Explainer

ኣማዓባብላ ግጭት እስራኤላዊያንን ፍልስጢኤማዊያንን በጺሕዎ ዘሎ ኩነታትን።

እዚ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘሕዝንን ጭካነ ዝመልኦ ግጭታት ሓደ እዩ ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤላዊያንን ፍልስጢኤማዊያንን ዝተወለዐ ግጭት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ እዩ ትጽቢት ዝግበር፧

"It’s a fight about territory": Dr Gil Merom.

Source: SBS News

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብ ዝግበር ዘሎ ውግእ እናኸፍአ ይኸይስ ኣሎ። ካብ ክልቲኡ ወገናት መጥቃዕቲ ይቕጽል ብምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ናብ መጠነ ሰፊሕን ምሉእ ውግእን" ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ገለ ስድራ ቤታት ፍልስጤም ካብ መንበሪኦም ክስጎጉ ኣብ ስግኣት ምስወደቑ፡ እቲ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ፡ ኣብ ሚያዝያ ኣብ እዋን ወርሒ ረመዳን እዩ ናብ ቅሉዕ ምጥቕቓዕ ኣትዩ ፡ ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና፥ ኣብታ ናይ መጀመርታ ሰሙን ናይዚ ሓድሽ መጥቃዕትታት ፡ ኣስታት 200 ሰባት ፡ መብዛሕትኦም ቈልዑ ፡ ኣብ ጋዛ ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ እስራኤል ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሮም ።

እቲ ኵነታት ከመይ ኢሉ ናብቲ ሕጂ ዘለዉሉ መጠን ከም ዝኸደ ንምግማቱ ከቢድዩ ። ኣብ 2018 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ SBS News እተሓትመ ፡ ታሪኻዊ ሓይልታት ናይዚ ግጭት ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ግጭት ብኸመይ ጀሚሩ?

ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ፡ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን እተገብረ መሪር ቃልሲ ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘይዕረቕን ግጭታት እዩ ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ናይ ኣህጉራዊ ጸጥታ ክኢላ ዝዀነ ዶክተር ጊል ሜሮም ን SBS ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቲ ግጭት ብሓጺሩ ብዛዕባ ዋንነት ግዝኣት'ዩ።"

መበቈል እቲ ግጭት ናብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ይምለስ እኳ እንተኾነ ፡ ብዘመናዊ ታሪኻዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ ግን ፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታትን መጀመርታ 1900ታትን ፡ ሕመረት መጀመሪ ናይቲ ኩነታት እዩ ነይሩ ።

ካብ 1882 ክሳዕ 1948 ፡ ኣብ ዝነበረ እዋን ፡ ናይ ተኸታታሊ ዓሌት ኣሊያ ተኻይዱ (ካብ 1917 ኣትሒዙ ካብ መላእ ዓለም ሰፊሕ ምንቅስቓስ ኣይሁድ ናብ ሓደ ከባቢ ፡ ማለት ብወግዒ ናብ ፍልስጤም ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዝ ኣት ንምኻድ መደብ ተጀሚሩ )።
The push for a Jewish state intensified after the Holocaust. Auschwitz, pictured, where about 70.000 people were killed.
The push for a Jewish state intensified after the Holocaust. Auschwitz, pictured, where about 70.000 people were killed. Source: Getty Images
ብ1917 ፡ ብሪጣንያ ኣብ ፍልስጥኤም መግዛእታዊ ስልጣን ቅድሚ ምርካባ ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ "መንግስቲ ብሪጣንያ ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ፍልስጥኤም ሃገራዊ መንበሪ ዝዀኖም ብምድላው ህዝቢ ኣይሁድ ክምስረት ባህ ኢሉ ተራእዮ ፣ ነዚ ዕላማ እዚ ንምዕዋት ከኣ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብር እዮ" ዝብል ኣዋጅ ብፋልፎር ኣውጽአ ።

