SKIP TO MAIN CONTENT

ወዲ 110 ኡጋንዳዊ ሰብኣይ "ምስኣ ግብረ ስጋ ክፍጽም መሰለይ ከሊኣትኒ" ብዝብል ንጓል 109 ሰበይቲ ብምቕታሉ ተኣሲሩ።

"ብሓሙስ ምሸት ከባቢ ሰዓት 8: 00 ድ.ቐ. እታ ዝሞተት ሰበይቲ: ደኺማን ሰዓል ሒዝዋ ስለ ዝነበረን ሰብኣያ ምስኣ ግብረ ስጋ ክትፍጽም ንዝሓተቶ ሕቶ ነጺጋቶ።" ፖሊስ

Capture.JPG
Credit: Beyene Weldegiorgis

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ሓደ 110 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ፡ ን ጓል 109 ዓመት ሰበይቱ ፡ ምስኣ ዝፍጽሞ ናይ "ግብረ ስጋ መሰለይ ከሊኣትኒ " ብምባል ወቒዑ ስለ ዝቐተላ  ፖሊስ ኡጋንዳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎ።

 ጋዜጣ ደይሊ ሞኒተር ከም ዝጸብጸበቶ ፡ ዶሚኒክ ባቢሃ ፡ ን በዓልቲ ቤቱ ኮስታንስዮ ባካሲሳ ብቐዳም ኣብቲ ካሁንጋ ኣብ ዝበሃል ምዕራባዊ ወረዳ ንቱንጋሞ ዝርከብ ብስሚንቶ እተሰርሐ መንበሪኦም ፡ ብጎዞሞ ከም ዝቐተላ ተፈሊጡ ዘሎ ።

ወሃብ ቃል ፖሊስ ናይቲ ዞባ ሳምሶን ካሳሲራ ነቲ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ : ብሓሙስ ምሸት ከባቢ ሰዓት 8: 00 ድ.ቐ. እታ ዝሞተት ሰበይቲ: ደኺማን ሰዓል ሒዝዋ ስለ ዝነበረን ሰብኣያ ምስኣ ግብረ ስጋ ክትፍጽም ንዝሓተቶ ሕቶ ነጺጋቶ።

ወሃብ ቃል ፖሊስ ከም ዝገለጾ፡ "ክልቲኦም ኣብ እተፈላለያ ክፍልታት ይድቅሱ ከምዝነበሩን እታ ዝሞተት ምስ ምስ ክልተ ደቂ ደቃ ትድቅስ ከም ዝነበረት" በለ ።

 

እቲ ነታ ሰበይቲ ናብ ሞት ዘብጽሓ ባእሲ: "ንሰብኣያ ምስ ኣ ብግብረ ስጋ ንምርኻብ መሰሉ ብምኽልኣ" ከም ዝኾነን ን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ መርመራ ይግበር ከም ዘሎን ፖሊስ ገሊጹ።

 እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደ ገዛ ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ ፡ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ግን ይድቅሱ ከም ዝነበሩ ፡ ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now