም ዝተሓደሰሉ ሰሙን ፡ ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ጋዛ መብዛሕትኦም ቈልዑ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ሰባት ተቐቲሎም እዮም ። ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ እስራኤል ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሮም ።
እቲ ኵነታት ከመይ ኢሉ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት በጺሑ፧ ኣብ 2018 ንመጀመርታ ግዜ ብ ኤስ ቢ ኤስ ኒውስ ዝተሓትመ፡ ብዛዕባ ኣብዚ ኩነታት ዝዋስኡ ታሪኻዊ ሓይልታት ዝገልጽ ቀሪቡ ኣሎ ።
እቲ ግጭት ብኸመይ ጀሚሩ?
ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ፡ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን እተገብረ መሪር ቃልሲ ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘይፍታሕን ግጭታት እዩ ። እተሓላለኸ ግጭት እዩ ፡ ኣብ ሓደ ደረጃ ግን ኣዝዩ ቀሊል እዩ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ናይ ኣህጉራዊ ጸጥታ ክኢላ ዝዀነ ዶክተር ጊል ሜሮም ን SBS ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ብቐሊሉ እዚ ብዛዕባ ግዝኣት ዝግበር ቃልሲ እዩ ።
መበቈል እቲ ግጭት ናብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ይምለስ እኳ እንተኾነ ፡ ብዘመናዊ ታሪኻዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ ግን ፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታትን መጀመርታ 1900ታትን ፡ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ማእከል ዝገበረ እዩ ።
ካብ 1882 ክሳዕ 1948 ፡ ኣብ ዝነበረ እዋን ፡ ናይ ተኸታታሊ ኣሊያ ህስ (ካብ መላእ ዓለም ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣይሁድ ናብ ሓደ ከባቢ ፡ ማለት ካብ 1917 ኣትሒዙ ብወግዒ ፍልስጤም ተባሒሉ ናብ ዝፍለጥ ምጽኣት) ተኻይዱ እዩ ።
እዚ ኣብ ኣሽዊዝ ኣስታት 70.000 ጃምላዊ ቅትለት ኣይሁድ ዝተገብረሉ ቦታ ኮይኑ ኣይሁዳዊት ሃገር ንኽትህሉ ዝደረኸ እዩ። Source: Getty / Getty Images
ብ1917 ፡ ብሪጣንያ ኣብ ፍልስጥኤም መግዛእታዊ ስልጣን ቅድሚ ምርካባ ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ ኣዋጅ ባልፎር (Balfour Declaration) ኣዊጃ። "ግርማዊ መንግስቲ ኣብ ፍልስጥኤም ንህዝቢ ኣይሁድ ሃገራዊ መንበሪ ዝዀኖም ሃገረ ኣይሁድ ክምስረት ከምዝደሊ እዩ ዝርኢ ፣ ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት ከኣ ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ እዮም" ዝብል ኣዋጅ ባፋልፎር ኣውጽአ ።ፍልስጤማውያን ነቲ ተግባር እኳ እንተ ነጸግዎ ፡ ታሪኽ ግና ኣብ ጎድኖም ኣይነበረን ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ኽሳእ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ እተቐትሉ ጃምላዊ ቅትለት ሆሎኮስት ፡ ኣይሁዳውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክምስርቱ ዝነበሮም ድፍኢት እናሓየለ ከደ ።
ኲናት ዓረብ እስራኤል
ብ1947 ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዘሰሓሕብ ዞባ ኣብ ሰለስተ መቒልዎ ፣ እቲ ሓደ ንኣይሁድ ፡ እቲ ሓደ ንኣዕራብ ፡ ከምኡውን ኣብ የሩሳሌም ዓለምለኻዊ ናይ እምነት ስርዓት ክፍጠር ወሲኑ ።