ፍልስጤማውያን ነቲ ተግባር እኳ እንተ ነጸግዎ ፡ ታሪኽ ግና ኣብ ጎኖም ኣይነበረትን።

ድሕሪ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ኽሳዕ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ እተቐትሉ ጃምላዊ ቅትለት ፡ ኣይሁዳውያ ናይ ገዛእ ርእሶም ግዝኣት ኣይሁድ ንኽምስርቱ እቲ ድፍኢት እናሓየለ ከደ ።

ኲናት ኣዕራብን-እስራኤላዊያንን

ብ1947 ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዘሰሓሕብ ግዝ ኣታት ኣብ ሰለስተ ክምቀል ድምጺ ሂብሉ ፣ እቲ ሓደ ግዝኣት ንኣይሁድ ፡ እቲ ሓደ ንኣዕራብ ፡ ከምኡውን ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ስርዓት ድማ ዓለምለኻዊ ናይ እምነት ቦታ ክኸውን ወሲኑ ።

ኣዕራብ ው.ሕ.ሃ. መሬቶም ንጓና ኽውፊ መሰል ከምዘይብሉ ብምግባር ነቲ ዉሳነ ኣይተቐበልዎን ። በዚ ድማ ውግእ ተባርዐ ።

ናይ ፍልስጤማውያን ትረኻ ብዛዕባ ጽዮናውያን (እቶም ኣብ እስራኤል ዳግማይ ምቛም ሃገረ ኣይሁድ ኣብ ፍልስጢኤም ዝድግፉ) ድሕሪኡ ንሰባት ካብ ኣባይቶም ክሶጉ ጀሚሮም ይብል ።

እቲ ናይ እስራኤል ትረኻ ዝብሎ ነቶም ህዝቢ ክኸዱ ዘተባብዑ መራሕቲ ዓረብ ከም ዝነበሩን ገለ ኣዕራብ ብወለንታኦም ከም ዝወጹን ዝሕብር እዩ ።
Circa 1948: A prisoner-of-war camp outside Jerusalem built to house Arab prisoners during the Arab-Israeli conflict.
Circa 1948: A prisoner-of-war camp outside Jerusalem built to house Arab prisoners during the Arab-Israeli conflict. Source: Getty Images
እቲ ብ1948 ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተወልዐ ደማዊ ውግእ ፡ 700,000 ፍልስጤማውያን ካብ ኣባይቶም ክሃድሙ ተራእዮም ፣ እዚ ድማ ብ 'ናቅባ' ዝፍለጥ ፡ ብቛንቋ ዓረብኛ 'ዕንወት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጃምላዊ ህልቂት እዩ ።

ይኹን እምበር ፡ ኣብ እስራኤል ዝጸንሑ ፍልስጤማውያን እውን ነይሮም እዮም ፣ ብ2013 ድማ ፡ ማእከላይ ቤት ፅሕፈት ስታቲስቲክስ እስራኤል ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓረብ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ወይ ኣስታት ዕስራ ካብ ሚእቲ ህዝቢ እስራኤል ከም ዝዀነ ይግምት።

እቲ ብ1948 እተገብረ ውግእ ፡ ቀንዲን ዘይተፈትሐን ክፋል ናይቲ ቀጻሊ ውግእ ስለ ዝዀነ ፡ ኣገዳሲ እዩ ።

እስራኤል ብዘይካ ኣብ ዌስት ባንክ ፡ ማለት ኣብ ምብራቓዊ ኩርናዕ የሩሳሌም (ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ዮርዳኖስ ዝነበረ) ፡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ጋዛ (ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ግብጺ ዝኣተወ) ካልእ ንዅሉ እቲ ዘሰሓሓብ ከባቢታት ተቘጻጸረቶ ።

