ኣብ 'ዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሰራዊት ምውፋሮም ንኣሜሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ፡ ክብል ሮይተርስ ኣብዘውጽ ኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ከምዝወጹ ዝገለጸቶ ዝኸውን ዘሎ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ምውፋር ፣ ነቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ ዳግም ከምዘጎሃህሮ እቲ ጸብጻብ ይትንትን።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ብዙሓት (ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ) ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምስሓቦም ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ምእታዎም የተሓሳስባ እዩ።" ኢሉ ኔሩ።
እዚ ርእይቶታት እዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ክፍሊ ትረዠሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተተሓሒዙ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን ማለት ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ማዕቀብ ምስገበረሉ እዩ ። ኤርትራ እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢላ ነጺጋቶ እያ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ ብ20 ነሓሰ ኣብ ዝጸሓፍዎ ውሽጣዊ መዘክር ፡ ኤርትራ ብዶባት ኣቢላ ናብ ትግራይ ሰራዊት ትሰድድ ከምዘላ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ ብሮይተርስ ዝተዘርገሐ ሰነድ ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ድሮ ብብዝሒ ወተሃደራት ኣዕለቕሊቑ ዘሎ ምዕራባዊ ትግራይ ኣብ ከባቢ ከተማታት ዓዲ ጎሹን ሑመራን "ብታንክታትን መዳፍዕን ናይ ምክልኻል ድፋዓት ሒዞም" ይብል ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ወግዓዊ ኣኼባ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብ17 ነሃሰ ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ እንተበጽሐኳ ፣ ቤት ጽሕፈቱግና እቲ ምብጻሕ ከምዝተፈጸመ ኣይገለጸን።
ሮይተርስ ብዛዕባዚ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝምልከት ን ቤ/ት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ሰራዊት ኢትዮጵያን ፡ ርእይቶ ክህቡ ንዝቐረበሎም ጠለብ ብኡብኡ ምላሽ ኣይሃቡን ክብል ወሲኹ ገሊጹ።