ኣዕራብ ው.ሕ.ሃ. መሬቶም ንኻልእ ኽውፊ መሰል ከም ዘይብሉ ብምውሳን ነቲ ርክብ ኣይተቐበልዎን በዚ ድማ ውግእ ተባርዐ ።
በባህላ ፍልስጤማውያን ጽዮናውያን (እቶም ኣብ እስራኤል ዳግማይ ምቛም ሃገረ ኣይሁድ ዝድግፉ) ንሰባት ካብ ኣባይቶም ክወጹ ኣገዲዱ ።
ብወገን እስራኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ካብ ቤቶም ክወጽኡ ዘተባብዑ መራሕቲ ዓረብ ከም ዝነበሩን ገለ ኣዕራብ ብወለንታኦም ከም ዝወጹን ዝሕብር እዩ ።
Circa 1948: ኣብ እዋን ግጭት ሃገራት ዓረብን እስራኤልን ፡ ካብ የሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምሩኻት ውግእ ። Source: Getty / Getty Images
እቲ ብ1948 ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተወልዐ ደማዊ ውግእ ፡ 700,000 ፍልስጤማውያን ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ገይሩ ፣ እዚ ብ 'ናቅባ' ዝፍለጥ ፡ ብ ቛንቋ ዓረብኛ 'ዕንወት' ተባሒሉ ዝፍለጥ ጃምላዊ ህልቂት እዩ ።ይኹን እምበር ፡ ኣብ እስራኤል ዝጸንሑ ፍልስጤማውያን እውን ነይሮም እዮም ፣ ብ2013 ድማ ፡ ማእከላይ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ እስራኤል ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓረብ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ወይ ኣስታት ዕስራ ካብ ሚእቲ ህዝቢ እስራኤል ከም ዝዀነ ይግምት ።
እቲ ብ1948 እተገብረ ውግእ ፡ ማእከል ናይዚ ኩነታትን ዘይተፈትሐን ክፋል እቲ ቀጻሊ ውግእ ስለ ዝዀነ ፡ ኣገዳሲ እዩ ።
እስራኤል ብዘይካ ኣብ ዌስት ባንክ ፡ ማለት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል የሩሳሌም (ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ዮርዳኖስ) ፡ ወሽመጥ ጋዛ (ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ግብጺ) እንተዘይኮይኑ እስራኤል ንዅሉ እቲ ግዝኣት ተቘጻጸረቶ ።
ዘርኢ እቶም 700,000 ፍልስጤማውያን ዝዀኑ ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ወለዶታት ዘሕለፉ ፡ ሕጂ ድማ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ከም ዝዀኑ ፡ እቲ ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ዝወፈየ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል UNRWA የመልክት ።
ፍልስጤማውያን ኣብ ዝርርብ ሰላም ዘቕርብዎ ቀንዲ ጠለብ ፡ እዞም ወለዶ እዚኣቶም ናብቲ ብ1948 እተሓድጉ ስድራቤታቶም ናብ ኣባይቶም ንምምላስ "መሰል ምምላስ" እዩ ።
ብ1967 ፡ እስራኤል ንሓይልታት ግብጺ ፡ ሶርያን ዮርዳኖስን ስዒራ ንሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ፡ እስራኤል ን ምዕራብ ባንክን ምብራቕ የሩሳሌምን ካብ ዮርዳኖስ ከም እትወስደን ዝገበረ ካልእ ዓብዪ ውግእ እውን ተኻይዱ እዩ ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ነዚ ክልታት እዚ ትቈጻጸሮ ኣላ ።
እቲ ግዝኣት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ፍልስጤማውያን ከምዝኾነ እዩ ዝፈልጦ፡ ሓያሎ ካልኦት ሃገራትውን "ዝተጎብጠ መሬት" ምዃኑ ይፈልጥኦ ፣ እስራኤል ግና ከም "ዘሰሓሕብ" ግዝኣት ገይራ እያ እትርእዮ ፣ እቲ ጉዳይ ብ ዘተ ሰላም ክፍታሕ ከኣ ትደሊ ።
ንምንታይ ግን ሰላም ክርከብ ዘይተኻእለ?
