SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ሞስኮ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቤት ምግቢ ብዘንቶጎቶ ነቷጊ ሰለስተ ሰባት ምማቶም መንግስታዊ ዜና ኣፍሊጡ።

እታ ሰበይቲ ነቲ ተተኳሲ ናብቲ ቤት ምግቢ ኸተእትዎ እኳ እንተ ፈተነት ፡ ምስተኸለአት እቲ ተተኳሲ ከምዝተፈንጀረ፣ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ።

A Russian police officer in blue khakis, and a black vest and face mask holding a rifle at night. He is standing behind police tape on a street, a van and another officer are behind him.
The explosion occurred at a restaurant in central Moscow on Saturday night, local time, according to Russian authorities. Source: Getty / Natalia Kolesnikova

1 min read

Published

Source: AP



Skip to article content

ብቐዳም ኣብ ማእከላይ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት መግቢ ፡ ብዘተጻወደ ነታጒ እተፈንጀረ መሳርሒ ፡ ሰለስተ ሰባት ከም ዝቐትለ ፡ ማዕከናት ዜና ሩስያ ንሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ገሊጸን ።

እቲ ኣብ ሞስኮ ኣብ ኣደባባይ ኩድሪንስካያ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ብ ኣኦጻጽራ ናይቲ ከባቢ ሰዓት 8: 00 ናይ ምሸት ተተኳሲ ምስ ተፈንጀረ ፡ ብውሕዱ 21 ሰባት እውን ቈሲሎም ክብል ንሃገራዊ ኮሚተ ጸረ-ሽበራ ፡ ምርኩስ ብምግባር ናይ ሩስያ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሪያ ኖቮሲቲ ጸብጺቡ ።

እታ ነቲ ነታጒ ጽዒና ናብቲ ቤት ምግቢ ክትኣቱ ዝፈተነት መንነታ ዘይተፈልጠት ሰበይቲ ፡ ሓደ ሓላውን ሓደ ኣስተናጋድን ፡ በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ።

RIA Novosti ከምዝጸብጸቦ እታ ሰበይቲ ተተኳሲ IED ናብቲ ብቤት ምግቢ ከተእትዎ ከምዝፈተነት ን እቲ ቦምብ ቅድሚ ምፍንጃሩ እቶም ሓለዋ ጸጥታ ግን ከይትኣቱ ከልኪሎማ ።

እቲ መጥቃዕቲ ገና ይምርመር ከም ዘሎ ፡ ናይ ሞስኮ መርማሪ ኮሚተ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now