ኡጋንዳ ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ቅልውላው ዝሃደሙ 2,000 ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ክትወስድ እያ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ።
ሚኒስተር ስደተኛታት ኣስቴር ኣንያኩን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ብጠለብ ኣመሪካውያን ካብ "ቶም ስደተኛታት ክወስድ ከም ዝተሰማምዐ ገሊጻ ።
ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ጣሊባን ንካቡል ምቁጽጻሩ ፡ ከምኡውን ምፍራስ ሰበ ስልጣን ፌደራል ኣፍጋኒስታን ስዒቡ እዩ እዚ ዝመጽእ ዘሎ።
እቶም ናይ መጀመርያ ጉጅለ ከባቢ 500 ኣፍጋናውያን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ክዓልቡ ትጽቢት ይግበረሎም ።
ንሳ ወሲኻ እቶም ስደተኛታት ኮቪድ ተመርሚሮም ናብ ውሸባ ክኣትዉ እዮም ትብል ። ኩሉ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታትን ወጻኢታትን ብመንግስቲ ኣመሪካ ክተሓዝ እዩ ።
ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ፡ ዩጋንዳ ካብ 'ዚ ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ቅልውላው ዝሃድሙ ሰባት ትቕበል ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ ።
ኡጋንዳ ስደተኛታት ናይ ምትእንጋድ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ - ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ካብ ግጭት ወይ ካብ ካልእ ሓደጋታት ሃዲሞም ዝመጹ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ይቕመጡላ ኣለዉ ።
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ሰፈራታት ወይ ኣብ ቁሸታት ዝነብሩ ኮይኖም ፡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ እዮም ዝነብሩ ። ገሊኦም መሬት ተዋሂብዎም ክሰርሑ ይፍቀደሎም ።