ምስ ኢራን ዝተገብረ ዝርርብ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ ዶናልድ ትራምፕ መጻብቦ ሆርሙዝ ክዕጾ ኣዚዙ።

ቴህራን ከም ቻይና ንዝኣመሰላ መሓዙት ሃገራት መራኽበን ከሕልፋ እንተፍቀደት'ኳ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ ከቲኣቶ ትርከብ።

A close up of US president Donald Trump, cast in purple lighting. His expression is quite blank, impassive.

US President Donald Trump made the blockade announcement in a lengthy tirade on social media. Source: AAP / Julia Demaree Nikhinson/AP

ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ፓኪስታን ዝገበረቶ ዝርርብ ሰላም፡ ንምህናጽ ኑክሌሳዊ መደባ ከተቋርጽ ከምዘይትደሊ ድሕሪ ምፍላጣ ን ኣመሪካ ኣቘጢዑ ፡እቲ ዝርርብ ብዘይ ስምምዕ ፈሺሉ ኣሎ። ብድሕር'ዚ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ ቀንዲ መጻብቦ ሆርሙዝ ናይ መጓዓዝያ መስመር ንኽዓግቶ ፡ ብሰንበት ንሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክዋፈር ኣዚዙ ።

ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነቲ ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ፡ ኣብቲ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ፡ ዝኾነት ትንቀሳቐስ መርከብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ምዃኑን፡ ናይ ዝዀነ ጸላኢ መርከብ በዚ መስመር ክትሓልፍ እንተፈቲና ድማ ኣብ መጻወድያ ከም ዘእትዋ ኣጠንቂቑ።

ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዘርገሖ ነዊሕ መግለጺኡ ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ነቲ ኣብቲ መጻብቦ ተተኺሉ ዝርከብ ነተጕቲ ብምጽራይ መራኽብ ንምምሕልላፍ ምኽፋት እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ኢራን ካብ ቍጽጽር እቲ ማያዊ ኣካል ክትጥቀም ክፍቀደላ የብሉን ኢሉ ።

ትራምፕ ፡ "እቲ ኣብ ዓለም እቲ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ሓይሊ ባሕሪ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ መስርሕ ዕጽዋ ክጅምርን ዝዀነ ይኹን ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምእታው ወይ ንምሕዳግ ዝግበር ጻዕሪ ብቕልጡፍ ደው ክብል እዩ" በለ ። "ኢራን ኣብ ልዕሌና ወይ ኣብ ሰላማውያን መራኽብ እንተተኩሳ፡ ብሃልሃልታ ገሃነብ ክትነድድ'ያ!"

ነቲ ኢራናዊ ልኡኽ ፓኪስታን ዝመርሐ ኣፈኛ ባይቶ ኢራን ፡ መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ካብቲ ዘተ ዝተገብረሉ ካብ ፓኪስታን ናብ ቴህራን ምስ ተመልሰ ፡ ሃገሩ ካብ ዋሽንግተን ብዝመጻ "ምፍርራሕ ከም ዘይትሰግድ" ገሊጹ ።

ቴህራን በቲ ዓለምለኻዊ ነዳዲ ዘይቲን ጋዝን ዝርከበሉ ቀንዲ መገዲ ን ከም ቻይና ዝኣመሰላ መሓዙት ሃገራት ንኺሓልፋ እንተኣፍቀደት ካልኦት መራኽብ ከይሓልፋ ትቈጻጸር ኣላ ። ቴህራን ንዝሓልፋ መራኽብ ገንዘብ ከተኽፍል መደብ ከም ዘለዋ ዝሕብር ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ኣሎ ።

ትራምፕ ፡ "እዛ ዓለማዊ መቕጻዕቲ እዩ!" በለ ። "ንሓይሊ ባሕርና ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት፡ ንኢራን ንዝኸፍላ ክቐጽዕ ኣዚዘ ኣለኹ። ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዝኸፍል ፡ ኣብ ቀንዲ ባሕሪ ውሑስ መሕለፊ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ ። ነቲ ኢራናውያን ኣብቲ መጻብቦ ዘንበርዎ ነተጕቲ እውን ከነጥፍኦ ክንጅምር ኢና "በለ ።

ሰራዊት ኣመሪካ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ ክልተ መራኽብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ በቲ መጻብቦ ኣቢለን ብምሕላፍ ነተጕቲ ክጸርጋ ከም ዝጅምራን ፡ "ውሑስ መገዲ" ንመራኽብ ከምዝፈጥራን ገሊጹ ፡ ነዚ ቴህራን ሓቅነቱ ነጺጋቶ ።

ማዕከን ዜና ኢራን ፋርስ ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ፡ ባንዴራ ፓኪስታን ሒዛ ክትሓልፍ ዝፈተነት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ክትምለስ ከም እተገብረት ሓቢሩ ።

ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ድሕሪ ምፍሻሉ ፡ ኣብቲ ዉጥረት ሰፊንዎ ዘሎ ዞባ ዳግማይ ኲናት ከይውላዕ ተሰጊኡ ይርከብ ።


2 min read

Published

Updated

Source: AFP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now