'ንኣመሪካ ናብዚ ኲናት ንምእታው ዝግበር ፈተነ': እስራኤል ንምንታይ ኣብዚ እዋን ንኢራን ተጥቅዓ'ላ ዝቕጽል ስጉምቲ'ኸ እንታይ እዩ፧

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ ፡ ነቲ ውግእ ከተዕርጎን ንምቕጻልን ክትዳሎ ከም ከምዝጸንሐት ክኢላታት ይሕብሩ ።

People looking through the rubble of buildings which have been badly damaged.

Israel has launched its biggest ever attack on Iran, killing nearly 80 people. Source: Getty / Majid Saeedi

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ፡ እስራኤል ኣብታ ሃገር ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ተመራመርቲ ኑክልየስን ዝርከብዎም ኣስታት 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ፡ ሃገሩ ምስ እስራኤል ኣብ ውግእ ከም ዘላ ገሊጹ እዩ ።

ኢራን ንመጥቃዕቲ እስራኤል ምላሽ ሂባትሉ እያ ፣ ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሚሳይላት ብምውንጫፍ ፡ ንሓደ ሰብ ቀቲሉ ንብዙሓት ሰባት እኳ እንተ ኣቝሰለ ፡ መብዛሕትኡ ግና ከምዝፈሸለ ብምግላጽ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ እቲ እስራኤል ትገብሮ መጥቃዕቲ "ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ክቕጽል እዩ።" ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ክልቲአን ሃገራት እቲ መጥቃዕቲ ካብ ምጅማር ሚሳይላት ካብ ምውንጫፍ ኣየቋረጻን ። ናይ ኢራን ቲቪ ብቐዳም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ፡ 20 ቈልዑ ዝርከብዎም ኣስታት 60 ሰባት ከም እተቐትሉ ሓቢሩ ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ክልተ ሰባት ብቐዳም ብሚሳይል ኣብ ዉሽጢ እስራኤል ተቐቲሎም እዮም ።
ክልቲአን ሓይልታት ማእከላይ ምብራቕ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓድሕደን ክታኾሳ ጸኒሐን እየን ፣ እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፉ ወተሃደራት ሓማስን ዝነበረ ውግእ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ ።
እቲ ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ዝነውሐን ኣዚዩ ኣጽናትን ክኸውን ከምዝኽእል ኪኢላታት ይትንበዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሊንደርስ ላዕለወይቲ መምህር ኣህጉራዊ ርክባት ዝዀነት ዶክተር ጀሲካ ገንወር ን SBS ዜና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኢራን መጥቃዕቲ ኽሳእ ዝቐጸለት ፡ ኢራን ግብረ መልሲ ንምሃብ ከም እትቕጽሎ ገሊጻ ።
"እቲ ሕቶ እዚ ኵነታት እዚ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ እዩ ዝቕጽል: ክሳብ ክንደይ ክውስኽን ዝብል እዩ" በለት ።

ንምንታይ እያ ግን እስራኤል ኣብዚ እዋን ን ኢራን ተጥቅዓ ዘላ፧

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ናታንያሁ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፡ ኢራን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ትሃንጽ ከም ዘላ ድሕሪ ምግላጹ ፡ እስራኤል ነቲ "ንህላወ እስራኤል ዘስግእ" ዝበሎ ኑክሌሳዊ መሳለጥያታት ንምዕናው ኢላ ንኢራን ከም ተጥቅዓ ገሊጹ ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝከታተል ኣካል ኣብዚ ሰሙን "ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኢራን ኣብ ትሕቲ" ቲ ብደረጃ ዓለም ዘይሻራዊ ውዕል ዘለዋ ግዴታታት ትጥሕስ ከም ዘላ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ኣካል ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ከምዚ ዓይነት ክሲ ክምስርት ንፈለማ ግዜ እዩ ተባሂሉ ኣሎ ።
Paramedics wearing helmets carry a stretcher through debris
Israeli authorities said dozens were injured in Iran's retaliatory strikes on Jerusalem and Tel Aviv. Israel and Iran are essentially at war, and the conflict could continue for some time, experts say. Source: Getty / picture alliance/dpa
ኢራን ፡ካብ ሲቪላዊ ዕላማታት ወጻኢ ንዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይትሃንጽ ብምግላጽ እቲ ዩራንየም ዘሀብትም መደብ ከምዘለዋ ትኽሕድ። ነቲ እስራኤል፡ ኢራን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ብሕቡእ ተማዕብል ኣላ ዝብል ክሲ ክትነጽጎ እያ ጸኒሓ ።
ጌናወር ከምትብሎ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርባት ከም ዝሎን ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኢራን ብዙሕ ርክብ ንምግባር ከም ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ከምዝደሊ ገሊጹ፡ ምናልባት'ውን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ከም ዘልዕልን ኑክልየሳዊ ምምሕያሽ ከምጽእ ከም ዝፈቐደን ፡ እዚ መጥቃዕቲ እዚ ኣብዚ እዋን ንኽፍጸም እውን ጽልዋ ከም ዝህልዎ ገሊጻ ።
"ኣመሪካ ምስ ኢራን ቀጥታዊ ዝርርብ ተካይድ ምህላዋ ፡ ምስቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ቅቡል ከም ዘይነበረ እየ ዝሓስብ ።
"እስራኤላውያን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ምቅርራብ ንረብሓኦም ከምዘይኮነ ስለ ዝፈልጡ ዘሰከፎም ይመስል። ፡ ኢራን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተገሊላ ክትቅጽል እዩ ድልየቶም ።"
ጌናወር ወሲኻ ፡ እስራኤል ኣብዚ ግዜ እዚ ንኢራን ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ድኽምቲ ገይራ ገምጊማታ ስለዘላ ፡ ብዝያዳ ኸተዳኽማ ከም እትደሊ ዘመልክት እዩ።

