ናይ ሕ.መ. ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 6 ሰነ ናብ ቀጠር ፣ ስዑዲ ዓረብ ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኬንያን ዑደት ክገብር እዩ ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ፈልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣርባዕቲአን ሃገራት ብምርኻብ ብዛዕባ ርግኣትን ብልጽግናን ዝሰፈኖ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝድግፍ ናይ ምትሕብባር ደገፍ ፡ ከምኡውን ብዛዕባ" ቲ ብኹሎም ዘሰሓሕብ ጉዳይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ክዝቲ እዩ ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ቐጠር፡ ሱዕዲ፡ ኢማራትን ኬንያን ምብጻሕ ይፍጸም።
ጀፈሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ኤርትራን ብምብጻሕ ምስተን መራሕቲ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ምዝታዩ ይዝከር።

Source: Getty Images
Share
Published
Share this with family and friends