SKIP TO MAIN CONTENT

ቅትለት ሃጫሉ መርኣያ ኢትዮጵያ ዘላቶ ኩነታት።

ገለ ተንተንቲውን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊታት ከም ግብጺን ህወሓት ንሞት ሃጫሉ ተሓተቲ ጌሮም ብምውሳድ፡ ብፍላይ ግብጺን እቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዉድብ ህወሓት ናይዚ ሕንፍሽፍሽ ተጠቀምቲ እዮም ክኾኑ ክብሉ ይስምዑ።

Feature
Source: Ethiopia

4 min read

Published


Skip to article content

እቲ ፍሉጥ ወዲ ኦሮሞ ስነ ጥበበኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዕግርግርን ቅትለትን ይፍጸም ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታታት የመልክቱ። ኣብ ሃረር ዝርከብ ናይ ራስ መኮንን ሓወልቲ ፈሪሱ፡ ኣብ ሻሸመኔ ዝርከብ ናይ ሃይሌ ገብረስላሴ ትካል ዓንዩ፡ ናይ ወረዳ ግያንት ኣማሓዳሪ ዝነበረ ታረቀ ዮሴፍ ብጥይት ተቐቲሉን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣትሒዝካ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ቅትለትን ዕግርግርን ተኸሲቱ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታታት የመልክት ኣሎ። “ብርክት ዝበሉ ብጥይት ዝተቐትሉ ናብቲ ሆስፒታል መጺኦም፡ ዛጊት ሰለስተ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።” ብምባል ቢቢሲ ምንጭታት ጠቒሱ ጸብጺቡ ኣሎ። እቲ ዜና ወሲኹ፡ ኣብ ከተማ ጭሮ  ተቓውሞ ካብ ዘስምዑ ዝነበሩ ክልተ ብጥይት ከምዝተቐትሉ መንግስታዊ ህንጻታት ከምዝተቓጸሉ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ሃጫሉ ምስተቐትለ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣትሒዝካ ዝበዝሑ ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ፍሉጣት ሰባትን ብኡ ንብኡ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ምስዳዶም፡ ቅትለት እቲ ፍሉጥ ኣርቲስት ዘስዕቦ ዘይምርግጋእ ብዓንተቦኡ ዝተፈለጦም እዮም ዝመስሉ። ቀታሊ ሃጫሉ ገና ይምርመር ከምዘሎ እንተተገልጸ እኳ ካብ ሰብ መዚን ፖለቲከኛታትን ቅትለቱ ምስዝተፈላለዩ ወገናት እናተሓሓዙ ይዛረቡ ኣለው።

ድሕሪ ዉሑድ ሰዓታት ሬሳ ናይ ሃጫሉ ብኣሻሓት ህዝቢ ተዓጂቡ ናብ ትውልዲ ዓዱ ናብ ከተማ ኣምቦ ከምርሕ ምስጀመረ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኦሮሞ ኣቶ ጆሃር መሓመድ ዝርከብዎም እቲ ሬሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ክቕበር ዘለዎ ምስተባህለ፡ ሬሳ መዋቲ ኣበይ ይቀበር? ብዝብል ዝተላዕለ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ መወዳእታ ኣቶ ጆዋር፡ ኣቶ በገለ ገርባን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡ እቲ ብጀዋር ዝምራሕ ናይ OMN መዲያ ክዕጾን ገለ ኣባላቱ ክእሰሩ ከምተገብረን ተጸብጺቡ።  

ሬሳ ሃጫሉ ብሓይልታት ጸጥታ ብሄሊኮፕተር፡ ናብ ጥቓ ከተማ ኣምቦ ዝርከብ 'ሆሚቾ አሙኔሽን ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ' ከምተወስደ ግና ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ ክልል ኦሮሚያ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ሽመልስ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ኦሮምያ ቀሪቡ፡ “እቲ ሬሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ዝተገብረ ካብ ድሌት ስድራ ናይቲ መዋቲ ወጻኢ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ሬሳ ኣርቲስት ሃጫሉ ገና ኣብ መሬት ከይተቐብረ ብዙሕ ማዕበል የልዕል ኣሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢንተርነት ተዓጽዩ እንተሎኳ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ተንተንትን ግና ኣብ ክልተ ጫፋት ረጊጾም እቲ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ገጽ ናይ ኢትዮጵያ የንበድብድዎ ኣለዉ።

OMN ሎሚ ብሳተላይት ኣብዘመሓላለፎ ናይ ትንተና መደብ፡ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ዲፕሎማት ዝነበረ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ዶ/ር ብርሃነ መስቀልን ዳኒኤል ኣጀማን ዝተባህሉ ሞት ሃጫሉን ዘስዕቦ ኩነታት ኣብዝተንተንሉ እዋን፡ ፈለማ መንግስቲ ስድራቤት ሃጫሉ ዘይጠለብዎ ሬሳኡ ኣብ ዓዱ ክቕበር ዝብል ናይ መንግስቲ ዝተፈብረኸ ሓሶት ኣብ መንጎ ህዝቢን በዓል ጆዋርን ኮነ ኢልካ ንምፍልላይ ዝተገብረ ሸርሒዩ” ብምባል፡ ሃጫሉ ሃገራዊ ጀግና ብምዃኑ ሬሳኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክቕበር ኣለዎ ይብሉ። ወሲኾም፡ “ጥላሁን ኣምሓርኛ ስለዝደረፈሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝቕበር ጌሮሞ፡ መለስ ዜናዊ ዓድዋ ዝበሃል ዓዲ ከለዎ ጀግና ተባሂሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቢሩ፡ ሃጫሉውን ናይ ኦሮሞ ጀግና ስለዝኾነ ብኽብሪ ክቕበር ኣለዎ” ብምባል ይምጉቱ።

Feature
Source: Hachalu

በቲ ኻልእ ሸነኽ ፖለቲካ ኤርሚያስ ለገሰ ኣብ ኢትዮ360 ቀሪቡ “ሞት ሃጫላ ኣብ ነንሕድሕድ መበላልዒ ጉዳይ እዩ ብምባል፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ኦሮሞ ዘሎ ናይ ስልጣን ናይ ኣነ በልጽ ኣነ፡ ናይ ሃይማኖት ሽፋንን ዓሌትነትን ዘሎ ጉጅለታት ዝበላልዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ” ብምባል እቶም ነቲ ስልጣን ኣብ ኢድና ሒዝናዮ ኣለና ዝብሉ ምርኡያት ኦሮሞ ዝበላልዕሉ እዋንዩ ብምባል ይትንትኖ። ተሓተቲ ናይቲ ቅትለት ድማ ካብዞም ተጎጃጂሎም ዘለዉ ናይ ኦሮሞ ፖለቲከኛታት ኮይኖም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተቐትለ ጆርጅ ፍሎይድን ዝሰዓበ ናይ ሓወልቲ ምፍራስን ናዕቢ መፍጠሪ መሳርሒ ጌሮሞ ኣለዉ ብምባል ይትንትኖ።

ገለ ተንተንቲውን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊታት ከም ግብጺን ህወሓት ንሞት ሃጫሉ ተሓተቲ ጌሮም ብምውሳድ፡ ብፍላይ ግብጺን እቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዉድብ ህወሓት ናይዚ ሕንፍሽፍሽ ተጠቀምቲ እዮም ክኾኑ ክብሉ ይስምዑ። ነዚ ከም ኣብነት ጌሮም ዝቖጽርዎ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ መዲያ ሃውስ ከም በዓል ፕሮፌሰር ህስቄል ጋቢሳን ካልኦትን እናቐረቡ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ሓዊ ወሊዖም ከንበድብዱ ይውዕሉ ኣለዉ ብምባል ዝኸሱ ኣይተሳእኑን። እታ ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ትርከብ ግብጺ’ውን ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዕብል ዘሎ ዘይምርግጋእ ተረባሒት ምዃና ዘመልክት ብዙሓት ግብጻዊያን ጸሓፍቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እናወጹ ነቲ ኩነታት የንበድብድዎ ከምዘለዉ ይግለጽ። ገለ ካብኣቶም ፕሮፌሰር ዓደል ኢል ኣዳወይ ዝተባህለ ግብጻዊ ኣብ ትዊተር ካብ ዝጸሓፎ፥ “ኣብ ኢትዮጵያ ዕግርግር ተጀሚሩ፡ ኢንተርኔት ተዓጽዩ ኣሎ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልክዎ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ነገር ርጉእ ኣይኮነን።” ክብል ገሊጹ።

Feature
Source: Twitter

በዚ ኾይኑ በቲ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ዝርከቡ ዓሰርተታት ብሄራት ናይ ክልል ሕቶ ኣልዒሎም ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝተፈጣጥሉ፡ ህወሓት ኣብ ትግራይ ብዘይ ኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ “ምርጫ ክገብር’የ፡ ዝኽልክለኒ ድማ ክርእዮ እየ” ዝብለሉ፡ እቲ ከም “በዓል ተራ” ስልጣን ሒዙ ተባሂሉ ዝግለጽ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ሒዙ ዘሎ ኦሮሞ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጨወሉ ዘሎ እዋን፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተፋጠጥ ዘላትሉ ኩነታት፡ ኮሮና ቫይረስ መዓልታዊ ኣብ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ኣብዘለወሉ እዋን፡ ንስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝፈታተን እዋንን ኢትዮጵያ ፋሕፋሕ ከይትብልን ኣብስግኣት ዝወደቐሉ ኩነታት ምዃኑ ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለው። እምበኣር ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ስግኣት ኮይኑ ሳዕቤን ናይዚ ድማ ድሮ ክርአ ጀሚሩ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now