ክልቲኦም ኤምባሲታት ኣኣብ ገጻቶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ዝኾኑ ብራድ ሸርማን ኤርትራ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ እንተደኣ ወደባታ ትዓጹ ኮይና መንግስቲ ኣሜሪካ ንንግዳዊ ንጥፈታት ባሕራ ክኾልፎ ከም ዝኽእሉ ድሕሪ ምዝራቦም ዝሰዓበ እዩ።
ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ዝኾኑ ብራድ ሸርማን ኣብ ጉዳይ ኩናት ትግራይ ክመያየጥ ኣብ ዝተከበ ፍሉይ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ኤርትራ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ፍቓደኛ ብዛዕባ ምዃና መብርሂ ክወሃቦም ሓቲቶም ነይሮም።
ኣብቲ ሕቶ ተደሪኸን መብርሂ ዝሃባ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ሞሊ ፊ፡ ብወገነን ርክብ ኣመሪካን ኤርትራን ዝሓርፈፈ ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር ኤርትራ ወደባታ መሕለፊ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት ክኸውን ትፈቕደሉ ዕድል ጸቢብ ከም ዝኸውን ተዛሪበን።
ብራድ ሸርማን: ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ኤርትራ መገዲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ትኽልክል እንተደኣ ኮይና መንግስቲ ኣሜሪካ ንንግዳዊ መስመር ኤርትራ ክዓጹ ፀዊዖም ነይሮም’ዮም።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ: ኣብዚ ጉዳይ ተደሪኹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፤ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ብመረዳእታ ዘይተደገፈ" ኤርትራ ወደባታ ንቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዓጽያ" ዝብል ክሲ ከም ዘቕረቡ ብምግላጽ ፤ ሃገሩ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ረድኤት ዓጽያ ከም ዘይትፈልጥ ሓቢሩ።
ኣስዒቡ ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መስመራት ንግዲ ባሕሪ ኤርትራ ስጉምቲ ክወስድ ንዝጠልብ ርእይቶ እቶም ኣባል ባይቶ ዘሰምብድ ሓሳብ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
ናብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ዝሕግዙ መስመራት ምስ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ የብሎምን ዝበለ እቲ መግለጺ ፤ ኤርትራ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ዝሕግዙ ዓለምለኻዊ ሕግታት ኣኽቢራ ንተግባራውነቶም ክትሰርሕ ከም ዝጸንሐት ኣብ እዋን ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን እንከይተረፈ ንልዕሊ 14 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብወደባት ዓሰብ ምጽዋዕን ረድኤት ክኣቱ ፈቒዳ ከም ዝነበረት ኣዘኻኺሩ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ግን: ኤርትራ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ኣይከልከለትን ንዝብል መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ ነጺጉዎ ኣሎ።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ መግጺኡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ከልኪሎሞ ኢሉ። ብጀካ እዚ ምዕማጽ ደቂኣንስትዮ፣ ምቕታል ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ዝርከቡዎም ገበናት ርግጸት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዓቃቢ ሕጊን ኢትዮጵያ ዝርከቡዎም ኣካላት ተሰኒዱ ከም ዝርከብ ኣረዲኡ።
ግጉይ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ይዘርግ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ፤ ኤርትራ ሰራዊት ብህጹጽን ንሓዋሩን ካብ ኢትዮጵያ ክተውጽእ ኣሜሪካ ትጽውዕ ኢሉ።