SKIP TO MAIN CONTENT

ሓይልታት ትግራይ፡ “ኤርትራ ብብዙሕ ወገን 'ምሉእ-መጥቃዕቲ' ጀሚራ” ኢሎም።

ኣብቲ “ምሉእ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ኤርትራ ተፈንዩ” ዝበሎ ንሱ፡ ናይ ኣምሓራ ምልሻን ፋኖን’ውን ሓቢሮም ይዋግኡ ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ።

Capture.JPG
Credit: AAP

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ሓይልታት ኣብ ክልል ትግራይ ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ፡ ብሰሉስ "መጠነ ሰፊሕ ምሉእ-መጥቃዕቲ" ከም ዝጀመሩ ክገልጹ'ከለዉ ፡ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ከባቢታት ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዘሎን ምንጭታት ሓቢሮም ክብል ሮተርስ ጸብጺቡ ። 

ኣፈኛ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ጌታቸው ረዳ ብዛዕባዚ ብትዊተር ዝጸሓፎ ዜና፡ ሮይተርስ ከረጋግጾ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ኣሎ። 

ኣቶ ጌታቸው ኣብዝጸሓፎ ሓበሬታ፥ "ሎሚ፡ ሓይልታት ኤርትራ ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት፡ ካብ ተከዘ ክሳብ ኢሮብ ፡ ምሉእ መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣለዉ ። ኣብ ማይ ኩሕሊ ፡ ዝባን ገደና ፡ ዓዲኣውዓላ ፡ ራማ ፡ ጸሮናን ዛላምበሳን ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ ።" ኢሉ።

ኣብቲ “ምሉእ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ኤርትራ ተፈንዩ” ዝበሎ ንሱ፡ ናይ ኣምሓራ ምልሻን ፋኖን’ውን ሓቢሮም ይዋግኡ ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now