ዘርኢ ናይቶም 700,000 ፍልስጤማውያን ዝዀኑ ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ዘለዉ ወለዶታትኣብዚ እዋን ኣስታት 4.5 ሚልዮን ከምዝበጽሑ ፡ እቲ ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ዝናቢ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል UNRWA ዘውጽኦ ሓበሬታ ይገልጽ።
"It’s a fight about territory": Dr Gil Merom.
Source: SBS News
ፍልስጤማውያን ኣብ ዝርርብ ሰላም ቀንዲ ጠለብ ዘቕረቡሉ ነገር ፡ እዞም ዘርኢ እዚኣቶም ናብቲ ብ1948 ስድራቤታቶም ዝተመንዝዕዎ ኣባይቶም ምምላስ "መሰል ምምላስ" እዩ ።

ብ1967 ፡ንሽዱሽተ መዓልቲ ጥራይ ዝተገብረ ውግእ፡ እስራኤል ንሓይልታት ግብጺ ፡ ሶርያን ዮርዳኖስን ስዒራ ፡ እስራኤል ን ምዕራብ ባንክን ምብራቕ የሩሳሌምን ካብ ኢድ ዮርዳኖስ ከም እትወስደን ዝገበረ ካልእ ዓብዪ ውግእ እውን ተኻይዱ እዩ ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ድማ ነዚ ክልታት እዚ እስራኤል ትቆጻጸሮ ኣላ።

እቲ ቦታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ፍልስጤማውያን ግዝኣት ክሕሰብከሎ ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ድማ "ዝተወረ መሬት" እዩ ይብላኦ፣ እስራኤል ግና ከም "ዘሰሓሕብ" ግዝ ኣት ገይረን ይሓስባኦ።

ንምንታይ'ዩ ሰላም ክፍጠር ዘይከኣለ?

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ግጭት ፡ ክልቲኦም ወገናት ብ1993 ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ፡ ፍልስጤማውያን ንህልዊ ኩነታት እስራኤል ኣፍልጦ ዝህብሉ ፡ እስራኤላውያን ከኣ ንሕጋውያን ውድባት ሓርነት ፍልስጤማውያን (PLO) ከም ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ፍልስጤም ገይሮም ዝርእይዎ ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

እቲ ርክብ ናይ ኦስሎ ኣኮርድስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ ፡ ፍልስጤማውያን ኣብ ዌስት ባንክን ኣብ ጋዛ እተወሰነ ናይ ርእሰ-ምምሕዳርስልጣን ዘውህቦምዩ ነይሩ ።

እዚ ስምምዕ እዚ ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት እተማልአ ሰላም ክሳዕ ዝሰፍን፡ ናይ መእተዊ ስምምዕ እተገብረ እዩ።

እዚ ግን ኣይተተግበረን ። ብ2000 ብኣመሪካ ዝተኣንገደ ፍሹል ናይ ሰላም ዋዕላ ተገይሩ ነይሩ ።

እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝነበረ ኣሪል ሻሮን ፡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ዝርከብ ከረን ቤተ መቕደስ ምስ ከደ ፡ እስራኤል ፣ ን ኣል-ኣቕሳ ዝብሃል መስጊድ ሏኣላውነት ፡ ኣብ ልዕሊ እስላም ሳልሳይ ቅዱስ ዝዀነ ቦታ ፡ ተጌሩ ስለተሓስበ፡ ሓደ ካብቲ ናብ ካልኣይ ኢንቲፋዳ (ብርቱዕ ናዕቢ) ፍልስጤማውያን ዝመርሕ ቀንዲ ምኽንያት ኮነ።

ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመት ፡ ኣስታት 3,000 ፍልስጤማውያንን 1,000 እስራኤላውያንን ተቐቲሎም እዮም ፣ ገለ ካብቶም ግዳያት ርእሰ ቅትለት ዝዀኑ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት እዮም ።
April 2013: The victims of an attack during the second Intifada are remembered in a ceremony at the Victims of Terror memorial in Jerusalem.
April 2013: The victims of an attack during the second Intifada are remembered in a ceremony at the Victims of Terror memorial in Jerusalem. Source: Getty Images
ሳዕቤኑ ዓብዪ ነበረ ።

