Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

እዚ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓድሽ ቁጠባ ኩዕሶ እግሪ ደገፍቲ እንታይ ዋጋ ከምዘለዎም እናፈለጠ ይመጽእ ኣሎ።

ገለ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ብሰንኪ’ቲ ገለ ተንተንቲ ኣካል ናይ’ቲ ሰፊሕ ለውጢ ኣብ ስፖርታዊ ባህሊ ዝበልዎ ክብሪ ዋጋ ካብ’ቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ክእለዩ ተገዲዶም ኣለዉ።

One man is wearing an australia football jersey, a woman is wearing a blue top and a commentator is wearing headphones with a stadium in the background
The 2026 FIFA World Cup — hosted across the United States, Canada and Mexico — is the first men's World Cup to introduce dynamic pricing, where ticket prices fluctuate based on demand. Source: Getty / Caroline Huang

ንወይድ፣ ልክዕ ከም ካልኦት ደገፍቲ ‘ጸወታ ዓለም’ ኢሉ ዝጽውዖ ኩዕሶ እግሪ ኩሉ ግዜ ዓቢይ ክፋል ናይ ህይወቱ’ዩ። 

ኣብ 2022፣ እዚ ወዲ 52 ዓመት ናብ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ከይዱ። እቲ ሃዋህው ኣብ ዙርያ’ቲ ውራይ ቅድሚኡ ርእይዎ ዘይፈልጥ ኔሩ ኢሉ።

"ኣብ’ቲ ለይቲ ፍጹም ጓና ዝኾኑ ሰባት ሓቚፎምኒ. . . ንሱ’ዩ’ቲ መልክዕ ናይ’ቲ ጸወታ፣” ክብል ንመደብ ዘ ፊድ ናይ ኤስቢኤስ ሓቢሩ።

ስለ’ዚ ኣውስትራልያ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ምስ ሓለፈት፣ ወይድ ኣብ ግዜ’ቲ ውራይ ዘዕርፈሉ ናይ ኣርባዕተ ሰሙናት ዕረፍቲ ካብ ስራሕ ወሲዱ። ቀዳማይ ምድባዊ ግጥም ኣውስትራልያ ኣንጻር ቱርኪየ ንምዕዛብ ኢሉ ምስ ወዱ ናብ ቫንኩቨር ክጓዓዝ ተስፋ ገይሩ።

“ወደይ እቲ ምሕዝነት ኣብ መንጎ ሰባት ከስተማቕሮ ደልየዮ፣” ከኣ ኢሉ።

እንተኾነ ግን ወይድ፣ ካብ ሲድኒ፣ ሓንቲ ቲኬት ናብ’ቲ ግጥም ልዕሊ $600 ምስ ከደት፣ ዋጋ ቲኬት ልዕሊ ዓቕሙ ከም ዝኸደ ቀልጢፉ ተረዲእዎ።

"እዚ ዝፍጸም ዘሎ ምዝመዛ መኽሰብ ዘይእመን’ዩ።" ኢሉ።

"እቶም ዋጋታት ካብ’ቲ ክውዝዑ’ንከለዉ ዝነበሮም ዋጋ ሓሙሽተ ዕጽፊ ኔሮም. . . ግን እቲ ገንዘብ፣ በቃ ዝግበኦ ኣይኮነን።”

A man wearing a gold Australia football shirt is posing in front of a car
ወይድ፣ ዋንጫ ዓለም 2022 ክዕዘብ ናብ ቐጠር ከይዱ እንተነበረ'ኳ ሕጂ ግን ብሰንኪ ክብሪ ዋጋ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ከይከይድ ተኸልኪለ ይብል። Source: Supplied

ኣብ ክንድኡ ንሱ ገንዘቡ ኣብ ፊጂ ከይዱ ክዛወረሉ ይደሊ።

እዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ብሓባር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026፣ ካብ 32 ጋንታታትን 64 ግጥማትን ናብ 48 ጋንታታትን 104 ግጥማትን ክሰፍሕ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዋንጫ ዓለም ደቂተባዕትዮ ክኸውን’ዩ።

እዚ ብተወሳኺ ነቲ ዋጋ ቲኬታት ከከም ጠለብ ዝትመንሉ ወይ ዝቀያየርሉ ‘ዳይናሚክ ፕራሲንግ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘተኣታተወ ናይ ፈለማ ዋንጫ ዓለም ደቂተባዕትዮ ኮይኑ። እዚ ድማ ሓደ ካብ’ቶም ዋጋታት ቲኬት ዝጸልዉ ቀንዲ ረቛሒታት’ዩ።

