ናይ ሕ.መ. ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 6 ሰነ ናብ ቀጠር ፣ ስዑዲ ዓረብ ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኬንያን ዑደት ክገብር እዩ ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ፈልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣርባዕቲአን ሃገራት ብምርኻብ ብዛዕባ ርግኣትን ብልጽግናን ዝሰፈኖ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝድግፍ ናይ ምትሕብባር ደገፍ ፡ ከምኡውን ብዛዕባ" ቲ ብኹሎም ዘሰሓሕብ ጉዳይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ክዝቲ እዩ ።
Share

