SKIP TO MAIN CONTENT

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ሃ. ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ዝጽውዕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ቻይና ፡ ቨነዝዌላን ኤርትራን ዘቕረባኦ ሓያሎ ምምሕያሽ ፡ እንተላይ ነቲ ንሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዘወግድ ወሳነ ፡ እቲ ባይቶ ብናይ ውልቃዊ ሕድሕድ ተነጺጉ።

 Human Rights Council
the Human Rights Council. Source: AAP

2 min read

Published

Source: Reuters, SBS


Skip to article content

ቤት ምኽሪ መሰላት ዉ.ሕ.መ. ብሰሉስ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ዘለዎ ዓሚቕ ሻቕሎት ዝገልጽ ንድፊ ኣጽዲቑ። እቲ "ነቲ ግጭት የጋድዶ እዩ ዘሎ" ዝበሎ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍ ክወጽእ ጸዊዑ ። ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

 ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ኲናት፡ ንኣስታት 2 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ ኣባይቶም ክፈናቐሉን ን400,000 ዝዀኑ ሰባት ብጥሜት ኽሳቐዩን ኣገዲድዎም እዩ ።

 ኣብ ጄኔቫ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣምባሳደር ሎተቴ ኖርዲን ነቲ ውሳነ ዘቕረበ ከምዝበሎ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ዘሰክፍ እዩ" ኢሉ ። "ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ኵነታት እዚ ፍታሕ ክህበሉ ግቡእ እዩ ።"

 እቲ ናይ ኣውሮጳ እማመ፡ 20 ሃገራት ናይ ደገፍ  ድምጺ ብምሃብ ፡ 14 ኣንጻር ከምኡድማ 13 ናይ ተዓቅቦ ድምጺ ብምሃብ  ጸዲቑ ኣሎ።

ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኤርትራ ነቲ ውሳኔ ነጺጋቶ ።  ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣለዋ ዝብል ካብ ቀንዲ ጠለብ መራሕቲ ትግራይ ዝርርብ ምቁራጽ ተኹሲ እዩ ። ኤርትራ መግሃስቲ መሰላት ከምተፈጸመ ትነጽግ ።

 ኣብዚ እዋን እዚ ካብቶም 47 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ዘይኮነት ናይ ኢትዮጵያ ልኡኻ ነቲ ውሳነ ብንጹር ከም ዝነጸገቶ ገሊጹ።

 ኣምባሳደር ማህሌት ሃይሉ ጓደይ: ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመ ኮምሽን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት መሰላት ዘቕረቦ መርማሪ ኮምሽን ኣመልኪታ: "እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ኣብ መደምደምታኡ ጽልዋ ንምግባር ሓሊኑ ዝወጸ ነቲ ናይ ሓባር መርመራ ንምግባር ዝሕሰብ ዘዋድቕ  እዩ" ኢላ።

  ቻይና ፡ ቨነዝዌላን ኤርትራን ዘቕረባኦ ሓያሎ ምምሕያሽ ፡ እንተላይ ነቲ ንሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዘወግድ ወሳነ ፡ እቲ ባይቶ ብናይ ውልቃዊ ሕድሕድ ተነጺጉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now