ፕረዚደንት ዩኤስ ዶናልድ ትራምፕ ንኣማሓዳሪ ግዝኣት ሉዊዚያና፡ ጀፍ ላንድሪ፡ ሰንበት ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ግሪንላንድን ገይሩ ሰምይዎ፡ ካብ ደንማርክን ግሪንላንድን ድማ ኣብ ረብሓ ዋሺንግተን ኣብ'ታ ብማዕድናት ሃብታም ዝኾነት ኣርክቲካዊት ደሴት ሓደስቲ ነቐፌታታት ክለዓሉ ገይሩ።
ትራምፕ ነታ ባዕላ ትመሓደር ዶብ ደንማርክ ዝኾነት ግሪንላድ ኣካል ዩናይትድ ስቴትስ ክትከውን ክጣበቐ ጸኒሑ'ዩ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳሲነታን ማዕድናዊ ሃብታን ብምጥቃስ። እቲ ኣብ 2024 ናይ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሉዊዚያና ስልጣኑ ኣብ ጥሪ 2024 ዝተረከበ፡ ላንድሪ፡ ነዚ ሓሳብ ብወግዒ ይድግፎ'ዩ።
"ካልእ ሃገር ክትጎብጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዛዕባ ዓለምለኸ ጸጥታ መጎተ'ውን እንተምጻኻ፡" ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ደንማርክ መት ፍረደሪክሰንን ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪንላንድ የንስ-ፍረደሪክ ኒየልሰንን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ።
"ግሪንላንድ ናይ ደቂ ግሪንላንድ (ግሪንላንደርስ) እያ፡ ዩናይትድ ስቴትስ ንግሪንላንድ ክትወስዳ ወይ ክትቆጻጸራ ኣይኮነትን።"
ኣብ ትሩዝ ሶሻል (Truth Social) ኣብ ዘውጽኦ ሓደ ጽሑፍ ትራምፕ ከም'ዚ ይብል: "ጀፍ፡ ግሪንላንድ ንሃገራዊ ጸጥታና ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃና ይርደኦ'ዩ፡ ንድሕነት፡ ጸጥታን ህላወን መሻርኽትናን ዓለምን ድማ ንረብሓ ሃገርና ኣበርቲዑ ከሰጉም'ዩ።"
ላንድሪ ግን ኣብ X ብምጽሓፍ ንትራምፕ ኣመስጊንዎ፡ "ከገልግል ክብሪ'ዩ ንዓይ... ኣብ'ዚ ንግሪንላንድ ኣካል ዩኤስ ንምግባራ ዝዕልም ወለንታዊ መዝነት። እዚ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ንሓላፍነተይ ከም ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሉዊዚያና ኣይትንክፎን'ዩ!"
ንክልተ መንግስቲ ደንማርክ ብዝቆጻጻሮ ትካል ኦርስተድ ዝስርሑ ዘለዉ ወሲኽካ፡ ውዕላት ሓሙሽተ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ዩኤስ ዝህነጹ ዘለዉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት መመንጨዊ ሓይሊ ንፋስ ከምዝውንዘፉ ብምግባር ምምሕዳር ትራምፕ ዝሓለፈ ሶኑይ ተወሳኺ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ኮፐንሃገን ፈጢሩ።
ስትራተጂካዊ ክብሪን ዋጋን ግሪንላንድ
ግሪንላንድ፡ ከባቢ 57000 ዝህዝባ ግዝኣት ደንማርክ ዝነበረት ኮይና ኣብ ትሕቲ ሓደ ናይ 2009 ስምምዕ ነጻነት ክትእውጅ ወይ ነጻ ክትከውን መሰል ዘለዋ'ያ፡ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምግፋፍ ዓሳን ድጎማታት ካብ ደንማርክን ትምርኮስ።
እቲ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጥኣ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ንስርዓተ ምክልኻል ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ዩኤስ ወሳኒት ቦታ ይገብራ፡ እቲ ማዕድናዊ ሃብታ ድማ ረብሓታት ኣሜሪካ ኣብ ምቕናስ ተጸጋዕነት ኣብ ሰደዳት ካብ ቻይና ከምዝውስኽ ገይሩዎ'ሎ።
ግሪንላንድ ዘይተተንከፈ ብርቂ ማዕድናት መሬት ኣለዋ፡ ኣብ ዋልታት ዝርከብ በረድ ኣብ ዝመኸሉን ሓደስቲ መንገድታት መራኽብ ኣብ ዝቕልቀልሉን ኣገዳሲት ተዋሳኢት ክትከውን'ያ።