An explosion is seen during a missile attack in Tel Aviv
Footage from central Tel Aviv showed fire and smoke rising from a condo tower. Source: AP / Tomer Neuberg
ኢራን ገንዘብን ዕጥቂ ናይ ውክልና ንዝዋጉኡላ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ጉጅለ ሚሊሻ ሕዝቦላህ ፡ ሓማስ ኣብ ጋዛን ካልኦት ኣብ ሶርያን ዝርከቡ ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም ብእስራኤል "መሽሚሾምን ብኸቢድ ተዳኺሞምን" ከም ዝዀኑ ፡ ጌናወር ኣብሪሃ ።
"ኢራን ብኸቢድ ተሃስያ ከምዘላ ንርኢ ኣለና ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ወይ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረላ ወተሃደራዊ ልዕልና ከምዘይብላ ተርኢ ኣላ ።
"እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ግዜ ኣብ መወዳእታ ክብጻሕ ዝከኣለሉ ምኽንያት ፡ በንጃሚን ነታንያሁ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ኣብ ዘቤታዊ ኵነታት እስራኤል ብዙሕ ዘይፍቶን ተቓዉሞታት ከም ዘጋጥሞ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ ።"

ኣመሪካ ኣብዚ ኩነታት እንታይ ተራ እዩ ዘለዋ?

ትራምፕ ፡ እስራኤል ኣቐዲማ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነገረቶ እኳ እንተ ገለጸ ፡ ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ግና ኣብቲ ጕዳይ ከም ዘይተሳተፈት ገሊጹ ኣሎ ።
A firetruck parked next to bombed out cars and buildings surrounded by rubble
Israel launched dozens of strikes on Iranian cities and nuclear facilities, which Iran has since responded to. Source: AAP / Abedin Taherkenareh
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዴኪን ፕሮፌሰር ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ማእከላይ እስያን ዝዀነ ሻህራም ኣክባርዛደህ ን SBS ኒውስ ከምዘብርሃሉ፡ እስራኤል ፡ "ግጭት ብምብጋስ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብቲ ውግእ ንምጕታትን ትጽዕር ኣላ" ኢሉ ።
"እስራኤል ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ወተሃደራዊ ዓቕሚ እተወሰነ ደረት ከም ዘለዎን ንኑክልየሳዊ መደብ ኢራን ምሉእ ብምሉእ ኸተዕንዎ ከም ዘይትኽእልን ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ ።"
እስራኤል ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማኣ ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብን ብዙሕ እተዓርደን ህንጻ ፎርዶ መሀብተሚ ዩራንየም ንምዕማው ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምትገብር ሓቢራ እያ ።
"እስራኤል ነዚ ክትድምስሶ እኳ እንተ ዘይከኣለት ፡ ንገሊኡ መሳለጥያታት ግና ክትጎድኦ ትኽእል እያ ፣ ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብቲ ግጭት ዘእቱ ኩነታት እውን ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም" በለ ።
" ምስትቲ ግጭት ተተሓሒዙ ኣመሪካ ፡ ኣብ ኢራን ገለ ዓበይቲ ለውጥታት ናይ ምምጻእ ጽቡቕ ዕድል ኣሎ ።"
ማዕከናት ዜና ኢራን ብቐዳም ኣብ ዝዘርግሕኦ ጸብጻብ ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንእተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብል እንተ ሓጊዘን ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ መደበራተንን መራኽበንን ዒላማ ክዀና ምዃነን ንኣመሪካ ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ከም ዘጠንቀቐት ሓቢረን ።
አክባርዛደህ ከምዘብርሆ፡ ኣመሪካ ናብቲ ግጭት ንምእታው ድሕር ሕር ትብል እያ ዘላ ፡ እንተኾነ እቲ መትከሉ ዝቐያይር ምምሕዳር ትራምፕ እውን እንተኾነ ነቲ ኣመሪካ ን እስራኤል ዝጣበቕ ፖሊሲ ኣይቀየሮን ዘሎ።
ጌናወር ከምትብሎ ድማ ፡ ትራምፕ ኣብቲ ግጭት ንኣመሪካ ካብ ምእታው ድሕር ከም ዝብልን ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ዝለዓለ ከይዓርግ ብግልጺ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ከም ዘይድግፎን ተዛሪቡ ።
Smoke and light rises against a black night sky
Israel says it has launched strikes against Iran's capital city Tehran. Source: AAP / Vahid Salemi/AP
"እቲ ግጭት ካብ ሓደ ዉሱን ሕንጻጽ እንተድኣ ሰጊሩ ግን ፡ ኢራን ድማ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣመሪካ መደበራት መጥቃዕቲ እንተ ፈጺማ ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊኢኡ ኣብ ዉሽጢ ኣመሪካ ተላዒሉ ዘሎ ዘይዕጉብነት ማእዝን ንምጥዋይ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ክህበሉ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኢራን እንተ ፈጺማ ግብረ መልሲ ምሃቡ ኣይተርፍን እዩ።" ኢላ ።
ኣመሪካ ኣብ መላእ ባሕሬን ፡ ቀጠር ፡ ዒራቕን ሶርያን ወተሃደራዊ መደበራት ኣለዋ ።

