SKIP TO MAIN CONTENT

' ካብቲ ዝጸንሐ እቲ ዝኸፍአ ' ፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ዕልቕልቕ ምስ ኣጋጠሞም ካብ መረበቶም ክግዕዙ ተነጊርዎም ።

ኣብ ምዕራብ ሲድኒ ፣ ደቡባዊ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ኣስጋኢ ዝኾነ ናይ ማይ ምዕልቕላቕ ዘስዓቦ ብርቱዕ ዝናብን ምፍሳስ ሓጽብታትን ከቢድ ናይ ማይ ምዕልቕላቕ ጸገም ኣብ NSW ኣጋጢሙ ኣሎ።

Hawksbury River泛濫令Windor有道路被淹沒。
Hawksbury River泛濫令Windor有道路被淹沒。 Source: AAP / BIANCA DE MARCHI

2 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ግሬት ሲድኒ ፡ እንተላይ ኣብ ሃውክስበሪ-ነፕያንን ኣብ ኢላዋራን ብርቱዕ ዝናም ዘስዓበ ዕልቕልቕ ፡ ልዕሊ 30,000 ሰባት ካብ ኣባይቶም ክወጹ ወይ ኽዳለዉ ከም ዘለዎም ኣብ NSW ተነጊርዎም ኣሎ ።

ቢሮ ሜትሮሎጂ ከም ዝሓበሮ ፡ እቲ ብርቱዕ ዝናም ሰኑይ ኣብ ኢልዋራ ፡ ብሉ ማውንቲአን ፡ ሲድኒ ሜትሮፖሊታን ገለ ክፋል ሃንተርን ማእከላይ ገማግም ባሕርን ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ከስዕብ ይኽእል እዩ ።

ናይ NSW ሱፐርንተንዳንት ኣሽሊ ሱሊቫን ኣስታት 32,000 ሰባት ካብቲ ቦታ ክወጹ ትእዛዝ ወይ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ ኢላ።

ድጋ ዋራጋምባ ካብቲ ብሰንበት እተጸበዮ ንላዕሊ ኣቐዲሙ ምፍሳስ ኣየቋረጸን ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ብኣማእታት ዝቝጸር ማያት ኣብ ልዕሊ እቲ ድሮ እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ሃውክስበሪን ወሓይዝ ናፓን ይውሕዝ ኣሎ ።

እቲ ወሓይዝ ፡ ኣብ ሰሜን ሪችሞንድ ፡ ዊንድሶር ፡ ዎላቺያን መናንግለን ካብ ዓበይቲ ውሒዝ ዝበልጽ እዩ ።


News
Source: Twitter

ኣገልግሎት ህጹጽ ኩነታት SES ኣብ ሓደ ለይቲ ሓገዝ ክወሃቦም ንዝሓተቱ ልዕሊ 400 ዝዀኑ ሰባት ምላሽ ሂቡ ፡ ኣስታት 20 ዝኸውን ካብ ማይ ስርሒት ኣድሕን ተጌሩ ፣ እቲ ቝጽሪ ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ ።

ዳርጋ 70 ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጹ ዝእዝዝ ትእዛዝ ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ከባቢ ሃውክስበሪ-ነፓን ፡ 66 ማሕበረሰብ ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ ይዳለዉ ኣለዉ ።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ፡ ኣብ ካርደን ዝነብሩ ሰባት ፡ ሎሚ ዓመት ንራብዓይ ግዜ ናይ ማይ ዕለቕልቕ ማይ ኣጋጢሙውም እዩ ።

ናይ ካምደን ቤት ምኽሪ ምክትል ከንቲባ ፖል ፋሮው ንስካይ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ተሃስዩን ደኺሙ እዩ ዘሎ ።

"እዚ ካብዝጸንሀ እቲ ዝኸፍአ እዩ" ድማ በለ ። "እቲ ሕብረተ ሰብ ግና ገና ንሓድሕዱ ይተሓጋገዝ እዩ ዘሎ ።"


Kifaa cha burudani chazungukwa na maji ya mafuriko katika kitongoji cha Camden, Kusini Magharibi Sydney, NSW.
An amusement ride is seen inundated by floodwaters in Camden in South Western Sydney, Sunday, July 3, 2022. (AAP Image/Mick Tsikas) Source: AAP / MICK TSIKAS/AA

 

"ኣብ ከተማ ሰባት ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ከለው ፡ እቲ መንፈስ ልዑል'ዩ ዘሎ" ይብል ሚስተር ፋሮው ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ፡ ንለምዶ ኣለና " ድማ በለ ።


 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now