ኣቀማምጣ'ታ ደሴት ብተወሳኺ ንሚሳይላት ኣብ መንጎ ሩስያን ዩናይትድ ስቴትስን ኣብ'ቲ ዝሓጸረ መንገዲ የቐምጣ።
ኣሜሪካ 'ፒቱፊክ' ዝተባህለ ወተሃደራዊ መደበራ ኣብ ግሪንላንድ ይርከብ፡ ኣብ ሰነ 2020 ድማ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ'ታ ደሴት ከፊታ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ብውሑዱ ሰለስተ ናብ ትራምፕ ቅርበት ዘለዎም ሰብ መዚ ኣሜሪካ፣ ህዝቢ ብዛዕባ ምጥንኻር ዝምድናታት ምስ ዩኤስ ከመይ ይስመዖ ንምፍላጥ ክፍትኑ'ንከለዉ ኣብ ዋና ከተማ ግሪንላንድ ኑክ ምስ ተራእዩ፣ ዴንማርክ ንሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ዩኤስ ጸዊዓ ኣዘራሪባቶ።
ብመሰረት ሓደ መልክዒ ርእይቶ ህዝቢ ናይ ወርሒ ጥሪ፣ ዝበዝሑ ደቂ ግሪንላንድ ካብ ዴንማርክ ነጻ ክወጹ ይደልዩ፣ ኣካል ዩናይትድ ስቴትስ ክኾኑ ግን ድሌት የብሎምን።
ቆራጽነት ትራምፕ ንምውራር ግሪንላንድ፣ ነታ ኣብ ኔቶ ጓል ማሕበራ ዝኾነትን ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዘካየደቶም ውግኣት ኣብ ጎድኒ ኣሜሪካ ዝተዋግአትን ዴንማርክ ኣሰንቢድዋ`ዩ፣
ኣብ ወርሒ ጥሪ፣ ኮፐንሃገን ወተሃደራዊ ህላወኣ ኣብ ዞባ ኣርክቲክ ንምጥንኻር ወይ ንምድንፋዕ ክልተ ቢልዮን ዶላር ዩኤስ ክትምድብ ምዃና ኣፍሊጣ።
ዲፕሎማስያዊ ወጥርታት ይውስኹ
ኔልሰን ካብ ግሪንላንድ ኣብ ፈይስቡክ ከም`ዚ ክብል ርእይቶ ሂቡ፥ "
Greenland's Nielsen commented on Facebook: "ሕጂ ድማ ብሓድሽ መግለጺ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንግሆና ወጊሓ`ላ።
"እዚ ዓቢይ ክመስል ይኽእል፣ ግን ንዓና ዝቕይሮ ዋላ ሓደ ነገር የለን። ዕድልና ባዕልና ኢና ንውስን።"
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዴንማርክ ላርስ ሎኪ ራስሙሰን ሶኑይ፣ ነቲ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ዑደቱ ናብ ግሪንላንድ "ሕድሕድ ምክብባር" ክህሉ ምዃኑ ቃል ዝኣተወ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኬነት ሃውሪ ጸዊዐ ከዘራርቦ`የ ኢሉ።
"ካብ ዜሮ ተበጊሱ፣ ሕጂ ፍሉይ ወኪል ፕረዚደንት ዩኤስ፣ ከም`ቲ ባዕሉ ዝበሎ፣ ንግሪንላንድ ክወርር ዕማም ዝተዋህቦ ተመስሪቱ`ሎ። እዚ ብርግጽ ፈጺሙ ዘይቅቡል`ዩ።" ክብል ራስሙሰን ንTV2 ሓቢሩ።
ዴንማርክ ነቲ ኣብ ወጥሪ ዘሎ ዝምድናኣ ምስ ግሪንላንድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክትፈትሖ ፈቲና`ያ፣ በቲ ካልእ ወገን ድማ፣ ብዛዕባ`ቲ ብቑዕ ዘይኮነ ሓለዋ ጸጥታ ዝለዓል ነቐፌታ ካብ ኣሜሪካ ንምእራም ኣብ ምክልኻል ኣርክቲክ ወፍሪ ብምግባር ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዘለዉ ወጥርታት ከተህድእ ፈቲና'ያ።
"ናይ ምሉእ ህይወት መሻርኽትና ኣብ`ዚ ኩነታት ዘእትዉና ዘለዉ ብጣዕሚ ከቢድ`ዩ፣" ክብል ፍረደሪክሰን ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።
ፕሮፈይሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገን ዝኾነ ሚከል ቨድቢ ራስሙሰን፣ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ክገልጽ'ንከሎ፡ "እዚ ተፈጢሩ ዘሎ መዝነት ዘመልክቶ ኩሉ'ቲ ገንዘብ ዴንማርክ ኣብ ግሪንላንድ ዘዋፈረቶ፡ ንምክልኻል ኣርክቲክ ብምባል፡ ከምኡ'ውን ኩሉ'ቲ ምሕዝነታዊ ነገራት ንኣሜሪካውያን ዝበልናዮም፡ ፈጺሙ ጽልዋ ከምዘይብሉ'ዩ።"
Share



