News in Brief

ኣብ ጀርመን ሓንቲ መኪና ናብ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ተዘዊራ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም።

ፖሊስ ከምዝሕብሮ ፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣሎ ፡ ሓደ መራሕ መኪና ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ኣብ ዝርከብ እኩብ ህዝቢ ብመኪና እናዘወረ ድሕሪ ምጥሓሱ ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ሞይቶም ።

Police officers stand next to a damaged vehicle.

A car has struck people in the western German city of Mannheim, leaving two dead, authorities say. Source: AP / Boris Roessler

ኣብ ምዕራብ ጀርመናዊት ከተማ ማንሃይም፡ ሓንቲ ማኪና ናብ ብዙሓት ሰባት ሰንጢቓ ብምእታው ፡ እንተ ወሓደ ክልተ ሰባት ቀቲላን ንሓያሎ ካልኦት ኣቝሲላን ፣ እዚ ዝኾነ ኣብቲ ቦታ ናይ ካርኒባል በዓል ዝካየደሉ ዝነበረን ጸጥታ ንምሕላው ፖሊስ ተዋፊርሉን ዝነበረ እዩ ።

ድሕረ ባይታ:  እቲ ጥርጡር ፡ ካብ ጐረቤት ግዝኣት ሮነላንድ ፓላቲኔት ዝመጸ ኮይኑ ፡ ብፖለቲካዊ ኰነ ብሃይማኖታዊ ድርኺት ዘይመስል ወዲ 40 ዓመት ጀርመናዊ ምዃኑ ፡ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም ።
ፖሊስ ነቲ መራሕ ማኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎ: ነቲ ሓደጋ በይኑ ከም ዝገበሮ ሓቢሩ ።

ኣብ ጀርመን ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዘጋጠመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ፡ ድሕንነት ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ። ገለ ካብኡ ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ማግደበርግ ፡ ኣብ ሙኒኽ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ቀታሊ ናይ ማኪና ሓደጋን ኣብ ግንቦት 2024 ዘጋጠመ ሓደጋን እዩ ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service