ብጠለብን ቀረብን ተወሲኑ ዝሽየጥ ቲኬት (dynamic pricing) ዘስዕቦ ክሳራ

ቲኬታት ዋንጫ ዓለም 2026 ካብ’ቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ቲኬታት ዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ዝያዳ ኣዝዮም ዝኸበሩ’ዮም፣ ገሊኦም ቲኬታት ንግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ብልዕሊ 500% ወሲኾም። መርበብ ሓበሬታ ዘ ጋርዲያን ዝሓለፈ ሚያዝያ ከምዝጸብጸቦ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ዋጋ ንፍጻመ ግጥም 2026 ከባቢ $15,300 ተባሂሉ ተጻሒፉ፣ ንፍጻመ ግጥም 2022 ግን እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ዋጋ ከባቢ $2200 ጥራይ ኔሩ።

ኣሶስየትድ ፕረስ ኤፒ ኒውስ ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝጸብጸቦ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ዋጋ መግዝኢ ቲኬት ንፍጻመ ግጥም “ኣቲ ዝበለጸ ዝርካቡ ቲኬት” ዝብሎ ናብ ጥቓ $46000 ወሲኹ።

ክሳብ ወርሒ ሰነ፣ እቲ ዝሓሰረ ቲኬት ንምዕዛብ ግጥም ኣውስትራልያ ኣንጻር ቱርኪየ $529’ዩ ዋግኡ፣ ግጥም ኣውስትራልያ ኣንጻር ዩኤስኤ ድማ ልዕሊ $1000 በጺሑ’ሎ። ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022, ብመሰረት ትመና ዋጋታት ፊፋ፣ ንምድባዊ ግጥማት ኣውስትራልያ ንምዕዛብ እቶም ቲኬታት ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ $100 ክሳብ $320 ጥራይ ምኾኑ ኔሮም።

እንተኾነ ግን፣ እቲ ውራይ ብቕልጡፍ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ፣ ዋጋታት ክቀያየሩ ትጽቢት ይግበረሎም -- ዋጋታት ቲኬት ንገለ ግጥማት ድሮ ክጎድሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝኾነ ፊፋ ንመደብ ዘ ፊድ ከምዝሓበሮ እቲ ወሰኽ ንቀረብን ጠለብን፣ ስፖርት ሰሜን ኣሜሪካን ዕዳጋ ምዝንጋዕን ዘንጸባርቕ’ዩ ኢሉ። ፊፋ ብተወሳኺ እቲ ካብ’ቲ ውራይ ዝተረኽበ ገንዘብ ናብ ምዕባለ ስፖርት መላእ ዓለም ዳግማይ ክዋፈር’ዩ ኢሉ።

ኩሉ ሸፈነ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ኣብ'ቲ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተመደበ ገጽ ዋንጫ ዓለም (World Cup page)

ከመይ ገይርኩም ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ኣብ SBS ትዕዘቡ

ኩሎም 104 ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2026 ኣብ'ቲ ከምዝደለኹሞ ትኸፍትሉ መበገሲ ገጽ (On Demand hub) ተዓዘብዎም

ብመሰረት ዓመታዊ ጸብጻብ ፊፋ፣ ዋንጫ ዓለም 2022 ከባቢ $955 ሚልዮን ዶላር ካብ መሸጣታት ልዕሊ 3.18 ሚልዮን ዝኾኑ ቲኬታት መኽሰብ ፈጢሩ፣ ናብ’ቲ ክብረወሰን ዝኾነ $8.7 ቢልዮን ካብ ምስ ዋንጫ ዓለም ዝተኣሳሰሩ መኽሰባት ዝተረኽቡ ኣበርክቶ ገይሩ።

ንዋንጫ ዓለም 2022 ተኸቲሉ፣ ክፋል ናይ’ቲ ገንዘብ ንምምዕባል መደባት ኩዕሶ እግሪ ኣብ መላእ ዓለም ዝውዕል፣ ፊፋን ቐጠርን ሓደ ናይ $69 ሚልዮን ዶላር ማዕከን ገንዘብ “ሌጋሲ ፋንድ” ኣበጊሶም።

a gold-coloured statuette trophy on a plinth with lights behind it. Writing on the plinth reads FIFA World Cup 26 winner's trophy
ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026፣ ካብ 32 ጋንታታትን 64 ግጥማትን ናብ 48 ጋንታታትን 104 ግጥማትን ክሰፍሕ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዋንጫ ዓለም ደቂተባዕትዮ ክኸውን’ዩ። Source: Getty / John Nacion