ድሕሪ እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ሓያል ግጭት ፡ ክልቲኦም ወገናት ብ1993 ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ፡ ፍልስጤማውያን ንህላወ እስራኤል ኣፍልጦ ከም ዝህቡን እስራኤላውያን ድማ ንውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO) ከም ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ፍልስጤም ገይሮም ከም ዚርእይዎን ተሰማምዑ ።
እቲ ርክብ ናይ ኦስሎ ስምምዕ (ኣኮርድ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ ፡ ኣብ ዌስት ባንክ ን ኣብ ጋዛን እተወሰነ ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤማውያን እውን ዝገበረ እዩ ነይሩ ።
እዚ ስምምዕ እዚ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት እተማልአ ሰላም ክሳዕ ዝፍጸም እተገብረ ስምምዕ እዩ ነይሩ ።
እዚ ግን ኣይተገብረን ። ብ2000 ብኣመሪካ ዝተኣንገደ ፍሹል ናይ ሰላም ዋዕላ ተገይሩ ነይሩ ።
እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኰይኑ ዘገልገለ ኣሪል ሻሮን ፡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ዝርከብ ከረን ቤተ መቕደስ ምስ ከደ ፡ ፍልስጤማውያን ንሉኣላውነት እስራኤል ከም መረጋገጺ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ ፣ ኣብቲ ኣል-ኣቕሳ ዝብሃል መስጊድ ፡ ብ እስላም ሳልሳይ ቅዱስ ቅዱሳን ዝዀነ ቦታ ፡ ሓደ ካብቲ ናብ ካልኣይኢንቲፋዳ (ብርቱዕ ናዕቢ) ፍልስጤማውያን ዘምረሐ ቀንዲ ምኽንያት ፍልስጤማውያን እዮ ነይሩ ።
ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመት ፡ ኣስታት 3,000 ፍልስጤማውያንን 1,000 እስራኤላውያንን ተቐቲሎም እዮም ፣ ገለ ካብቶም ግዳያት ከኣ ብርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም እዮም ።
ሚያዝያ 2013 ፦ ግዳያት እቲ ኣብ ካልኣይኢንቲፋዳ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እተገብረ ንግዳያት ሽበራ እተገብረ ዝኽሪ ። Source: Getty / Getty Images
ሳዕቤኑ ዓብዪ ነበረ ።እስራኤላውያን ካብ ጋዛ ኣንሰሓቡ: ኣብ መፋርቕ 2000 ሓማስ ዝበሃል ኣብ ብብዙሕ ሃገራት ከም ግብረ-ሽበራ ዝቝጸር ናይ ፍልስጤማውያን ሱኒ: ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ተቘጻጸሩ ።
ፋታህ እቲ ዝያዳ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይ ፍልስጤማውያን ትካል ኰይኑ ፡ ነቲ ኣብ ዌስት ባንክ ዝርከብ ልዑል ተቐባልነት ዝነበሮ ምምሕዳር ፍልስጤማውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእተዎ ።
ሓማስ ፡ ጋዛ ነቲ ኣብ ዶብ እስራኤል ዝግበር ናይ ሮኬት ወይ ናይ ሞርታር መጥቃዕትታት ንኽገብር ስለተጠቕመሉ ፡ ንኣረኣእያ ህዝቢ እስራኤል ከም ዜትርሮ ንምግባር ከም መፈንጠራ ተጠቕመሉ ።
"እዚ ንኣይሁዳውያን እስራኤላዊያን፡ ነቲ ምስ ፍልስጤማውያን ዝግበር ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ብዝያዳ ከም ዝጻረርዎ ገይርዎም እዩ" ብምባል ዶክተር መሮም ይገልጽ ። "እቲ መረዳእታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ነይሩ ፦ ንኽሉ ግዝ ኣታት እንተ ሂብናዮም ፡ ኵሉ እቲ ዝገብርዎ ነገራት ከኣ መሰረት መጥቃዕትን ሰፈራታት እስራኤል እዩ ዝኸውን ። ስለዚ እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ደኣ ዝድለ ?"
