ሰራዊት ኤርትራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ምእታዎም ንኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን የሻቕሎም።

ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ ብ20 ነሓሰ ኣብ ዝጸሓፍዎ ውሽጣዊ መዘክር ፡ ኤርትራ ብዶባት ኣቢላ ናብ ትግራይ ሰራዊት ትሰድድ ከምዘላ ገሊጾም ኣለዉ።

News

Source: Getty Images

 ኣብ 'ዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሰራዊት ምውፋሮም ንኣሜሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ፡ ክብል ሮይተርስ ኣብዘውጽ ኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

  ኢትዮጵያ  ድሕሪ ኣዋርሕ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ከምዝወጹ ዝገለጸቶ ዝኸውን ዘሎ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ሰራዊት  ምውፋር ፣ ነቲ ናይ ኲናት ሃዋሁ ዳግም ከምዘጎሃህሮ እቲ ጸብጻብ ይትንትን።

 ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ብዙሓት (ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ) ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምስሓቦም ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ምእታዎም የተሓሳስባ እዩ።" ኢሉ ኔሩ።

 እዚ ርእይቶታት እዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ክፍሊ ትረዠሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ  ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተተሓሒዙ ኤርትራዊ በዓል ስልጣን ማለት ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ማዕቀብ ምስገበረሉ እዩ ። ኤርትራ እቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢላ ነጺጋቶ እያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡  ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮጳ ብ20 ነሓሰ ኣብ ዝጸሓፍዎ ውሽጣዊ መዘክር ፡ ኤርትራ ብዶባት ኣቢላ ናብ ትግራይ ሰራዊት ትሰድድ ከምዘላ ገሊጾም ኣለዉ።

 እቲ ብሮይተርስ ዝተዘርገሐ ሰነድ ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ድሮ ብብዝሒ ወተሃደራት ኣዕለቕሊቑ ዘሎ ምዕራባዊ ትግራይ ኣብ ከባቢ ከተማታት ዓዲ ጎሹን ሑመራን "ብታንክታትን መዳፍዕን ናይ ምክልኻል ድፋዓት ሒዞም" ይብል ።

 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ወግዓዊ ኣኼባ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብ17 ነሃሰ ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ እንተበጽሐኳ ፣ ቤት ጽሕፈቱግና እቲ ምብጻሕ ከምዝተፈጸመ ኣይገለጸን።

 ሮይተርስ ብዛዕባዚ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝምልከት ን ቤ/ት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ሰራዊት ኢትዮጵያን ፡ ርእይቶ ክህቡ ንዝቐረበሎም ጠለብ ብኡብኡ ምላሽ ኣይሃቡን ክብል ወሲኹ ገሊጹ።


Share

Published

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service