ቶኒ ብሌር "ዓብላልነት ሃገራት ምዕራብ ኣብቂዑ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ።" ስለምንታይ? ንዝብል ሕቶ ይምልስ፥

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌር ፡ ዓለም ኣብ ታሪኽ ነጥበ መቐይሮ ከም ዘላ ፡ እዚ ከኣ ምስ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ወይ ምስ ምፍራስ ኅብረት ሶቭየት ዝመሳሰል ምዃኑ ገለጸ ።

News

From United Kingdom prime minister Tony Blair. Source: AAP, AP / Yui Mok

ውግእ ዩክረይን ዘመልክቶ ዓብላልነት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን ፡ቻይና ናብ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ዝበረኸትሉ ኣብ ሓደ ካብቲ ንዘመናት ምስ ሩስያ ዝገበረቶ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጸብራቕ ፡ ከም ዝበጽሐ እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዝነበረ ቶኒ ብሌር ዝገልጽ ።

ሚስተር ብሌር ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ምስ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ወይ ምስ ምፍራስ ኅብረት ሶቭየት ዝመሳሰል ነጥበ መቐይሮ ከምዘለና ብምግላጽ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ፡ ብግሉጽ ምዕራባውያን ናብ ላዕሊ ገጸን ኣብ ምድያብ ከም ዘየለዋ ንጹር እዩ ኢሉ።

ሚስተር ብሌር ኣብቲ "ድሕሪ ዩክረይን ሕጂ ንምዕራባዊ መሪሕነት እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ ?" ዘርእስቱ ኣስተምህሮ ፡ "ፖለቲካዊ ኰነ ቝጠባዊ ዓብላልነት ምዕራባውያን ኣብቂዑ እዩ" በለ ።

News
Russian President Vladimir Putin (left) with Chinese President Xi Jinping. Source: Anadolu / Anadolu Agency/Anadolu Agency via Getty Images
ሚስተር ብሌር ፡ "ዓለም እንተ ወሓደ ክልተ ቀጽርኣዊ (bi-polar) ፡ ምናልባት እውን ኣብ ብዙሕ ቀጽርኣዊ(multi-polar) ክትከውን ትኽእል እያ" ኢሉ ።

"ኣብዚ ዘመን እዚ ፡ እቲ ዝዓበየ ጂኦ-ፖለቲካዊ ለውጢ ካብ ሩስያ ዘይኰነስ ፡ ካብ ቻይና ክመጽእ እዩ ።"

 ፡ ካብቲ ኣብ 1962  ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ከኣ ኑክልየሳዊ ውግእ ከይውላዕ ፈሪሖምሉ ዝነበሩ ናይ ኩባ ቅልውላው ሚሳይል፡ እዚ ናይ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ  ኣብ መንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ዘሎ ርክብ ዝኸፍ አ ይገብሮ ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሃገራት ምዕራብ ቊጠባዊ ውግእ ኣዊጀን ዘለዋ ፡ ንቁጠባ ሩስያ ምስ ማዕቀብ ብምንጻግ ከም ዝዀነን ፡ ሩስያ ናብ ከም ቻይናን ህንድን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ከም እተቕንዕን ክሬምሊን ገሊጹ ኣሎ ።

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ውግእ ፡ ሃገራት ምዕራብ "ከምቲ ንሕና ርትዓዊ ከም ዝዀነ ጌርና እንሓስቦ ጠባይ" ካብ ቻይና  ብንጹር ከም ዘይፈልጣ ዘነጸረ እዩ ክብል ገሊጹ ።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ፡ ንሚስተር ፑቲን ምድጋፍ ኣየቋረጸን ፣ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝተገብረ ማዕቀብ "ዘይግቡእ" ክብልድማ ነቒፉ እዩ ። ሚስተር ፑቲን ነቲ ምስ ቻይና "ስትራተጂካዊ ሽርክነት" ኢሉ ዝጽውዖ ነገር ገዲፍዎ እዩ ።

ብ1979 ቻይና ካብ ናይ ኢጣልያ ዝነኣሰ ቁጠባ ነበራ ፣ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ድሕሪ ምኽፋታን ናይ ዕዳጋ ምምሕያሽ ድሕሪ ምትእትታውን ግና ኣብ ዓለም ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ቁጠባ ኰይኑ ኣሎ ።

ናይ ቻይና ቊጠባ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከሓልፎ ምዃኑ ይንበ እዩ ፣ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ቴክኖሎጂ ከም ኣርቲፊሻላዊ ብልሒ ፡ መሐደሲ-መድሃኒት ከምኡ "ውን ኣካይዳ ፖሊመርስ ዝኣመሰሉ ቻይና መወዳድርቲ ኣይክህልዋን እዩ ።

"ቻይና ከም ልዕለ ሓያል ሓይሊ ዘለዋ ቦታ ባህርያውን ምኽኑይን እዩ ። ኅብረት ሶቭየት ኣይኰነትን " ዝበለ  ካብ 1997 ክሳዕ 2007 ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሚስተር ብሌር ፡"ንቻይና መሻርኽታ ዝዀና ሃገራት ፡ ሩስያን ኢራንን ክዀና ይኽእላ እየን ።"

ምዕራባውያን ንቻይና ብወተሃደራዊ መዳይ ክትሓልፈን ከፍቅዳላ የብለንን ኢሉ ።

ሚስተር ብሌር "ናይ ምክልኻል ወጻኢታት ከነዛይድን ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ክንዕቅብን ይግባእ" ኢሉ ። ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን መሻርኽታን ፡ "ንዝዀነ ይኹን ፍጻመ ወይ ዓይነት ግጭት ኰነ ኣብ ኵሉ መዳያት ንምልዕዓል ካብ ዘለወን ዓቕሚ ዝበልጻ ክዀና ኣለወን ።"

 ሚስተር ብሌር ፡ "ዓለም እንተ ወሓደ ክልተ ቀጽርኣዊ (bi-polar) ፡ ምናልባት እውን ኣብ ብዙሕ ቀጽርኣዊ(multi-polar) ክትከውን ትኽእል እያ" ኢሉ ።

"ኣብዚ ዘመን እዚ ፡ እቲ ዝዓበየ ጂኦ-ፖለቲካዊ ለውጢ ካብ ሩስያ ዘይኰነስ ፡ ካብ ቻይና ክመጽእ እዩ ።"
 ፡ ካብቲ ኣብ 1962  ኣትሒዙ ብዙሓት ሰባት ከኣ ኑክልየሳዊ ውግእ ከይውላዕ ፈሪሖምሉ ዝነበሩ ናይ ኩባ ቅልውላው ሚሳይል፡ እዚ ናይ ሩስያ ንዩክረይን ብምውራራ  ኣብ መንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ዘሎ ርክብ ዝኸፍ አ ይገብሮ ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሃገራት ምዕራብ ቊጠባዊ ውግእ ኣዊጀን ዘለዋ ፡ ንቁጠባ ሩስያ ምስ ማዕቀብ ብምንጻግ ከም ዝዀነን ፡ ሩስያ ናብ ከም ቻይናን ህንድን ዝኣመሰሉ ሓይልታት ከም እተቕንዕን ክሬምሊን ገሊጹ ኣሎ ።
እቲ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ውግእ ፡ ሃገራት ምዕራብ "ከምቲ ንሕና ርትዓዊ ከም ዝዀነ ጌርና እንሓስቦ ጠባይ" ካብ ቻይና  ብንጹር ከም ዘይፈልጣ ዘነጸረ እዩ ክብል ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ፡ ንሚስተር ፑቲን ምድጋፍ ኣየቋረጸን ፣ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝተገብረ ማዕቀብ "ዘይግቡእ" ክብልድማ ነቒፉ እዩ ። ሚስተር ፑቲን ነቲ ምስ ቻይና "ስትራተጂካዊ ሽርክነት" ኢሉ ዝጽውዖ ነገር ገዲፍዎ እዩ ።
ብ1979 ቻይና ካብ ናይ ኢጣልያ ዝነኣሰ ቁጠባ ነበራ ፣ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ድሕሪ ምኽፋታን ናይ ዕዳጋ ምምሕያሽ ድሕሪ ምትእትታውን ግና ናይ ቻይና ቁጠባ  ኣብ ዓለም ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ቁጠባ ኰይኑ ኣሎ ።

Share

Published

Updated

Share this with family and friends

Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service