ፍሉጥ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ቶም ሃንክስን ሰበይቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም።

ቶም ሃንክን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮረና ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ።

Tom Hanks and his wife Rita Wilson have tested positive for coronavirus.

Tom Hanks and his wife Rita Wilson have tested positive for coronavirus. Source: AAP

ኣመሪካዊ ኣክተር ቶም ሃንክን በዓልቲ ቤቱ ሪታ ዊልሰንን ኣብ ኣውስትራሊያ ብኮረና ቫይረስ ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ።

እቲ ወዲ 63 ተኦኣዋቲ ኦስካር ብዛዕባ ህይወት አልቪስ ፕሪስሊ ክትስራሕ ተሃሲባ ዘላ ፊልም ንቕድመ ስራሕ እታ ፊልም እዩ ናብ ጎልድ ኮስት መጺኡ።

"ቅሩብ ድኻም ተሰሚዑና፥ ሰዓል ከምኡ ድማ ርእስና ሓሚምና። ሪታ ቅሩብ ቅልውሉው ኣቢልዋ ኔሩ። ቅሩብ ረስኒውን ኔርዋ," ብምባል ቢንስታግራም ጽሒፉ።

"ከምቲ ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ሕጂ፡ ቅኑዕ ነገር ንምግባር መርመራ ኮሮናቫይረስ ተመርሚርና እወታዊ ውጽ ኢት (ተለኺፍና) ኮይኑ።"

" መጻኢ እንታይ ኢና ክንገብር? ሰብ መዚ ሕክምና ክንክተሎ ዝግበኣና መምርሒ ኣለዎም። ተመርሚርና፥ ክሳብ እቲ ህዝባዊ ጥዕና ዝሓቶ ናይ ድሕነት ረቛሒታት ክንግለል ኢና። "]

ብመሰረት እቲ ዝጸሃፎ ኢንስታግራም ቅድሚ 4 መዓልታት ኣብ ሲድኒ ቦንዳይ ቢች ከምዝነበረዩ ዝገልጽ።

ዛጊት ኣብ ኣውስትራሊያ 128 ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዘለዉ ተረጋጊጹ፡ ካብ ኣቶም እቶም 21 ክሃውዩከለዉ፡ ሰለስተ ሰባት ድማ ሞይቶም ኣለዉ።


Share

1 min read

Published

Updated

By Nick Baker



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now