በዚ ምኽንያት እዚ ፡ ጋዛ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መዕገቲ እስራኤል ኣተወት ፣ እዚ ከኣ ነቶም 1.8 ሚልዮን ዝዀኑ ተቐማጦኣ ዝኸውን ምግቢ ፡ ማይን ጸዓትን ብመጠን ክኸውን ተገብረ ። መነባብሮ እዞም ፍልስጤማውያን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ ።
እስራኤል ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኑክሌራዊ ሓይሊ ኰነት: ብሓገዝ ኣመሪካ ከኣ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘይድፈር መከላኸሊ ሓይሊ ሃኒጻ ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ካብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ምብራቕን መጽናዕትታት ሰሜን ኣፍሪቃን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማሃ ናሳር ፡ እቲ ግጭት ንምፍትሑ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ካብ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያታት ፡ እቲ ብኣመሪካ ዝግበር ደገፍ ንእስራኤል ከም ዝዀነ ትማጐት ።
ንሳ ን SBS ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እቲ ዝሓየለ ሰልፊ ፡ ማለት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ብቐጻሊ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ወጊና እያ ፣ ንፍልስጤማውያን ከኣ ነቲ መሰረታዊ መሰል ርእሰ ውሳነኦም ክገድፉ ጸቕጢ ገይራትሎም እያ" በለት ።
"እዚ ብብዙሕ መገድታት ፡ ብፍላይ ከኣ ንፍልስጤማውያን ኣብ ልዕሊ ዶባታን ማያን ምክልኻል ወይ ብዝሒ ህዝቢ ናይ ሓቂ ቍጽጽር ዘይብሉ ' ሃገር ኣልቦ" ከምዝኸውን እዮም ገይሮምዎ ። ፍልስጤማውያን ፡ ክቡርን ልኡላዊ ግዝኣት ክህልዎም እማመ ቀሪብሎም ኣይፈልጥን ። "
ብዛዕባ ፍታሕ ክልተ ሃገርከ(two-state solution)?
እስራኤላውያን ነቶም ዳያስፖራ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ናብ እስራኤል ናይ ምምላስ መሰል ፈጺሞም ኣይቅበልዎን እዮም ፣ ኸመይሲ ፡ ከምኡ ምግባር ማለት ንኩነታት እስራኤል ናብ ውሑዳን ኣይሁዳውያን እዩ ክቕይሮ ።
እዚ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ኣፓርታይድ ፡ ሕማቕ ምንጽጻር ኣምጺኡ እዩ ፡ ኣብ 2017 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ኮምሽን ንምዕራባዊ እስያ ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናይ ቀደም ናይ እስራኤል ፖለቲከኛታት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ተንጸባሪቑ እዩ።
እስራኤላውያን ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ዘሎ ምንጽጻር ምስ ኣፓርታይድ ነቒፎምዎ እዮም ። ኣማኑኤል ናህሾን ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ፡ ነቲ ጸብጻብ ምስ ታብሎድ ናዚ ኣመሳሲልዎ ኣሎ ፣ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ከኣ ነቲ ጸብጻብ ከም ዘይተቐበሎ ኣፍሊጡ እዩ ።
ብሓፈሻኡ ፡ እቲ ንነዊኅ እዋን ዝቕጽል ነባሪ ፍታሕ ፡ ክልተ መንግስቲ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዝዝረብ ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣሎ ።
ጸገም ዋንነት የሩሳሌም
ካብዚኣቶም እታ ቀዳመይቲ የሩሳሌም እያ ።
ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ናይ ኣመሪካ ኤምባሲ እስራኤል ንምግዓዝ ዝወሰኖ ውሳነ ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ ።
ኣመሪካ ኣብ ዶባት ዝምልከት ዝዀነ ይኹን ቦታ እኳ እንተ ዘይሃበት ፡ ነቲ ኤምባሲ ናብ የሩሳሌም ምግዓዝ ናይ እስራኤል ቦታ ከም ዝኾነ ዝድግፍ ዘመልክት ስለ ዝዀነ ግና ፡ እቲ ወጥሪ መሊሱ ገደደ ።
ፕሮፌሰር ናሳር ፡ "እዚ ስጕምቲ እዚ ፡ መወዳእታ ናይ እቲ ንኽልተ መንግስትታት ዝምልከት ፍታሕ እዩ" በለ ።
"ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ስርዓታት [ብወገን ፍልስጤም] ፡ ምብራቕ የሩሳሌም ርእሲ ከተማ ናይ መጻኢት ሃገረ ፍልስጤም ክትከውን ዝብል እዩ ።"
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝመርሖ መንግስቲ እስራኤል ግና ፡ ንየሩሳሌም "ዘይትከፋፈል ርእሰ ከተማ እስራኤል እያ" እዩ ዝብል ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁን መንግስቱን ፡ የሩሳሌም "ዘይትከፋፈል ርእሰ ከተማ እስራኤል" ምዃና ይኣምኑ እዮም ። Source: AAP
ፕሮፌሰር ናሳር ፡ "ብ1980 እስራኤል ንኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ፡ ንምብራቕ የሩሳሌም ኣብ ቁጽጽራ ኣእትያቶ እያ" በለ ።"በዚ ከምዚ ፡ ኣመሪካ ነቲ ናታንያሁ ዝሃባ መትከል ብንጹር ስዒባ ፡ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ርእሰ ከተማ ዘለዋ ሃገረ ፍልስጤም ክትህሉ ዘለዋ ተስፋ ተቋርጽ ኣላ ።"
ይኹን እምበር ፡ የሩሳሌምን ህልውነታን ጥራይ ኣይኮነን እቲ ዕንቅፋት ፡ ዶክተር ሜሮም ፡ ብዘይካ ሓማስ ፡ ዳርጋ ኵሎም ብክልሰ-ሓሳብ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ ይድግፉ ።
ካልእ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ድማ ፡ እቲ ዶብ ብልክዕ ኣበይ ከም ዝርከብ ፡ መጻኢ ዕድል እቶም ስደተኛታት ፍልስጤማውያን (መሰል ምምላስ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ዝምልከት) ፡ ከምኡውን ሕቶ እቲ ኣብ ግዝ ኣት ፍልስጤም ዝካየድ ሰፈራታት ኣይሁድ ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣይሁድ እስራኤላውያን ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መብዛሕትኡ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ኢሎም ዚቘጽርዎ ኣባይቲ ሃኒጾም ኣለዉ ።
ፕሮፌሰር ሃሳር ፡ ፍልስጤማውያን "ማዕረ መሰል ናጽነትን ክብርን" ክሳዕ ዝረኽቡ ፡ ሰላም ክህሉ ከም ዘይክእል ገለጸ ።
መጻኢ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ፖለቲካ እስራኤል ተወሳኺ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ዶር ሜሮም ፡ እቲ ብዛዕባ ብልሽውናን ጉቦ ብምሃብ ዝግበር መርመራ ፡ ን ሃገረ-ፍልስጤም ዝቃወም እዩ።
ሚስተር ናታንያሁ ኣብ ሓሙሽተ ምርጫታት ተዓዊቱ እዩ ፣ ብልሽውና ከም ዘሎ እኳ እንተ ተረጋገጸ ፡ ሕጂ ግና ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ኣለዎ ።
Palestinian protesters clash with Israeli troops in May. Source: Getty
ኣብ መጻኢ ሰላም ክርከብ ዘሎ ትጽቢት : ኣብዚ ሓጺር እዋን ይኹን ማእከላይ እዋን ትስፉው ዝዀነ ይኹን ሰብ የለን ።ሰራዊት እስራኤልን ወተሃደራት ፍልስጤምን ኣብ ክሊ ጋዛ ፡ ካብ 2008 ኣትሒዞም ሰለስተ ውግእ ኣካዪዶም እዮም ፣ ራብዓይ ውግእ ጀሚሩ ኣሎ ።
ልኡኽ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኒኮላይ ምላደኖቭ ፡ ኣብ ግንቦት 2019 ፡ "ሓደጋ ምጅማር ውግእ ዘይተርፍ እዩ" ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ ።
"ኵሉ ሰብ ኣመና ፈሪሑ እዩ ፣ ኵሉ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ተነቃፊ እዩ" ድማ በለ ።
ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዓለማዊ መጠነ-ዝምድናታት እናጐደለ ከም ዝኸደን ሱር በተኻዊ ኣመታት ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ንዓመታት ብዝቐጸለ ባእስን ምፍጣጥን ርክባት ባይታ ዘቢጡ ከም ዘሎን ዶር ሜሮም ይሕብር: እዚ ድማ ብወገን ፍልስጤማውያን ብዝያዳ ዘጋጥም ሞት እዩ ።
"ኣይሁዳውያን ሰፋሮን ሓማስን ክልቲኦም 'ኩሉ ናተይ እዩ ይብሉ "በለ ።
እዚ ጽሑፉ ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ 2018 ተሓቲሙ ፡ ኣብ 2019ን 2021ን ድማ ተመሓይሹ ።