እንተኾነ ግን ወሰኽ ዋጋታት ናብ ዋንጫ ዓለም ንምኻድ ሓደ ዝሰፍሐ ለውጢ ኣብ ባህሊ ኤሊት ኩዕሶ እግሪ የንጸባርቑ፣ ብመሰረት’ቲ ኣብ ዩከይ ዝመደበሩ ተንታኒ ኩዕሶ እግሪን ኣቕራቢ መደብ ኤስቢኤስ ነበርን ሳይመን ሂል።

"እዚ ኩዕሶ እግሪ ዝኸደሉ ኣንፈት’ዩ፣” ክብል ንዘ ፊድ ሓቢሩ።

"ኩዕሶ እግሪ ነተን ወርቃውያን ደራሁ ከይቀትለን ክጥንቀቕ ኣለዎ --- እዚኦም ማለት ድማ እቶም ደገፍቲ ማለት’ዩ።”

ለውጢ ኣብ ስፖርታዊ ባህሊ

ሂል ኩዕሶ እግሪ ካብ'ቲ ናይ ርሂጸ በላዕ መደብ መሰረቱ በብግዚኡ ክወጽእ/ክእለ ጸኒሑ'ዩ ኢሉ።

"ኣነ ክዓቢ'ንከለኹ. . . ኣብ ኣፍ ደገ መእተዊ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ 50 ወይ 80 ፐንስ ይኽፈሎ ኔሩ፡" ኢሉ።

ሕጂ ግን፡ ንእስ ዝበሉ ደገፍቲ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህያው ግጥም ኩዕሶ እግሪ ይዕጸዉ'ለዉ፡ ብምኽንያት መጠኑ ዝሓለፈ ክብሪ ዋጋ ቲኬታት ክብል ሂል ይገልጽ።

"ምሉእ ወለዶ ነቲ ጸወታ ዝፈትውዎ ንኣሽቱ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ኣለዉ፡ ግን ሰሙናዊ ክኸዱ ልምዲ ዘየማዕበሉ።" ኢሉ።

"ኣብ ክፍሊት ንቴሊቪዥን'ዮም ገንዘቦም ዘውፍርዎ፡ ሕስር ስለዝብለሎም ድማ ካብ ገዛ'ዮም ዝከታተልዎ።"

ሂል፡ ስታድየማት ንተራ ደገፍቲ በብግዚኡ ዘይልከፉ ወይ ዘይእተዉ ምስ ኮኑ ስፖርታዊ ሃዋህው እንታይ ክኾኑ'ዩ ሻቕሎት ኣለዎ።

"ምስ ኣቦይ ቅድሚ ክልተ ገለ ዓመታት ይገብር ናብ ሓደ ግጥም ከይደ፡ ኣብ'ቲ ንሕና ዝነበርናዮ ክፋል ናይ'ቲ ሜዳ ንሕና ጥራይ ኢና ደቂ ማንቸስተር (ማንቹኒያንስ) ኔርና።" ክብል ሂል ወሲኹ ሓቢሩ።

"እዚ ጥዕና ዘለዎ ኣይኮነን።"

እናደገፍዋ ንዝዓበዩ ጋንታ ከይዕዘቡዋ ንደቂከባቢ ዋጋ ኣኽቢርካ ተውጽኦም እንተሊኻ፡ ጸገም ኣለካ ማለት'ዩ።

ምቕያር ናብ ክቡር ዝኾነ (Premium) ተሞክሮ

ናይ'ዚ ዋንጫ ዓለም ሞዴል ወይ ኣገባብ ኣተማምና ዋጋታት ነቶም ሕጂ ንዝለዓለ ደረጃ ወይ ኤሊት ኩዕሶ እግሪ ዓብሊሎሞ ዘለዉ ንግዳዊ ቀዳምነታት ዘንጸባርቕ'ዩ፡ ብመሰረት ደራሲትን ክኢላ ምምሕዳር ስፖርትን ቦኒታ መርሲያደስ።

"ኣብ ሓደ ካብ'ቶም ዝዓበዩ ሽመትቲ ዕዳጋታት ኣብ ዓለም ኣብ ዘለኻሉ ፊፋ፡ መንገዲ ዳይናሚክ ፕራይሲን ምውሳዱ ዘገርም ኣይመስለንን።" ክትብል መርሲያደስ ንዘ ፊድ ሓቢራ።

"ገለ ክቡራት ዘይኮኑ ቲኬታት ኣለዉ፡ ግን እቲ ዝረኣኽዎ ኣሃዛት ከባቢ 1.6 % ቲኬታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ስታድየም ኣብ ከምኡ ዓይነት ቅቡላት መጠናት ዩኤስ $60 ከምዝኾኑ'ዩ።

