SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ኣሜሪካ ትጽውዕ።

እቶም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን ነገር ከምዘይብሎም'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

News
Source: Getty Images

1 min read

Published

Source: Reuters, SBS


Skip to article content

 

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ብዝምልከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዝያ ተሻቒላ ከምዘላ ሓደ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ሃገር ኣሜሪካ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ እቲ ምፍርራሕን መጥቃዕትን ደው ክብል ጸዊዑ ።

 "ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምትእስሳር ዘለዎም ወታደራዊ ሓይልታትን ሚሊሻታት ትግራይን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይፍፀሙ ብዛዕባ ዘለው መጥቃዕትታት ብዙሕ የተሓሳስበና እዩ" ትብል ኣፈኛ መንግስቲ እታ ሃገር ጃሊና ፖርተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ።

 ናይ ስደተኛታት ትካል UNHCR ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘሎ ዝሕብር ሓድሽ ምልክት ፡ ኣብ ዞባ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ክልተ መዓስከራት ንዝርከቡ 24,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ ካብ ረድኤት ከም እተቘርጹን ብዘይ መግብን ዝስተ ማይን ክህልዉ ከም ዝኽእሉን ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡ ።

 ኣብ መንጎ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝካየድ ኲናት ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎን ኣብዚ ወርሒ 'ዚ ክልተ ስደተኛታት ከምዝተቐትሉን UNHCR ሓቢሩ ።

"ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኩሎም ዕጡቓት  ኣብ ልዕሊ  ኩሎም ስደተኛታትን ፡ ሓተትቲ ዑቕባን ብሰንኪ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ዝተመዛበሉ ሰባትን ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ልዕሊ' ቶም ነቲ ሰብኣዊ ሓደጋ መልሲ ክህቡ ዝፈተኑ ሰራሕተኛታት ረድኤት መጥቃዕቲን ምፍርራሕን ደው ከብሉ ንጽውዕ" ኢሉ ፖርተር ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now