እስራኤላውያን ካብ ጋዛ ኣንሰሓቡ: ኣብ መፋርቕ 2000 ሓማስ ዝበሃል ኣብ ፍልስጤማዊ ሱኒ ከም ግብረ-ሽበራውያን ዝቝጸር ጕጅለ: ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ግዝኣት ተቘጻጸሩ ።

ፋታህ እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይ ፍልስጤማውያን ትካል ኰይኑ ፡ ነቲ ኣብ ዌስት ባንክ ተመስሪቱ ዝነበረ ልዑል ተቐባልነት ዝነበሮ ምምሕዳር ፍልስጤማውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእተዎ ።

ሓማስ ፡ ጋዛ ነቲ ኣብ ዶብ ዝግበር ናይ ሮኬት ወይ ናይ ሞርታር መጥቃዕትታት ከም መበገሲ ስለዝገበራ ፡ ንኣረኣእያ ህዝቢ እስራኤል ከም ዜትርሮ ብምግባር ከም መፈንጠራ ተጠቕመሉ ።

"እዚ ንኣይሁዳውያን ፡ ነቲ ምስ ፍልስጤማውያን እተገብረ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ብዝያዳ ከም ዝጻረርዎ ገይርዎም እዩ" ክብል ዶ/ር መሮም ይገልጽ። "እቲ መረዳእታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ነይሩ ፦ ንኹሉ ግዝ ኣታት ሂብናዮም እንተ ደኣ ኴንና ፡ ንኹሉ እቲ ግዝኣታት መማእከል መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ ሰፈራታት እስራኤል እዩ ዝኸውን ። ስለዚ በዚ ዝመጽእ እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ?"

በዚ ምኽንያት እዚ ፡ ጋዛ ኣብ ትሕቲ ሉእ ወተሃደራዊ ከበባ እስራኤል ኣተወት ፣ ነቶም 1.8 ሚልዮን ዝዀኑ ተቐማጦኣ ዝኸውን ምግቢ ፡ ማይን ጸዓትን ብውስን ከምዝ ኣትዎም ጥራይ ተገብረ። መነባብሮ ናይዞም ፍልስጤማውያን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኣብ ናይ ደገ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዝግለጽ ።

እስራኤል ኣብ መፋርቕ 1980ታት ኑክሌራዊ ሓይሊ ኰነት: ብሓገዝ ኣመሪካ ከኣ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘይድፈር መከላኸሊ ሓይሊ ሃኒጸት።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞና ካብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ምብራቕን መጽናዕትታት ሰሜን ኣፍሪቃን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማሃ ናሳር ፡ እቲ ግጭት ንምፍትሑ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ካብ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያታት ፡ እቲ ብኣመሪካ ዝግበር ደገፍ ንእስራኤል ከም ዝዀነ ይማጐት ።

ንሳ ን SBS ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እቲ ዝሓየለ ሰልፊ ፡ ማለት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ብቐጻሊ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ወጊና እያ ፣ ንፍልስጤማውያን ከኣ ነቲ መሰረታዊ መሰል ርእሰ ውሳነኦም ክገድፉ ጸቕጢ ገይራትሎም እያ"።

"እዚ ብብዙሕ መገድታት እዮምጌሮሞ ፡ ብፍላይ ከኣ ንፍልስጤማውያን ኣብ ልዕሊ ዶባታን ማያን ምክልኻል ቍጽጽር ዘይብሉ 'ሃገር-ኣልቦ" ብምሃብ እዮም ገይሮምዎ ። ፍልስጤማውያን ፡ ክቡርን ዘስርሕን ልኡላዊ ግዝኣት ቀሪብሎም ኣይፈልጥን እዩ። "

ብዛዕባ ፍታሕ ክልተ ሃገራትከ?

