ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ሃ. ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ዝጽውዕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ቻይና ፡ ቨነዝዌላን ኤርትራን ዘቕረባኦ ሓያሎ ምምሕያሽ ፡ እንተላይ ነቲ ንሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዘወግድ ወሳነ ፡ እቲ ባይቶ ብናይ ውልቃዊ ሕድሕድ ተነጺጉ።

 Human Rights Council

the Human Rights Council. Source: AAP

ቤት ምኽሪ መሰላት ዉ.ሕ.መ. ብሰሉስ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ዘለዎ ዓሚቕ ሻቕሎት ዝገልጽ ንድፊ ኣጽዲቑ። እቲ "ነቲ ግጭት የጋድዶ እዩ ዘሎ" ዝበሎ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍ ክወጽእ ጸዊዑ ። ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

 ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ኲናት፡ ንኣስታት 2 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ ኣባይቶም ክፈናቐሉን ን400,000 ዝዀኑ ሰባት ብጥሜት ኽሳቐዩን ኣገዲድዎም እዩ ።

 ኣብ ጄኔቫ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣምባሳደር ሎተቴ ኖርዲን ነቲ ውሳነ ዘቕረበ ከምዝበሎ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ተግባር ዘሰክፍ እዩ" ኢሉ ። "ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ኵነታት እዚ ፍታሕ ክህበሉ ግቡእ እዩ ።"

 እቲ ናይ ኣውሮጳ እማመ፡ 20 ሃገራት ናይ ደገፍ  ድምጺ ብምሃብ ፡ 14 ኣንጻር ከምኡድማ 13 ናይ ተዓቅቦ ድምጺ ብምሃብ  ጸዲቑ ኣሎ።

ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኤርትራ ነቲ ውሳኔ ነጺጋቶ ።  ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣለዋ ዝብል ካብ ቀንዲ ጠለብ መራሕቲ ትግራይ ዝርርብ ምቁራጽ ተኹሲ እዩ ። ኤርትራ መግሃስቲ መሰላት ከምተፈጸመ ትነጽግ ።

 ኣብዚ እዋን እዚ ካብቶም 47 ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ዘይኮነት ናይ ኢትዮጵያ ልኡኻ ነቲ ውሳነ ብንጹር ከም ዝነጸገቶ ገሊጹ።

 ኣምባሳደር ማህሌት ሃይሉ ጓደይ: ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመ ኮምሽን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግህሰት መሰላት ዘቕረቦ መርማሪ ኮምሽን ኣመልኪታ: "እዚ ውሳነ እዚ ነቲ ኣብ መደምደምታኡ ጽልዋ ንምግባር ሓሊኑ ዝወጸ ነቲ ናይ ሓባር መርመራ ንምግባር ዝሕሰብ ዘዋድቕ  እዩ" ኢላ።

  ቻይና ፡ ቨነዝዌላን ኤርትራን ዘቕረባኦ ሓያሎ ምምሕያሽ ፡ እንተላይ ነቲ ንሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ዘወግድ ወሳነ ፡ እቲ ባይቶ ብናይ ውልቃዊ ሕድሕድ ተነጺጉ።


Share

Published

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service