ሓይልታት ኣብ ክልል ትግራይ ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ፡ ብሰሉስ "መጠነ ሰፊሕ ምሉእ-መጥቃዕቲ" ከም ዝጀመሩ ክገልጹ'ከለዉ ፡ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ከባቢታት ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዘሎን ምንጭታት ሓቢሮም ክብል ሮተርስ ጸብጺቡ ።
ኣፈኛ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ጌታቸው ረዳ ብዛዕባዚ ብትዊተር ዝጸሓፎ ዜና፡ ሮይተርስ ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብዝጸሓፎ ሓበሬታ፥ "ሎሚ፡ ሓይልታት ኤርትራ ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት፡ ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ ፡ ምሉእ መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣለዉ ። ኣብ ማይ ኩሕሊ ፡ ዝባን ገደና ፡ ዓዲኣውዓላ ፡ ራማ ፡ ጸሮናን ዛላምበሳን ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ ።" ኢሉ።
ኣብቲ “ምሉእ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ኤርትራ ተፈንዩ” ዝበሎ ንሱ፡ ናይ ኣምሓራ ምልሻን ፋኖን’ውን ሓቢሮም ይዋግኡ ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ።