SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ሱዳን ልዕሊ 35 ሰባት መይቶም፡ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ኩሉ ስምምዓት ሰሪዙ ቅልጡፍ ምርጫ ክካየድ ጸዊዑ

መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ቅልጡፍ ምርጫ ክካየድ ብምጽዋዕ ምስ’ቲ ቀንዲ ልፍንቲ ተቓወምቲ ኣቐዲሙ ዘካየዶም ኩሎም ስምምዓት ሰሪዘዮም ኣለኹ ክብል ኣዊጁ። እዚ ሰሉስ ዝተዋህበ መግለጺ ዝመጽእ ዘሎ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ኣብ ኣፍደገ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝተተኽሉ ካምፕታት ክብትኑ ኢሎም ምስ ኣተው ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምማቶም’ዩ። ዋላ’ኳ ኩሉ መሓውራት መንግስቲ ዘለዎ ናይ ሰለስተ ዓመት መሰጋገሪ መንግስቲ ክህሉ ክልቲኦም ወገናት ክዘራረቡ እንተጸንሑ መን ይምርሓዮ ኣብ ዝብል ግን ክሰሓሓቡ ጸኒሖም’ዮም።

Deaths in Khartoum protests
Source: The National

4 min read

Published



Skip to article content

ሶኑይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ነቲ ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ምክልኻል ሱዳን ነዊሕ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ኮፍ ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን ብሓይሊን ጎንጽን ብምብታኖም ልዕሊ 35 ስባት ተቐቲሎም። ኣብ'ዚ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብትሪ ዝተኾነነ ስጉምቲ ኣማኢት ሰባት'ውን ተጎዲኦም ኣለዉ። ብኸቢድ ዝተዓጥቁ ኣባላት ናይ'ቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓራሚሊታሪ ሰራዊት ኣብ መላእ ዙርያ ከተማ ኻርቱም ተዋፊሮም፡ መእተዊታት ናብ'ተን ኣብ ልዕሊ ሩባ ኒል ዝተሃንጻ ድንድላት ብምዕጻው ከኣ ቃፍላያት ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኻርቱም ከምዝንቀሳቐሱ ጌሮም። 

መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ጨካን ዓፈና ኣብ ልዕሊ ኣድመኛታት'ዩ ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለይዎ ጀነረላት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ጸዊዑ። 

ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ምጥቃም መጠኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ኣንጻር ሰልፈኛታት ብምኹናን ነጻ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ። ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ሰሉስ ብጠለብ ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን ጉዳይ ሱዳን ኣብ ዕጹው ማዕጾ ተራኺቡ ክዝትየሉ'ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ገሊጾም ኣለዉ።

ምስ'ቶም ኣድመኛታት ቅርበት ዘለዎ ማእከላይ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ቁጽሪ ናይ'ቶም በቲ 'ህልቂት' ዝሞቱ ናብ ልዕሊ 30 ምብጽሑን ኣማኢት ከኣ ከምዝቖሰሉን ኣረጋጊጹ'ሎ። እቲ ኮሚተ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ቆልዓ ሓደ ካብ'ቶም ዝተቐትሉ ኮይኑ ነቶም ተጎዲኦም ዘለዉ ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ክረኽቡ ንሰብኣውያን ማሕበራት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ካብ ሆስፒታል ‘ሮያል ኬር’ ኣቕዲሞም ዝተዘርግሑ ቪድዮታትን ደረቕ ስእልታትን ኣብ ከባቢ'ቲ ናይ ኮፍ ተቓውሞታት ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ምድሪቤት ኣዳራሻት ሆስፒታል ሰባት እናተሓከሙ የርኢ፡ ኣብ ደገ ኸኣ ኣብ ክፉታት መካይናት ዝተጻዕኑ ሓለውቲ ጸጥታ ደው ኢሎም ኔሮም። ሓደ ወኪል ኣገልግሎት ዜና AFP ኣብ’ቲ ኩሉ ግዜ ዕሙር እትኾነሉ ሰዓታት ከተማ ኻርቱም ሶኑይ ምሸት ብብዝሒ ጥርሓ ኮይና ጽምዋ ዓሲልዋ ክብል ገሊጹ።

ገለ ጎደናታት ኣቐዲሞም ንግሆ ንደገ ወጺኦም ኣእማን ኳንዮም፡ ቁራጽ ኣግራብን ዝነዱ ጎማ መኪናታትን ከም መከላኸሊታት ብዝሰርሑ ኣድመኛታት ተዓጽየን ኔረን። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ'ታ ከተማ ብዙሓት ዱኳናትን መሸጣታት ንግድን ተበታቲኖም። ኣብ ጎደናታት ካልኦት ከተማታት ህዝቢ ወጺኡ ተቓውሞታት ከስምዕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሓይልታቱ ኣብ ኣፍ ደገ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሎም ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ዘስምዑ ዝነበሩ ብሓይሊ ከምዘይበተኑ ገሊጹ። መራሕቲ'ቲ ተቓውሞታት ግን እቲ ቀንዲ ኮፍ ኢሎም ዝቃወምሉ ዝነበሩ ቦታ ካብ ሰባት ነጻ ከምዝኾነ ይሕብሩ። 

ጥምረት ንነጻነትን ለውጥን "ሓይልታት ወሃብቲ ህጹጽ ደገፍ፡ ሰራዊት፡ ፖሊስን ቦጦሎኒታት ምልሻን ኮይኖም ነቲ ሰላማዊ ናይ ኮፍ ተቓውሞ በቲኖሞ። ኣብ ኣፍደገ ቀንዲ ቤት ሕፈት ምክልኻል ዋላ ሓደ ሰብ የለን፡ ብዘይካ'ቶም ካብ'ቲ ቦታ ክንኣልዮም ዘይከኣልና ጽሩያት ሬሳታት ስውኣትና።" ክብል ገሊጹ። 

ነቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመሩ ተቓውሞታት ብመሪሕነት ክኣልዮም ዝጸንሐ ማሕበር ሞያተኛታት ሱዳን ነዚ ናይ ሶኑይ ክስተት 'ደማዊ ህልቂት'ዩ' ዝቑጸር ኢልዎ። ሱዳናውያን ነዚ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ንምዕላው 'ምሉእ ሲቪላዊ ኣብያ' ክገብሩ ጸዊዑ’ሎ። መዓልቲ ዒድ'ውን ኩሎም ወጺኦም ስላቱል ዒድ ክሰግዱ እንከለው ነቶም ሰማእታት ጸሎቶም ከብጽሑን ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱን ጸዊዑ'ሎ። ወግዓዊ መዓልቲ ዒድ ሮቡዕ ክኸውን ተወሲኑ'ዩ ክትብል ኣገልግሎት ዜና ሱና ሓቢራ። 

ኮሚተ ዶክተራት ሱዳን እቶም ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኢስት ናይል ሆስፒታል ናይ'ታ ከተማ ተዂሲ ብምኽፋት ሰላማውያን ኣድመኛታት ኣጓይዮም ኢሉ። ህዝባዊ ማዕበል ወይ ተቓውሞ ኣንጻር'ቲ ንከባቢ 30 ዓመታት ኣብ ዙፋን ዝተኾየጠ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዑመር ኣልበሺር ኣብ ሚያዝያ ክወርድ ኣገዲዱ፡ እንተኾነ ግን ተቓወምቲ ነቲ ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ስልጣን ናብ መሰገገሪ መንግስቲ ከረክብ ክጠልቡ ካብ ኣፍደገ'ቲ ቤት ጽሕፈት ከይተኣለዩ ጸኒሖም።

ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኻርቱም ኢርፋን ሲዲቕ ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ተዂሲ ከምዝሰምዐ ሓቢሩ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን 'ኣንጻር ሰላማውያን ኣድመኛታትን ካልኦት ሲቪላውያንን ብሓይልታት ጸጥታ ዝውሰድ መጥቃዕቲ ጌጋ'ዩ፡ ደው ክብል ከኣ ይግብኦ' ኢሉ። "እቲ ሓላፍነት ናይ ቲኤምሲ(TMC)'ዩ። እዚ TMC ንህዝቢ ሱዳን ሓላፍነት ተሰኪሙ ክመርሖ ኣይክእልን'ዩ።" ክብል ከኣ ነቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ብኣህጽሮተ ቃል ብምጽዋዕ ወሲኹ። ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ቲቦር ናጊ፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ "እዚ ብሓይልታት ወሃብቲ ፈጣን ደገፍ ዝተመርሐ ጨካንን ዝተወሃሃደን መጥቃዕትን'ዩ፡ ንገለ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ መጥቃዕታት ስርዓት በሺር ልክዕ ዝመስል'ዩ።" ብምባል ገሊጽዎ። 

ሙሳ ፋኪ፡ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ "ነቶም ኩሎም ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣብ ሕጊ ንምቕራብ ቅልጡፍን ግሉጽን መርመራ ክካየድ ኣለዎ።" ኢሉ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ልዕሊ'ቶም ደቂሶም ዝነበሩ ሰላማውያን ኣድመኛታት ደማዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ተሓተትቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሱዳናውያን ኣባላት መሰጋገሪ በዓልመዚ ዝዓለመ እገዳ ክንበር ንማሕበረሰብ ዓለም ኩሉ ዓይነት ሰላማዊ ጸቕጢ ኣብ ምግባር ክሓስበሉ ጸዊዑ። 

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን ዝርርብ ክቕጽል ኣብ ዝጽውዓሉ ዘለዋ እዋን ከይተረፈ ልፍንቲ ወይ ጥምረት ንነጻነትን ለውጥን ሱዳን ድሕሪ'ዚ ቅትለታት ምስ'ቲ ክኣልየና ዝፍትን ዘሎ ፑትሺት ኢሉ ዝጸወዖ ቤትምኽሪ ኩሎም ፖለቲካዊ ርክባትን ዘተታትን ኣብቂዖም'ዮም ኢሉ። 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now