በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጓሃሂሩ ዝርከብ ግጭት ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ሰባት "ብጥሜት ይሞቱ ኣለው ፡ ኣገልግሎታት ጥዕና ዓንዩ ኩነታት "ኣስካሕካሒ" ዩ ዘሎ ፡ ።
"ኣብ ትግራይ/ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንኽገልጾ ፡ ሓንቲ ቃል እንተ ተጠቒመ ፡ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ" ክብል ጀነራል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዓብላሊ ዝነበረ ህወሓት ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሕዳር ሰራዊት ናብ ትግራይ ልኢኹ እቲ ኲናት ቀጺሉ ፡
እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ድማ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ካብ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝመጹ ወተሃደራትን ናይ ጃምላዊ ህልቂትን ግፍዕን ክሲ ተመስሪቱሉ ኣሎ ።
ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ፡ ብፍላይ ከኣ ረድኤት ምግቢ ከም ዘድልዮም ዶ/ር ቴድሮስ ሓቢሩ እዩ ።
"ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ክሞቱ ጀሚሮም ኣለዉ: ከቢድን ዓጸቦ ምግቢን ድማ የስፋሕፍሕ ኣሎ" ኢሉ ።
ኣብ ርእሲ እዚ: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም: ልዕሊ 60,000 ዝዀኑ ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም እዮም ።
ኣብርእሲዚ ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኣገልግሎት ጥዕና ተዘሪፉን ዓንዩን እዩ ፣ "መብዛሕትኦም ኣይሰርሑን እዮም" ክብል ድማ ገሊጹ ።
ብዘይካዚ ፡ እቲ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ብ ኣልማማ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ማእከል'ቲ ግጭት ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ ዀኒኑ።
"ጾታዊ ዓመጽ ኣስፋሕፊሑ እዩ ። ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ከምዚ ዓይነት መጠን ዓመጽ ዝተፈጸመ ኣይመስለንን።"
ዶ/ር ቴድሮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ዘሎ ኩነታት ኮቪድ-19 ተሓቲቱ ፡ ናብቲ ሕማም ዝምለስ ዝኾነ ኣገልግሎት ከምዘየለ ፡ እንተኾነ ነቲ ካልእ ቅልውላው ቀዳምነት ከምዘይወሃቦ ገሊጹ ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ፡ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ጕዳያት ስለ ዘሎ ፡ ሓቂ ንምዝራብ ብዛዕባ ኮቪድ ክንመምይያጥ ኣይንኽእልን ኢና ።"
ሓደ ካብቲ ብህጹጽ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ፡ ንሰራሕተኛታት ገበርቲ ሰናይን ንረድኤትን ምሉእ ሓገዝ ክገብሩ ምፍቃድ'ዩ ።
መራሕቲ ዓለምን ትካላት ረዲኤትን ፡ እቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኸይዓርግ ዘስግእ ብምዃኑ ፡ ነቲ ቅልውላው ኣንጸላልዩዎ ዘሎ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሉ ብተደጋጋሚ ይጽውዑ ኣለዉ።
ዓርቢ ፡ ኤውሮጳዊ ኅብረት ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ምዕጋት ረድኤት ፡ "ሰብኣዊ ረድኤት ከም ኣጽዋር ውግእ" ገይሩ ዀኒንዎ እዩ።
ናይ ህጹጽ እዋን ጉዳያት ዳይረክተር ዝኾነ ሚካኤል ራያን ሰኑይ "ኣብ ትግራይ ግዳያት ንምርካብ ኣዚዩ ኣጸጋሚዩ ዘሎ" ክብል ኣጠንቂቑ ።
መብዛሕትኡ መደበራት ጥዕና ስለ ዝዓነወ ፡ ሕማም ሸሮኽ ፡ ንፍዮን ካልእ ምልባዕ ሕማማትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ፡ ትካል ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ ።