ብሓፍታ ተቐቲላ ዝተረኽበት፡ ዛጊት ብዛዕባ ናይ ክልተ ኣሓት ነበርቲ መልበርን ፍጻመ ሓደጋ ተፈሊጡ ዘሎ ኩነታት

ኣብ መልበርን ሓንቲ መንእሰይ ብዘሰክሕ ናይ ሓደጋ ማኪና ሞይታ: ንእሽቶ ሓብታ ከም ዝቐተለት ተኸሲሳ ትርከብ ። ብዛዕባ እቲ ንስድራ ቤት ሉክ ዘጋጠሞም ዘሕዝን ፍጻመ ዛጊት ተፈሊጡ ዘሎ ኩነታት እዚ ዝስዕብ'ዩ ።

Two women pose for a selfie

ኣስያይ ሉክ (ጸጋም) ብቕትለት ሓፍታ ተኸሲሳ, ጎል (የማን) ኣብ ምዕራብ መልበርን ሓደጋ መኪና ዘጋጠማ Source: Supplied / John Garang Kon

ቀንዲ ነጥቢታት
  • መራሕቲ ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ እቲ ንኽልተ ኣሓት ዘጋጠመን ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ መልበርን ኣብ ሓዘን ንዘለዉ ስድራቤቶም ይድግፉ ኣለዉ ።
  • ጎል ሉክ ብሰኑይ ብ ማኪናኣ ሓደጋ ምስተረግጸት ፡ ብኽልተ ማካይን ተረጋጊጻ ሞተት ።
  • ኣስያ ሓብታ ነታ ማኪና ከም ዝዘወረታ እዩ ዝንገር ።
ኣብ መልበርን ዝነብሩ ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳን ፡ ሓንቲ ጓል ብሓደ ዘስካሕክሕ ናይ ማኪና ሓደጋ ምስ ሞተት ፡ ኣዝዮም ኣብ ጭንቀት ኣትዮም ይርከቡ። ሓብታ ንመዋቲት ብድሕሪ እቲ መንኰርኰር ከም ዝነበረት እዩ ዝንገር ።
መራሕቲ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሞት ናይ ሓደ ዘፍቅርዋ ሰብ ኣብ ሓዘን ዘሕለፍዎ ግዜ በቲ ሕጋዊ መስርሕ ናይ ካልእ ሰብ ኣብ ጭንቂ ምእታዎም ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ "ክትሓስቦ ዘጸግም" ኢሎም ገሊጾሞ ኣለዉ ።
ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ፡ እታ ኣደ እንታይ ግብረ መልሲ ከም ዝሃበትን እቲ ኣብ መልበርን ዝነብር ማሕበረሰብ ነታ ስድራ ንምሕጋዝ እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ክሳዕ ሕጂ እንፈልጦ ነገር ኣሎ ።

ብዛዕባዚ እንታይ ዝፍለጥ ኣሎ?

ጓል 24 ዓመት ዝዀነት ጎል (ወይ ኣኖግ) ሉክ ፡ ብ ሓንቲ ትሽክርከር ዝነበረት ማኪና ተጨፍሊቓ ምስሞተት ፣ ኣብ ምዕራብ መልበርን ኣብ ዝትርከብ ሱንሻይን ብክልተ ማካይን ተረጊጻ ።
ፖሊስ ከምዝገለጾ፡ ኣስያ ዝስማ ኃብታ ንጎል ፡ ሰኑይ ሰዓት 3 ድ.ቐ. ብድሕሪ መንኰርኰር እታ ዝረገጸት ማኪና ከም ዝነበረት እዩ ዝገልጽ ።
Woman with curly hair and grey singlet takes selfie.
ኣስያይ ሉክ, 22, ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ መልበርን ኩነታዊ ዋሕስ ተፈቒድዋ ኣሎ። Source: Facebook / Asyai Luk
ኣስያዪ ፡ ሞት ዘስዓበ ብሓደገኛ ምዝውዋር ማኪና ተኸሲሳ ፣ ብተወኣኺ ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ደው ብዘምባልን ዘይምድጋፍን እውን ተኸሲሳ።
ብሰሉስ ምሸት ኣብ ቤት ፍርዲ ሜልቦርን ምስቅድመ ኩነቱ ናይ ዋሕስ መሰል ተፈቕደላ ።
ገለ ካብቲ ቅድመኵነታት ፡ ምስ ኣዲኣ ምንባር ፡ ማኪና ምዝዋር ኣይፍቀድን ፡ ከምኡውን ምስ ዝዀነ ይኹን መሰኻኽር ኽትራኸብ ኣይትኽእልን እያ ፣ ንኣብነት ፡ ኣብ ግዜ እቲ ሓደጋ ኣብ ማኪና ምስኣ ዝነበረት ዘመዳ ኽትራኸብ ኣይትኽእልን እያ ።
ጎል ተምሃሪት ፋሽን እኳ እንተ ነበረት ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት ምስ መራሒ ማሕበረሰብን ጠበቓን ደቡብ ሱዳን ጆን ጋራንግ ኮን ተራኺባ ፡ ኣብ ሕጊ ሞያ ክትመሃር ወሲና ኔራ ።
"ሓደ እዋን ምስኣ ተራኺበ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወታ ክትገብሮ እትደሊ ነገራት ኣዘራረብክዋ፡ ጠበቓ ክትከውን ከም እትደሊ ገሊጻትለይ።" ክብል ሚስተር ኮን ን SBS ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ።
Two girls with long black hair sit side by side.
ኣስያይ (ጸጋም) ን ጎል (የማን) ጥቡቕ ሕውነት ከምዝነበረን ኣዴአን ትገልጽ። Source: Facebook / Anong Luk

ስድራ ቤተን እንታይ ይብሉ?

ኣደ ኣስያይን ጎልን ዝኾነት፡ ኣለዛ ጊዊት ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ምስ ሰምዐት ፡ ልባ "ዳርጋ ኣቋሪጻ" ከምዝነበረት ገሊጻ ።
"ልበይ ተሰይሩ ። ንሳ ብሰሉስ ንቻነል ናይን ገሊጻ: - "ነቲ ኩነታት ከሰላስሎ ኣይክእልን እየ ።
"[ጎል] ኣብ ስራሕ ኣብ ዝህልወሉ እዋን እውን ከይተረፈ ፡ 'ማማ ፡ አፍቅረኪ እየ" እናበለት ወትሩ ብዛዕባይ ትሓስብን ትከናኸነኒ ነበረት። "
ሚስተር ኮን ከምዝገልጾ፡ እታ ስድራ ቤት "ኣዝያ ኣብ ዓሙኢቕ ስምባደ እያ ኣትያ ፣" ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ ንምስልሳል ዘጸግም ኩነታት ኣጋጠማ ።
"እቲ ኵነታት ፈጺሙ ዘይመስል እዩ ነይሩ ፣ እቲ ኣጋጣሚ ዳርጋ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤትን ንማሕበረሰብን ኣሰምቢዱ እዩ" በለ ።
"ዓብዪ ስድራ" ከም ዝዀኑን ክድግፎም ከም ዝጽዕርን ድማ ገለጸ ።

እታ ስድራ ብኸመይ እያ ትሕገዝ ዘላ?

ሚስተር ኮን ንስድራቤቶም ምስ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጎል ዝተሓሓዝ ወጻኢታት ንምሽፋን ፡ ብሓሙስ ናይ GoFundME ከፊቱ ኣሎ።
ንሱ $10,000 ዶላር ክርከብ እዩ ዕላማኡ ፡ እዚ ድማ ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳንን እቶም ዝሰፍሐ ህዝቢ ኣውስትራልያን ነቶም ኣብ ሓዘን ዘለዉን ዓቢ ቤተሰብን ደገፎም ክህቡ ተስፋ ይገብር ።
ብመሰረት እቲ ብ2021 እተገብረ ቘጸራ ህዝቢ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ 8,000 ኣብ ደቡብ ሱዳን እተወለዱ ሰባት ኣለዉ ፣ ልዕሊ ሲሶ ካባታቶም ድማ ኣብ ቪክቶርያ ይነብሩ ኣለዉ ።
ሞት ሓንቲ መንእሰይ ከምኡውን ገበናዊ ክስታት ናይ ካልእ ጓል ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ማሕበረሰቦም ርሕራሐ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ።
"እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ዉሽጢ ሓንቲ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ዝምልከት ስለ ዝዀነ ፡ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጕዳይ እዩ ። እዛ ስድራ ቤት ነዚ ኵነታት እዚ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ ፡ ስምዒታዊ ደገፍ ኽንገብረሎም ኣሎና "በለ ።
ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ማሕበረሰብ መራሒ ንዮክ ጎር እቲ ማሕበረሰብ ነቲ "ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት" ኢሉ ዝገለፆ ንድሕሪት ተመሊሱ ይርእዮ ኣሎ ።
"ነዛ ስድራ ቤት ሓዘነይ እገልጽ ። ማሕበረሰብ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ እዋን ኣብ ሓዘን እዩ ዘሎ ። እዚ ከኣ እቲ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኵነታት እዩ ዘሎ: ህይወት ብዙሓት መንእሰያት ይጠፍእ: ብዙሕ ብድሆታት እውን የጋጥሞም እዩ ዘሎ "በለ ።

Share

Published

Updated

By Rayane Tamer
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ብሓፍታ ተቐቲላ ዝተረኽበት፡ ዛጊት ብዛዕባ ናይ ክልተ ኣሓት ነበርቲ መልበርን ፍጻመ ሓደጋ ተፈሊጡ ዘሎ ኩነታት | SBS Tigrinya