SKIP TO MAIN CONTENT

“ፍትሒ ይንገስ ሕገመንግስቲ ይከበር ብዘበል መሪሕ ሓሳብ” ሎሚ 29 ሕዳር 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሀዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ሰሪሖም ንክነብሩ ድጋፍ ከምዝግበር ድማ ተሓቢሩ። ክልቲአን ሃገራት ብዘጋጠመን ጎንፂ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተደጋጊፎ ንከይኸአዱ ዕንቅፋት ገጢሙ ከምዝነበረ ብምዝራብ፥ ነቲ ሕሉፍ ብምርሳዕ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ንዘጋጠመ ኩለመዳይ ክሳራ ንምኽሓስ ፃዕሪ ምግባር ከምዘድሊ ዶክተር ደብረፅዮን ኣገንዚቦም።

News
Source: TTV

4 min read

Published

Updated


Skip to article content

ኣብቲ ሰልፊ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ህዝቢ ትግራይ ብደምካን ኣዕፅምትኻን ናይዚ ክፍለ ዘበን ፍሉይ ቅያ ብምምዝጋብ፤ ኣብ ዕንወትን ምብትታንን ዝነበረት ሃገር ብሕገ-መንግስቲ ክትምራሕ ፌደራላዊትን ዴሞክራሲያዊትን ሃገር ንኽትከውን ዘይትካእ ብፅሒት ዘወፈኻ ብምዃንካ ከም ህዝቢ ክብሪ ይግበኣካ::" ኢሎም፡፡

ዘበንያ ግርቢጥስ ኮይኑ እንትርፊ ዕግርግርን ህውከትን ህዝቢ ክመርሕ ዘይኽእል ኣመራርሓ “ናይ ለውጢ”፥ ህዝቢ ብሰላምን ብማዕርነትን ዝመርሕ ኣመራርሓ “ፀረ ለውጢ” ዝብል ታርጋ ተለጢፉሉ ኣሎ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መናእሰይ  ንዘጋጥሙ ፈተናታት ከከም አመጻጽኦኦም  ንምምካት ሓድነቶም ከጠናኽሩ ከምዝግባእ  ዘተሓሳሰቡ ዶክተር ደብረጽዮን  ድምጺ ህዝቢ ይሰማዕ ወይ ክስማዕ እዩ  ኢሎም፡፡

ኣብቲ ሰልፊ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ደው ይበል፣ ልዕልነት ሕጊ ኣብ  ኩሉ ብማዕረ ይንገስ ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን ዝሓዙ ብኣማኢት  ኣሻሓት  ዝቁጸሩ ሰልፈኛታት ተረኺቦም ኔሮም፡፡

ቀንዲ ነጥብታት መደረ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ክልልን ከተማ መቐለን፣ ነበርቲ ህዝቢ ከተማን ከባቢኣን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰልፊ መቐለ።

 ዶክተር ደብረፅዮን፥ 29 ሕዳር ኣብ ማዕርነትን ፍትሕን ዝተደረኸ ሓደ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ማሕበረሰብ ንምህናፅ ዘኽእል ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ዝተሃነፀላ ዕለት ከምዝኾነት ኣዘኻኺሮም።  ንኹሎም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እንኳዕ ናብዚ ዕለት ኣብፀሐኩም ኢሎም።

 ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምትካል ህዝባዊ ስርዓትን ምህናፅ ዋሕስ ሃገር ዝኾነ ሕገ መንግስቲን ዘኹርዕ እምበር ዘሕፍር ታሪክ ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ ብመንነቶም መጥቃዕቲ ንዝበፅሖም ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ነዚ ኣብ ምምካት ኩሉ ሰብ ክቃለስ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዘበንያ ግርቢጥስ ኮይኑ እንትርፊ ዕግርግርን ህውከትን ህዝቢ ክመርሕ ዘይኽእል ኣመራርሓ “ሓይሊ ለውጢ”፥ ህዝቢ ብሰላምን ብማዕርነትን ዝመርሕ ኣመራርሓ ድማ “ፀረ ለውጢ” ዝብል ታርጋ ተለጢፉሉ ኣሎ እውን ኢሎም።

“ንሃገሩ ዝሰርሐን ዝለፍዐን ዝርገመሉ፣ ዝውቀጠሉ፤ ንሃገሩ ዝኸድዐ ዝሽለመሉ ኩነታት ይፍጠር ስለዘሎ ኣብ ዘበን ግርምቢጥ ኣቲና ንርከብ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ህዝቢ ትገራይ ንሃገሩ ሕልፊ መስዋእቲ ዝኸፈለ እምበር ሕልፊ ዝደሊ ኣይኮነን ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ እዚ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝነብረሉን ሰሪሑ ሃፍቲ ዘፍርየሉን ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ክኽበር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

