SKIP TO MAIN CONTENT

ሓይልታት ትግራይ ንስትራቴጂካዊት ከተማ ደሴ ከም ዝተቖጻጸሩ ተገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ምስተቖጻጸሩ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዕድመኡ ዝኣኸለ ዜጋ ዝሓዘ ሒዙ ናብ ኩናት ክኸትት ደጊሙ ጸዊዑ ኣሎ።

News
Dessie Source: Ethiopia News

2 min read

Published


Skip to article content

 ኣብ ከባቢ ደሴ ድሕሪ ዝቐነየ ከቢድ ውግእ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ደሴ ከም ዝተቖጻሩዋ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ነበርቲ እታ ከተማን ኣረጋጊጾም። ደሴ ንኣዲስ ኣበባን መቐለ ትግራይን ከምኡውን ባህርዳር፣ ኣምሓራን ምስ ጁቡቲ ዘራኽብ ጽርግያ ሚለ፣ ዓፋርን እተማእኽል ስትራተጂያዊት ከተማ እያ። ብጀካ እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓበይቲ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝተሃንጹሉ ከተማ ኮምበልቻ ኣብ ጥቓ ይርከብ። ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ምስተቖጻጸሩ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዕድመኡ ዝኣኸለ ዜጋ ዝሓዘ ሒዙ ናብ ኩናት ክኸትት ደጊሙ ጸዊዑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ውን ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር። መራሕቲ እተን ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለዋ 9 ክልላትን ክልተ ርእሰን ዘመሓድራ ከተማታትን እታ ሃገር ኣብ ባህርዳር ተኣኪቦም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ ብስሩዕ ውግእ ንምስዓር ከም ዘይከኣል ብምግላጽ ዘይስሩዕ ሓይሊ ክሕወሶ ሓቲቶም እዮም። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ውን ኣንጻር ዕጡቓት ኦነግ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ህዝቢ ክሕግዞ ተላቢዩ ኣሎ። ሓይልታት ትግራይ ንደሴ ምስተቖጻጸሩ መግቢ ጸውአት ኣሜሪካ ብግዲኣ ፤ ተጻባእቲ ሓይልታት ኣፋላላዮም ብኲናት ክፍታሕ ኣይክእልን ብምባል ዘተ ክጅምሩ መሊሳ ተማሕጺና። በቲ ብስፍሓቱን ዕምቆቱን እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ኢትዮጵያ ከም ዝተሻቐለት ገሊጻ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽኡ ውን ጸዊዓ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ቀረባት ረድኤት ዝኾኑ መድሃኒት፣ ነዳዲ፣ ገንዘብን ካልኦትን ክኣትዉ ክፈቅድ ዝሓተተ ኣሜሪካ ኣብ መቐለ ብነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝወረደ መጥቃዕቲ ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብኹሎም ተጻባእቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ተላብያ።

መግለጺ ዘውጽአት ኣሜሪካ: ኣብ ኩናት ትግራይ ድሮናት ኢራን ከም ዝተሳፋ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ኢራንን መለዋወጢ ኣቑሑት እተን ድሮናት ኣብ ልዕሊ ዘቕርቡ ኣካላትን ሓዱሽ ማዕቀብ ከም ዘንበረት ቤትጽሕፈት ግምጃቤት እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now