ወዲ 110 ኡጋንዳዊ ሰብኣይ "ምስኣ ግብረ ስጋ ክፍጽም መሰለይ ከሊኣትኒ" ብዝብል ንጓል 109 ሰበይቲ ብምቕታሉ ተኣሲሩ።

"ብሓሙስ ምሸት ከባቢ ሰዓት 8: 00 ድ.ቐ. እታ ዝሞተት ሰበይቲ: ደኺማን ሰዓል ሒዝዋ ስለ ዝነበረን ሰብኣያ ምስኣ ግብረ ስጋ ክትፍጽም ንዝሓተቶ ሕቶ ነጺጋቶ።" ፖሊስ

Capture.JPG

Credit: Beyene Weldegiorgis

ሓደ 110 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ፡ ን ጓል 109 ዓመት ሰበይቱ ፡ ምስኣ ዝፍጽሞ ናይ "ግብረ ስጋ መሰለይ ከሊኣትኒ " ብምባል ወቒዑ ስለ ዝቐተላ  ፖሊስ ኡጋንዳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎ።

 ጋዜጣ ደይሊ ሞኒተር ከም ዝጸብጸበቶ ፡ ዶሚኒክ ባቢሃ ፡ ን በዓልቲ ቤቱ ኮስታንስዮ ባካሲሳ ብቐዳም ኣብቲ ካሁንጋ ኣብ ዝበሃል ምዕራባዊ ወረዳ ንቱንጋሞ ዝርከብ ብስሚንቶ እተሰርሐ መንበሪኦም ፡ ብጎዞሞ ከም ዝቐተላ ተፈሊጡ ዘሎ ።

ወሃብ ቃል ፖሊስ ናይቲ ዞባ ሳምሶን ካሳሲራ ነቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ : ብሓሙስ ምሸት ከባቢ ሰዓት 8: 00 ድ.ቐ. እታ ዝሞተት ሰበይቲ: ደኺማን ሰዓል ሒዝዋ ስለ ዝነበረን ሰብኣያ ምስኣ ግብረ ስጋ ክትፍጽም ንዝሓተቶ ሕቶ ነጺጋቶ።

ወሃብ ቃል ፖሊስ ከም ዝገለጾ፡ "ክልቲኦም ኣብ እተፈላለያ ክፍልታት ይድቅሱ ከምዝነበሩን እታ ዝሞተት ምስ ምስ ክልተ ደቂ ደቃ ትድቅስ ከም ዝነበረት" በለ ።
 
እቲ ነታ ሰበይቲ ናብ ሞት ዘብጽሓ ባእሲ: "ንሰብኣያ ምስ ኣ ብግብረ ስጋ ንምርኻብ መሰሉ ብምኽልኣ" ከም ዝኾነን ን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ መርመራ ይግበር ከም ዘሎን ፖሊስ ገሊጹ።

 እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደ ገዛ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ ፡ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ግን ይድቅሱ ከም ዝነበሩ ፡ ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ ።


Share

Published

Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ወዲ 110 ኡጋንዳዊ ሰብኣይ "ምስኣ ግብረ ስጋ ክፍጽም መሰለይ ከሊኣትኒ" ብዝብል ንጓል 109 ሰበይቲ ብምቕታሉ ተኣሲሩ። | SBS Tigrinya