ትዊተር ናይ ኢትዮጵያዊያንን ፡ ኤርትራዊያንን ብ#NoMore ዝጉስጉስ ናይ ተቓዉሞ ሕሳባት ኣደስኪልዎ።

ትዊተር ነቲ ነዚ ናይ #Nomore ሃሽታግ ዘንቀለ ናይ ኤርትራዊ ስምኦን ተስፋማርያም ናይ ትዊተር ሕሳቡ ዓጽይዎ ኣሎ ።

News

Source: Twitter

ብሰኑይ ፡ ትዊተር ነቲ ሓያሎ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝድግፍዎም ካልኦት ጕጅለታትን ዝጉስጉሱ ሕሳባት (accounts) ከምዘደስከሎ ገሊጹ።

እቲ ብትዊተር ክግበር ዝጸንሐ ጎስጓስ '#ኖሞር" ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝገብርዎ ነገር ዝድግፍ ኮይኑ ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጻር ትግራዎት ሓደገኛ ዝኾነ ዓመጽን ጽልእን ጅምላዊ ምጽናትን ዝትርኽ ሓሳብ ከምዘለዎ እቲ ዜና ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ እዋን እውን ፡ እዚ ጎስጓስ ፡ ኣንጻር ምዕራብ ዝግበር ወፍሪ #ኖሞረ ሓሽታግ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብቶም ካብ ትዊተር ክድስክሉ ዝተገብሩ ገጻት ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃብ እዩ ፣ እቲ ገጽ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝጀመረ ኰይኑ ፡ 18.8 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለውዎ ኰይኑ ፡ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሓሶትን ቀታልን ሓሳብ ይነዝሕ ኣሎ ፡" እዚ ን ኢትዮጵያ ፡ ሶማል ፡ ኤርትራ ፡ ጅቡቲ ፡ "ከምኡውን ካልእ ከም ዝዀነ ይገልጽ ።"

እቲ ገጽ ኣብ ናይ # ኖሞረ ሓሽታግ ጎስጓስ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎ ፣ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራትን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝዓስልዎ ጌሩ'ዩ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፃፀረ ናይ ጽልኢ መልእኽትታት ብምዝርጋሕ እውን ይኽሰስ እዩ: "ንተጋሩ ምጥፋእ ማለት ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ፀገማት ናይ መወዳእታ መፍትሒ" ምዃኑ ብምግላጽ ናይ ጽልኢ መልእኽቲ ከሕልፍ ጸኒሑ እዩ ብምባል ትዊተር ነቶም ኣብዚ ዝሳተፉ ናይ ትዊተር ኣካውንቶም ከደስክሎ ምውሳኑ እቲ ዜና ገሊጹ።

hashtag #NoMore ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ መላእ ዓለም ሃገራትን ፡ ልዕሊ 30 ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ እዩ ። እቶም ሰልፍታት ፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያን ንኤርትራን ማዕቀብ ምግባር ደው ከተብልን ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ናይ ትግራይ ፈጺምዎ ዝበሃል ገበናት ምንቃፍ ደው ከተብልን ሓቲቶም ። እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ፡ ና ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ከቢድ ግፍዒ ብምቅላዕ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ጃምላዊ ህልቂት ፡ ጥሜትን ጾታዊ ዓመጽን ኣጽዋር ውግእን ዓሌታዊ ምጽራይን ብምባል ብምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሃን ዘቃልዕ ኦ ነተን መዲያታት እቲ ሰልፊታት ኮኒኑ እዩ ።

ናይ ኤርትራዊ ስምኦን ተስፋማርያም ናይ ትዊተር ሕሳቡ ተዓጽዩ ኣሎ ። ስምኦን ተስፋማርያም ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ መንግስቲ ኤርትራ ቀንዲ ሰላዪ ምዃኑ ብብዙሓት ኤርትራውያን ይርአ እዩ ። ፈጻሚ ዳይረክተር ትካል ኒው ኣፍሪቃን ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ ናይ Horn of Africa Hub ገጽን እውን እዩ ።

እቲ ናቱ ገጽ ፡ ልዕሊ 36,800 ሰዓብቲ ኣለዉዎ።

ትዊተር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቝጸር ገጻት ፕሮፓጋንዳ ዘመሓላልፎ ሓደገኛ መልእኽትታት ዘመሓላልፉ ኣውሪዱ እዩ ።

 

 


Share

Published

Updated

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ትዊተር ናይ ኢትዮጵያዊያንን ፡ ኤርትራዊያንን ብ#NoMore ዝጉስጉስ ናይ ተቓዉሞ ሕሳባት ኣደስኪልዎ። | SBS Tigrinya