እስራኤላውያን ነቶም ናይ ዳያስፖራ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ናብ እስራኤል ናይ ምምላስ መሰል ፈጺሞም ኣይቅበልዎን እዮም ፣ ኸመይሲ ፡ ከምኡ ምግባሮም ንእስራኤል ናብ ውሑዳን ኣይሁዳውያን ስለዝቕይራ'ዩ።

እዚ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ኣፓርታይድ ፡ ሕማቕ ምንጽጻር ኣምጺኡ እዩ ፡ ኣብ 2017 እውን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቁጠባውን ማሕበራውን ኮምሽን ንምዕራባዊ እስያ ፡ ብተወሳኺ ናይ ቀደም ናይ እስራኤል ፖለቲከኛታት ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ እዚ ተገሊጹ እዩ።

እስራኤላውያን ነቲ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ዘሎ ምንጽጻር ምስ ኣፓርታይድ ነቒፎምዎ እዮም ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ፡ ኣማኑኤል ናህሾን ፡ ነቲ ጸብጻብ ምስ ታብሎድ ናዚ ኣመሳሲልዎ ኣሎ ፣ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝነቲ ጸብጻብ ከም ዘይተቐበሎ ኣአንፊቱ እዩ ።

ብሓፈሻኡ ፡ እቲ ንነዊኅ እዋን ዝቕጽል ነባሪ ፍታሕ ፡ ክልተ መንግስቲ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዝዝረብ ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣሎ ።

ጸገም ጉዳይ የሩሳሌም

ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ናይ ኣመሪካ ኤምባሲ እስራኤል ንምግዓዝ ዝወሰኖ ውሳነ ፡ ምልክቱ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ ።

ሰብ መዚ ኣመሪካ ብዛዕባ ጉዳይ ዶባት ዝዀነ ይኹን ሓሳብ እንተ ዘይሃቡ ፡ እቲ ስጉምቲ ግና እስራኤል ብዛዕባ ዋንነት የሩሳሌም ዝድግፍ ስጉምቲ ስለዝሕሰብ ወጥሪ ከምዝገድድ ጌሩ'ዩ።

ፕሮፌሰር ናሳር ፡ "እዚ ስጕምቲ እዚ ፡ መወዳእታ ናይቲ ኽልተ መንግስትታት ፍታሕ እዩ" ኢሉ።

"ሓደ ካብቲ መሰረታዊ መትከላት [ብወገን ፍልስጤም] ፡ ምብራቕ የሩሳሌም ርእሲ ከተማ ናይ መጻኢት ሃገረ ፍልስጤም ክትከውን ዝብል እዩ ።"

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ዝመርሖ መንግስቲ እስራኤል ግና ፡ የሩሳሌም "ዘይትከፋፈል ርእሰ ከተማ እስራኤል " እያ ይብል።
Prime Minister Benjamin Netanyahu and his government maintain that Jerusalem is “Israel’s undivided capital".
Prime Minister Benjamin Netanyahu and his government maintain that Jerusalem is “Israel’s undivided capital". Source: AAP
ፕሮፌሰር ናሳር ፡ "ብ1980 እስራኤል ንኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ፡ ንምብራቕ የሩሳሌም ናብ ግዝኣታ ሓዊሳቶ" ይብል።

"በዚ ከምዚ ድማ ፡ ኣመሪካ ነቲ ናታንያሁ መትከል ብንጹር ሸግዒ ሒዛ ፡ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ርእሰ ከተማ ዘለዋ ሃገረ ፍልስጤም ክትህሉ ዘለዋ ተስፋ ዘቑርጽ ኮይኑ።"

ይኹን እምበር ፡ የሩሳሌምን ኩነታታን ጥራይ ኣይኮነን እቲ ዕንቅፋት በባህላ ዶክተር ሜሮም ፡ ብዘይካ ሓማስ ፡ ዳርጋ ኵሎም ኣብቲ ጉዳይ ተዋሳእቲ ብክልሰ-ሓሳብ ናይ ክልተ መንግስቲ ፍታሕ ዝቕበሉ'ዮም።

