SKIP TO MAIN CONTENT

መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ንምቕባል ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ብዘይወዓል ሕደርን ኩሉንትናዊ ስምምዕ ንዝግበር ተጻብኦታት ደው ንምባል ድልዋት ኢና" ኢሉ ።

Capture.JPG
Credit: AAP

2 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ሓይሊታት ትግራይን ሰራዊት ማእከላይ መንግስቲ ትማሊ ሰንበት ኲናት ደው ንምባልን ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ንምቕባልን ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም ።

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ብዘይወዓል ሕደርን ኩሉንትናዊ ስምምዕ ንዝግበር ተጻብኦታት ደው ንምባል ድልዋት ኢና" ኢሉ ።

ትግራይ "ብዘይ ውዓል ሕደር" ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ጉጅለ ኣቚማ ኣላ ይብል እቲ መግለጺ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዝርርብ ሰላም ክመርሕ ኣለዎ ኢሉ ኔሩ ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ሓሳብ ንኽህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

እቲ መንግስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ናብ ዝርርብ ክኣቱ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ንምድጋፍ ድሉው ምዃኑ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ፡ ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ እዩ ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እቶም ወገናት ነዚ ሰላም ዝረኽቡሉ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ፡ ነቲ ጎንጺ ደው ከብልዎን ዝርርብ ከካይዱ ክመርጹን ይጽውዕ "ክብል ዱጃሪክ ገሊጹ።

"እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን" ዚ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ፡ ሰፊሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅስን ኵሉ-መዳያዊ ፖለቲካዊ ዝርርብን ክግበር ኣለዎ "ይብል መግለጺ መንግስቲ ትግራይ ። ኣብቲ ዘተ ካብ ዝሳተፉ ወሃቢ ቃል ናይ ሕወሓት ጌታቸው ረዳን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ዘካተተ እዩ ።

መንግስቲ ትግራይ ኣቐድም ኣቢሉ ቅድሚ ምጅማር ዘተ፡ ናይ ባንክን ቴለፎንን ርክብ ዝመሳሰሉ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ክምለስ እዩ ክሓትት ጸኒሑ ።

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣመዛቢሉ ኣሽሓት ድማ ቀቲሉ ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ምቁራጽ ተዅሲ ፡ ውግእ እንደገና ተላዒሉ እዩ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now