SKIP TO MAIN CONTENT

ውጽኢት ምርጫ ትግራይ "ዘይጸንዕን ተፈጻሚ ኣይከውንን እዩ።" ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ

ውጽኢት ምርጫ ትግራይ "ዘይጸንዕን ተፈጻሚ ኣይከውንን እዩ።" ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ

SBS Tigrinya News
Source: EBC

1 min read

Published


Skip to article content

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ ናይቲ ኣብ 4 ጳጉሜን 2012 (ዓ.ም.ግ) ዝግበር ውጺኢት ምርጫ "ዘይጸንዕን ተፈጻሚ ዘይከውንን እዩ" ዝብል ዉሳነ ወሲኑ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብዝገበሮ ህጹጽ ኣኼባ፡ ክልል ትግራይ ናይ ገዛእ ርእሱ ኮሚሽን ምርጫ ምቛሙ  ነቲ ንሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዝተዋህበ ስልጣን ዝጥሕስዩ ኢሉ። እቲ ቤት ምኽሪ ድሕርቲ ኣኼባ ኣብዝሃቦ ክልል ትግራይ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣዋጅ ምርጫ ምውጻኡ ንሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጻረር እዩ ኢሉ።  

ብሔራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ባይቶ ፌደረሽን ኢትዮጵያ  ቅድሚ’ቲ ዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ ወከልቱ ከምዘይልእኽን ኣብ ጉዳይ መረጻ ትግራይ ተደሪኹ ዝውስኖ ውሳኔ ሓደገኛ ሳዕቤን ከየውርድ ኣጠንቂቑ ኔሩ።

 "ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን መረፃ ትግራይ ደው ንምባል ይኹን ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ዝፈጥር ውሳነ እንተሕልፍ ናይ ኹናት ኣዋጅ ምእዋጅ ምዃኑ ፈሊጡ ካብ ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ጥፍኣት ንባዕሉ ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።" ኢሉ’ውን ኔሩ እዩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now