"እቲ ካልእ ዝተረፈ ኩሉ ግን ምሉእ ብምሉእ ጠገለ ዘይብሉ'ዩ።

A large illuminated sign that reads FIFA, on the wall of a building
ፊፋ ንመደብ The Feed ከምዝሓበሮ እቲ ወሰኽ ዋጋታት ንቀረብን ጠለብን፣ ስፖርት ሰሜን ኣሜሪካን ዕዳጋታት ምዝንጋዕን ዘንጸባርቕ’ዩ ኢሉ።

መርሲያደስ ፊፋ ንዋንጫ ዓለም 2026 ከም ሓደ "ፍሉይ ተሞክሮ ዝህብ ውራይ፡" ኢሉ'ዩ ዘቕርቦ ዘሎ፡ ኣብ ዙርያ ተራ ደገፍቲ ዝተሃንጸ ውራይ ኣብ ክንዲ ዝኸውን።

"ክንድኡ ዝኸፍሉ ሰባት ኣለዉ. . . እዚ ግን ነቲ ስፖርት መጀመርትኡ ካብ ዝነበሮ ይምንጥሎ ወይ ይወስደሉ።"

መርሲያደስ ከም ኣካል ናይ'ቲ ጸገም፡ ነቲ ካብ 1970ታት ንንየው ኩዕሶ እግሪ ንዕቑዳት ዝጸንሐ ዝገበሮ ዝላ ወይ ለውጢ ናብ ንግዳዊ ውዕላትን ምወላታትን ተመልክት።

"እቲ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና እዚ ዓርሞሸሽ መኽሰባት ዝፈጥር ዓርሞሸሽ ትካል ንግዲ ወይ ቢዝነስ'ዩ፡" ክትብል መርሲያደስ ትሕብር።

'ዋንጫ ዓለም ካፒታሊዝም'

ሂል ህያው (ውዕዉዕ) ሃዋህው ኣብ ዙርያ ዓበይቲ ውራያት ኩዕሶ እግሪ'ውን ናብ ብልጭልጭን ምዝንጋዕን ገጹ ከይዱ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ'ቲ ቐጠር ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም 2022 ርኡይ ኔሩ ይብል።

"ቅድሚ ግጥማት ናይ 15፡ 20 ደቒቕ ምርኢት፡ ኩሉ ቀዲሙ ልምምድ ዝተገብረሉ. . . እቶም ደገፍቲ ከስምዕዎ ወይ ክገብርዎ ዝደልዩ ዝኾነ ድምጺ ዝዕብልል ወይ ዝውሕጥ ዘጽምም ድምጺ መራሕቲ መድረኽ ብመጉልሒ ድምጺ ይዝርግሑ ኔሮም።" ክብል ሂል ይገልጽ።

a group of football players are running on grass as they warm up
ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፣ እቲ ዝሓሰረ ቲኬት ንምዕዛብ ግጥም ኣውስትራልያ ኣንጻር ቱርኪየ $529 ኔሩ፣

እዚ ናይ 2026 ውራይ ኣብ ፍጻመ ግጥሙ፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ናይ ፈለማ ዝኾነ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ምርኢት ክህልዎ'ዩ።

ወይድ እቲ ስፖርት ካብ ቅድም መንነቱ ዝሃብዎ ሰባት ክስእኖም ኣብ ዝኽእለሉ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብል።

"ተራ ሰባት ድሕሪ ደጊም ቲኬት ክገዝኡ እንተዘይክኢሎም፡ እንታይ ማለት'ዩ፧" ኢሉ።

ስፖርት ብዘይደገፍቱ ዋላ ሓንቲ ኣይኮነን።

መደባቱ ን2026 ገዲፍዎም ክነሱ፡ ወይድ ሕኣደ መዓልቲ ካልእ ዋንጫ ዓለም ምስ ወዱ ኮይኑ ክኸይድ ተስፋ'ገብር ኢሉ።

"ንዝኾነ ግጥም ዋንጫ ዓለም ክዕዘብ ዕድል ዝረኸበ ሰብ ክጥቀሙሉ'የ ዘተባብዖም. . . ፈጺምኩም ኣይክትጠዓሱን ኢኹም።

እንተኾነ ግን ከም'ዚኦም ዓይነታት ተሞክሮታት ንተራ ደገፍቲ ክረኽብዎም እናኸበዱ ዝኸዱ ዘለዉ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።

"ዋንጫ ዓለም ካፒታሊዝም ኮይኑ'ዩ ዝስመዓካ።" ክብል ወይድ ይገልጽ።


6 min read

Published

By Matt Gazy

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now