ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ልኡኻት ኣብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል ሃኒጻቶ ዘላ ዓብዪ ግድብ ዝምልከት ኣብ ኪንሻሳ ዝተገብረ ዘተ ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ።
እቲ ኣብ ኪንሻሳ ፡ ዲ.ሪ.ኮንጎ እተገብረ ዘተ ብዘይፍረ ከምተዛዘመ፡ ድሕሪቲ ኣኼባ ምዝዛሞም ዝወጸ ሓባራዊ ስምምዕ ፡ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብዘው ኦ መግለጺ ፡ እቲ ዝርርብ ዝፈሸለ ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብሱዳና ኣህጉራውያን ሸምገልቲ ኣብቲ ዝርርብ ከሳትፍ ዘቕረበቶ እማመ ድሕሪ ምንጻጋ እዩ ኢሉ።
ኣፈኛ ኣሕመድ ሃፈዝ ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ፣ ሕብረት ኣውሮፓ ፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ነቲ ድርድር ኣብ ምክትታል ግደኦም ክገብሩ ኣለዎም ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "እዚ ኩነታት ዘመልክቶ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ድሌት ከም ዘይብላን ንኽትደራደር ድልውቲ ከምዘይኮነት ዘርኢ እዩ" ኢሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ዝወሰደቶ በይናዊ ስጉምቲ ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረር ምዃኑ ዘርእይ እዩ ኢሉ ።
ማሪያም ኣል-ሳዲቕ ኣል-ማህዲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ "ሓድሽ ዘተ እንተ ዘይተገይሩ ፡ ኢትዮጵያ ንዅሎም ህዝብታት እቲ ዞባ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኸተእትዎም ትኽእል እያ" ኢላ።
ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብኡንብኡ ርእይቶ ኣይሃቡን ።
እቲ 6,500 ሜጋ ዋት ጸዓት ከፍሪ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ እዩ ፡ እዚ ናይ መጀመርታ እምኒ ኣብ ሚያዝያ 2011 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሓያል ውጥረት ክፈጥር ጸኒሑ እዩ ።
ኢትዮጵያ ከምዝበለቶ ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለኣን ናይ ን 110 ሚልዮን ህዝባን ሓይሊ ዘመንጩ እዩ ኢሉ ።
እንተኾነ ግብጺ እቲ ግድብ ነቲ ናይል ማይ ከይጥቀመሉ ዝግድብ ምዃኑ ትፈርሕ ፡ ሱዳን ድማ እቲ ግድብ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓጽቢታትን መደበራት ማይን ኣቢሉ ኸይውሕዝ ትሻቐል ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ፡ ቀረብ ማይ ግብጺ በቲ ግድብ እንተ ተጸልዩ ፡ "ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ክፍጠር እዩ።" ክብል ገሊጹ ነይሩ ።