ቀጺሉ ክመጽእ ዝኽእል እንታ እዩ?

ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ከም ዝወቓቐዑ ገሊጾም እዮም ።
አክባርዛደህ "ኢራን ኣብ እስራኤል ሚሳይላት ናይ ምውንጫፍ ተኽእሎ ኣለዋ ፡ ኣብዚ ህሞት እዚ ድማ ኩሉ ኢራን ክትገብሮ እትኽእል እዩ ። ንኢራን ካልእ ኣማራጺታት ክፉት ኣይኮነን "ትብል ።
ንሱ ከምዝበሎ ፡ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ መሓዙት ኢራን ሚሊሻታት ሽዓ ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወይ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ንብረት ኣመሪካ ክሳተፉን መጥቃዕቲ ክፍጽሙን ከምዝኽእሉ ፡ እንተኾነ ግን እቶም ካልኦት መሻርኽቲ ኢራን ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከበርኽዎ ከምዘይክእሉ እዩ ።
አክራዛደህ ኣብ ኢራን ኑክልየሳዊ ቦምብ ክምዕብል ከም ዘለዎ ዝማጐቱ ብዙሓት ድምጽታት ክህልዉ እዮም: እዚ ድማ እስራኤል መጥቃዕቲ ንኸይፍኑ ዕንቅፋት ክኸውን እዩ ኢሉ ።
ጌናወር ከምትበሎ ፡ እስራኤል ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነቲ ግጭት ንምግዳድ ውጥን ኣለዋ ድዩ የሎን ንጹር ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ናይ የማናይ ክንፊ መንግስቲ ድማ ንኢራን ክሳብ እቲ ስርዓት ዝዕሎ ብቐጻሊ ከጥቅዓ ይኽእል እዩ ።
ነታንያሁ ኣብቲ እስራኤላውያን ተቓለስቲ ንኑክሌሳዊ መሳለጥያታትን ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ኢራን ክሃርም ድሕሪ ምጅማሩ ነዊሕ ኸይጸንሐ ብቪድዮ ዝተሰነየ ኣብዝሃቦ መግለጺ ፡ ኢራናውያን ተንሲኦም ሓርነቶም ዝረኽብሉ ነዊሕ ከምዘይኮነ ብቐጥታ ንህዝቢ ኢራን መልእኽቱ ሰዲዱ እዩ።
"እዚ ሎሚ ኣብ እስራኤል ዘሎ መንግስቲ ኣብ ኢራን ስርዓት ንምልዋጥ ዕላማኡ እንተኾይኑ ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ቦታ ዝካየድ ዘሎ ቀጥታዊ ግጭት ፡ ናብ ናይ ነዊሕ እዋን ወይ መቐጸልታ ናይዚ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክሳብ ናይ ነዊሕ እዋን ዝቕጽል እዩ ፡ እብል" ትብል ጌናወር ።

— ጽብጻብ ካብ Reuters ተወሲኽዎ እዩ።.


Share

Published

By Madeleine Wedesweiler
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service