SKIP TO MAIN CONTENT

"ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።" ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም

መራሕቲ ዓለምን ትካላት ረዲኤትን ፡ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኸይዓርግ ዘስግእ ብምዃኑ ፡ ነቲ ቅልውላው ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሉ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።

The WHO’s Director-General Tedros Ghrebreyesus
The WHO’s Director-General Tedros Ghrebreyesus Source: WHO

3 min read

Published


Skip to article content

በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጓሃሂሩ ዝርከብ ግጭት ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት "ብጥሜት ይሞቱ ኣለው ፡ ኣገልግሎታት ጥዕና ዓንዩ  ኩነታት "ኣስካሕካሒ" ዩ ዘሎ ፡ ።

"ኣብ ትግራይ/ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንኽገልጾ ፡ ሓንቲ ቃል እንተ ተጠቒመ ፡ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ" ክብል ጀነራል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ  ተዛሪቡ።

 

እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዓብላሊ ዝነበረ ህወሓት ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሰራዊት ናብ ትግራይ ልኢኹ እቲ ኲናት ቀጺሉ ፡

 እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ድማ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ካብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝመጹ ወተሃደራትን ናይ ጃምላዊ ህልቂትን ግፍዕን ክሲ ተመስሪቱሉ ኣሎ ።

 ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ፡ ብፍላይ ከኣ ረድኤት ምግቢ ከም ዘድልዮም ዶ/ር ቴድሮስ ሓቢሩ እዩ ።

 "ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ክሞቱ ጀሚሮም ኣለዉ: ከቢድን ዓጸቦ ምግቢን ድማ የስፋሕፍሕ ኣሎ" ኢሉ ።

 ኣብ ርእሲ እዚ: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም: ልዕሊ 60,000 ዝዀኑ ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም ።

 ኣብርእሲዚ ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኣገልግሎት ጥዕና ተዘሪፉን ዓንዩን እዩ ፣ "መብዛሕትኦም ኣይሰርሑን እዮም" ክብል ድማ ገሊጹ ።

ብዘይካዚ ፡ እቲ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ብ ኣልማማ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ማእከል'ቲ ግጭት ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ ዀኒኑ።

 "ጾታዊ ዓመጽ ኣስፋሕፊሑ እዩ ። ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ከምዚ ዓይነት መጠን ዓመጽ ዝተፈጸመ ኣይመስለንን።"

 ዶ/ር ቴድሮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ዘሎ ኩነታት ኮቪድ-19 ተሓቲቱ ፡ ናብቲ ሕማም ዝምለስ ዝኾነ ኣገልግሎት ከምዘየለ ፡ እንተኾነ ነቲ ካልእ ቅልውላው ቀዳምነት ከምዘይወሃቦ ገሊጹ ።

 

"መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ፡ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ጕዳያት ስለ ዘሎ ፡ ሓቂ ንምዝራብ ብዛዕባ ኮቪድ ክንመምይያጥ ኣይንኽእልን ኢና ።"

 

ሓደ ካብቲ ብህጹጽ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ፡ ንሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይን ንረድኤትን ምሉእ ሓገዝ ክገብሩ ምፍቃድ'ዩ ።

 

መራሕቲ ዓለምን ትካላት ረዲኤትን ፡ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኸይዓርግ ዘስግእ ብምዃኑ ፡ ነቲ ቅልውላው ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሉ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።

 

ዓርቢ ፡ ኤውሮጳዊ ኅብረት ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ምዕጋት ረድኤት ፡ "ሰብኣዊ ረድኤት ከም ኣጽዋር ውግእ" ገይሩ ዀኒንዎ እዩ።

 

ናይ ህጹጽ እዋን ጉዳያት ዳይረክተር ዝኾነ ሚካኤል ራያን ሰኑይ "ኣብ ትግራይ ግዳያት ንምርካብ ኣዚዩ ኣጸጋሚዩ ዘሎ" ክብል ኣጠንቂቑ ።

 

መብዛሕትኡ መደበራት ጥዕና ስለ ዝዓነወ ፡ ሕማም ሸሮኽ ፡ ንፍዮን ካልእ ምልባዕ ሕማማትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ፡ ትካል ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now