ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ "ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ኣለዎም ፣ ቅድሚ ከምዚ ዕንወት ምፍጻሞም ነዚ ተግባር ክፍጽሙ ክፍቀደሎም ኣይነበሮን" ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ረዲኤት ሓላፊ ማርክ ሎውኮክ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ'ውን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንህጹጽ ክወጹ ከምዝጸወዐ፡ ኣፈኛ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ብሓሙስ ገሊጹ ።
ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ሰብ መዚ ናይ ክልል ትግራይ፡ ኤርትራውያን ወተሃደራት ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ዝገልጽ ብዙሕ ጸብጻባትን ለበዋታትን እኳ እንተቕረቡ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝ ኣተዉ ክክሕዱ እዮም ጸኒሖም።
ሎውኮክ "ሕጂ ንዅሉ ንጹር ኮይኑ ዘሎ: ሰበ-ስልጣን ናይቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምምሕዳር መንግስቲ: ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ መላእ ትግራይ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ብጋህዲ ተኣሚኖም እዮም" ኢሉ ። "ብዙሕ ግህሰት ከም ተፈጸመ ዳም ማእለያ ዘይብሉ ጸብጻባት: ቀሪቡ ኣሎ።" ኢሉ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ከምኡውን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ፡ ነቲ ናይ ሎኮክ ርእይቶ ምላሽ ንምርካብ ዝቐረበ ጻውዒትን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ክዕወት ከምዘይከኣለ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሎኮክ ነቲ 15 ኣባላት ዝሓቘፈ ና ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብቲ ዉድብ ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ "ዋሽንግተን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣውን ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ኣዝያ ከም እተሻቐለት" ገሊጻ ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ንኽብል ክድግፍ ንምሕጸን ፡ ሓይልታት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ስጉምቲ ክውሰድ ኣገዳሲ እዩ" ድማ ኢላ ።
ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊትሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባቸለት ካብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል ናይ ኲናት ገበናትን ናይ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻብ ንምጽራይ፡ ናብ ትግራይ መርመርቲ ክኣትዉ ኢትዮጵያ ክትፈቅድ ሓቲታ ኣላ።