“ጭጉራፍስያ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ኮይኑ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ባዕሎም ስርዓት ንከፍርሱ ዕግርግር እናበሉ ተመሊሶም ድማ “መበገሲ ኩሉ ፀገም ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን እዮም” ይብሉ ኣለዉ ኢሎም።

ህዝቢ ዝበፅሖ ፀገማት ብምዕጋስ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንክኽበር ልዑል ፃዕሪ እናካየደ ከምዝፀንሐ ብምግላፅ፥ ይኹን እምበር ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሽ ዘይኮነስ ዝኸፍአ ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ዋላ ከምኡ ዝበሉ ፀገማት እንተጋጠሙ፥  ዝተጀመረ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ሐዚ እውን ትዕግስቲ፣ ሓድነት፣ ምድግጋፍን ምክእኣልን ከምዘድሊ ድማ ሓቢሮም።

ዶክተር ደብረፅዮን ንመናእሰይ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ መናእሰይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣንፃር ትምክሕቲ ብምስላፍ ሓድነቶም ኣስጢሞም ንዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንኢዶም።

“ኳሓሎ መሲሎም መንቆሮ” ከምዘለዉ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮም፥ መናእሰይ ነዚኦም ብዝግባእ ክፈልጥዎምን ክቃለስዎምን ከምዝግባእ ድማ ኣረዲኦም።

መናእሰይ ናይ ኩሉ ሰናይ ተግባር ኣብነት ክኾኑ ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም።

ብስምዒት ሃንደፍደፍ ምባል ዘይኮነስ፥ ንኹሉ ነገር ብትዕግስቲ ምቅላስ፣ ኣንፃር ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ንዝግበር ሽርሒታት ምምካት ኣገዳሲ ከምዝኾነ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

 

ዶክተር ደብረፅዮን፥ ብሳላ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተሓባቢሮምን ተደጋጊፎምን ምቅላሶምን ልምዓታዊ ንጥፈታት ምዕማሞምን ኢትዮጵያ ኣብ ስሉጥ ልምዓትን ዴሞክራሲን ክትኣቲ ከምዝኸኣለት ኣብሪሆም።  ይኹን እምበር ነዚ ንድሕሪት ዝኸብሱ ዕንቅፋታት የጋጥሙ ስለ ዘለዉ ነቲ ሐዚ ዘሎ ብሄርን ዘርእን ዝፈለየ መጥቃዕቲ ብሓባር ክቃለሱ ከምዝግባእ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

“ሕቶ ህዝቢ ምንፃግን ፀማም እዝኒ ምሃብን ትኽክል ኣይኮነን” ክብሉ ድማ ንመንግስቲ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታድዮም ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተሳለጠ ማዕበላዊ ሰልፊ ህዝቢ፥ ተጀሚሩ ዘሎ ሰናይ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት መልእኽቲ እውን ተመሓላሊፉ እዩ።

ከም ክልል፥ ክልቲአን ሃገራት ዝጀመርኡ ርክብ ክጠናኸርን ንህዝቢ ዝጎድኡ ተግባራት ንጎድኒ ብምግዳፍ ንሓድነትን ምዕባለን ህዝቢ ከምዝሰርሕን ተገሊፁ።

ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ሰሪሖም ንክነብሩ ድጋፍ ከምዝግበር ድማ ተሓቢሩ።

ክልቲአን ሃገራት ብዘጋጠመን ጎንፂ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተደጋጊፎ ንከይኸአዱ ዕንቅፋት ገጢሙ ከምዝነበረ ብምዝራብ፥ ነቲ ሕሉፍ ብምርሳዕ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ንዘጋጠመ ኩለመዳይ ክሳራ ንምኽሓስ ፃዕሪ ምግባር ከምዘድሊ ዶክተር ደብረፅዮን ኣገንዚቦም።

ኣብ መወዳእታ “ካብ ብዙሕ ምዝራብ ብዙሕ ምስራሕ” ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብምሕንጋጥ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ውፅኢታዊ ለውጢ ከምፅእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

 

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳለጠ ማዕበላዊ ሰልፊ ህዝቢ፥    

 • ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ደዉ ይበል!

• ዘኹርዕ ታሪኽ እምበር ዘሕፍር ታሪኽ የብልናን!

• ህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝግበር ሽርሒ ኣይንቕበሎን!

• መግለፂ መንግስቲ ክልልና ብፅኑዕ ንድግፍ !

• ልዕልነት ሕጊ ኣብ ኩሉ ብማዕረ ይንገስ!

• ሕገ መንግስቲ ይከበር ዝብሉ ጭርሖታት ተደሚፆም እዮም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now