SKIP TO MAIN CONTENT

ኡጋንዳ 2,000 ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታት ክትቅበል እያ።

እቶም ናይ መጀመርያ ጉጅለ ከባቢ 500 ኣፍጋናውያን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ክዓልቡ ትጽቢት ይግበረሎም ።

News
美軍撤走非戰鬥人員情況。 Source: US Defense Department/Defense One

1 min read

Published


Skip to article content

ኡጋንዳ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ቅልውላው ዝሃደሙ 2,000 ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ክትወስድ እያ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ሚኒስተር ስደተኛታት ኣስቴር ኣንያኩን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ብጠለብ ኣመሪካውያን ካብ "ቶም ስደተኛታት ክወስድ ከም ዝተሰማምዐ ገሊጻ ።

ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ጣሊባን ንካቡል ምቁጽጻሩ ፡ ከምኡውን ምፍራስ ሰበ ስልጣን ፌደራል ኣፍጋኒስታን ስዒቡ እዩ እዚ ዝመጽእ ዘሎ።

እቶም ናይ መጀመርያ ጉጅለ ከባቢ 500 ኣፍጋናውያን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ክዓልቡ ትጽቢት ይግበረሎም ።

ንሳ ወሲኻ እቶም ስደተኛታት ኮቪድ ተመርሚሮም ናብ ውሸባ ክኣትዉ እዮም ትብል ። ኩሉ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታትን ወጻኢታትን ብመንግስቲ ኣመሪካ ክተሓዝ እዩ ።

ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ፡ ዩጋንዳ ካብ 'ዚ ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ቅልውላው ዝሃድሙ ሰባት ትቕበል ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ ።

ኡጋንዳ ስደተኛታት ናይ ምትእንጋድ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ - ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ካብ ግጭት ወይ ካብ ካልእ ሓደጋታት ሃዲሞም ዝመጹ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ይቕመጡላ ኣለዉ ።

ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሰፈራታት ወይ ኣብ ቁሸታት ዝነብሩ ኮይኖም ፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ እዮም ዝነብሩ ። ገሊኦም መሬት ተዋሂብዎም ክሰርሑ ይፍቀደሎም ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now