ካልእ ዓበይቲ ዕንቅፋታት ድማ ፡ እቲ ዶብ ብልክዕ ኣበይ ከም ዝርከብ ፡ ዕድል እቶም ስደተኛታት ፍልስጤማውያን (መሰል ምምላስ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ) ፡ ከምኡውን ሕቶ እቲ ኣብ ኽላተ-ሃገር ፍልስጤም ዝርከብ ሰፈራታት ኣይሁድ ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣይሁድ እስራኤላውያን ኣብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መብዛሕትኡ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ኢሎም ዚቘጽርዎ ኣባይቲ ሃኒጾም ኣለዉ ።

ፕሮፌሰር ሃሳር ፡ ፍልስጤማውያን "ማዕረ መሰል ናጽነትን ክብርን" ክሳዕ ዝረኽቡ ፡ ሰላም ክህሉ ከም ዘይክእል ገለጹ።

መጻኢ እንታይ'ዩ ክኸውን?

ፖለቲካ እስራኤል ተወሳኺ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ዶር ሜሮም ከምዝብሎ፡ እቲ ብዛዕባ ብልሽውናን ጉቦ ምሃብን ዝግበር መርመራ ፡ብስነ-ሓሳብ ነቲ ምቛም ሃገረ-ፍልስጤም ዝጻረርዩ ፡ ብኣረኣእያ ዶ/ር ሜሮም ከኣ ፡ እቲ ኣብ የማናይ ክንፊ ዘሎ ፖለቲካ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ፍልስጢኤም ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ድርድር ዝጻረር እዩ።

ሚስተር ናታንያሁ ኣብ ሓሙሽተ ምርጫታት ተዓዊቱ እዩ ፣ ንሱ ኣብ ብልሽውና ከም ዘሎ እኳ እንተ ተረጋገጸ ፡ ሕጂ ግና ብብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ኣለዎ ።
Palestinian protesters clash with Israeli troops in May.
Palestinian protesters clash with Israeli troops in May. Source: Getty
ኣብ መጻኢ ሰላም ብዛዕባ ክርከብ ዘሎ ተስፋ : ኣብዚ ሓጺር እዋን ክሳብ ማእከላይ እዋን ተስፋ ዘውህብ ኩነታት የለን ።

ሰራዊት እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤምን ኣብ ክሊ ጋዛ ፡ ካብ 2008 ኣትሒዞም ሰለስተ ውግእ ኣካዪዶም እዮም ፣ ራብዓይ ውግእ ከይክሰት ተሰጊኡ ኣሎ ።

ልኡኽ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኒኮላይ ምላደኖቭ ፡ ኣብ ግንቦት 2019 ፡ "ሓደጋ ውግእ ከዘይተርፍ'ዩ" ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ ።

"ኵሉ ሰብ ኣመና ሰጊኡ ኣሎ ፣ ኵሉ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ተነቃፊ እዩ ዘሎ" ድማ በለ ።

ሓደጋ ውግእ ዘይተርፍ'ዩ

ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላይ ምላደኖቭ

ዶር መሮም ከምዝእምቶ፡ ድሕሪ ና ዓመታት ዉግእን ካብ ክልቲኦም ወገናት ሰባት ምስጠፉን ብፍላይ ድማ ብብዝሒ ፍልስጤማዊያን ምስሞቱ፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎም እናጠፍኡ ፡ እቶም ሕሉፋት ኣብ ባይታ እናዓንተሩን መጺኦም ኣለዉ።

"ኣይሁዳውያን ሰፋሮን ሓማስን ክልቲኦም 'ኩሉ ነገር ናተይ እዩ" ይብሉ ኣለዉ።


Share

Published

Source: SBS News

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service