ኣብ ጀርመን ሓንቲ መኪና ናብ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ተዘዊራ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም።

ፖሊስ ከምዝሕብሮ ፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣሎ ፡ ሓደ መራሕ መኪና ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ኣብ ዝርከብ እኩብ ህዝቢ ብመኪና እናዘወረ ድሕሪ ምጥሓሱ ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ሞይቶም ።

Police officers stand next to a damaged vehicle.

A car has struck people in the western German city of Mannheim, leaving two dead, authorities say. Source: AP / Boris Roessler

ኣብ ምዕራብ ጀርመናዊት ከተማ ማንሃይም፡ ሓንቲ ማኪና ናብ ብዙሓት ሰባት ሰንጢቓ ብምእታው ፡ እንተ ወሓደ ክልተ ሰባት ቀቲላን ንሓያሎ ካልኦት ኣቝሲላን ፣ እዚ ዝኾነ ኣብቲ ቦታ ናይ ካርኒባል በዓል ዝካየደሉ ዝነበረን ጸጥታ ንምሕላው ፖሊስ ተዋፊርሉን ዝነበረ እዩ ።

ድሕረ ባይታ:  እቲ ጥርጡር ፡ ካብ ጐረቤት ግዝኣት ሮነላንድ ፓላቲኔት ዝመጸ ኮይኑ ፡ ብፖለቲካዊ ኰነ ብሃይማኖታዊ ድርኺት ዘይመስል ወዲ 40 ዓመት ጀርመናዊ ምዃኑ ፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም ።

ፖሊስ ነቲ መራሕ ማኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎ: ነቲ ሓደጋ በይኑ ከም ዝገበሮ ሓቢሩ ።

ኣብ ጀርመን ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዘጋጠመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ፡ ድሕንነት ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ። ገለ ካብኡ ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ማግደበርግ ፡ ኣብ ሙኒኽ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ቀታሊ ናይ ማኪና ሓደጋን ኣብ ግንቦት 2024 ዘጋጠመ ሓደጋን እዩ ።


1 min read

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now