SKIP TO MAIN CONTENT

ድሕሪ ክትዕን ምስሕሓብን ብዛዕባ ንፍልስጤማውያን ዝድግፉ ሰላማውያን ሰልፍታት ዋና ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሱዌላ ብረይቨርማን ካብ መዝነታ ተኣልያ፣

ዋና ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሱዌላ ብረይቨርማን፣ ንኣተሓሕዛ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ንፍልስጤም ዝድግፉ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምውቃሳ፣ ኣካል ናይ'ቲ ሰፊሕ ምቅይያር ሰብመዚ መንግስቲ ካብ መዝነታ ተሳሒባ።

2023-11-13 (2).png
British Prime Minister Rishi Sunak sacked his interior minister Suella Braverman on Monday, a government source said, as part of a wider reshuffle after she criticised the police's handling of a pro-Palestinian march. Source: AAP / Phil Noble/PA/Alamy Credit: AAP

2 min read

Published

Updated

By Associated Press

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS


Skip to article content

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ሶኑይ ንሓንቲ ካብ'ቶም ዝለዓሉ ሚኒስተራቱ ዝኾነት ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዌላ ብረይቨርማን ካብ መዝነታ ኣልይዋ ክብል ሓደ መንግስታዊ ምንጪ ሓቢሩ፣ ናታ ምእላይ ካብ መዝነታ ኸኣ ኣካል ናይ ሓደ ዝሰፍሐ ምቅይያር ሓለፍቲ መንግስቲ ኮይኑ ንኣተሓሓዛ ፖሊስ ንፍልስጤማውያን ደጊፎም ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጹ ሰባት ድሕሪ ምንቃፋ ዝመጽእ ዘሎ'ዩ።

ንሱዌላ ሲልቨርማን ካብ መዝነታ ክኣልያ ወይ ክሰጓ ካብ ኣባላት ባይቶ ተቓዋሚ ሰልፍን ኣባላት ናይ'ቲ ንሱ ዝመርሖ ዓቃባዊ ሰልፍን ብርቱዕ ጸቕጥታት ዝመጾ ዘሎ ሱናክ፣ ክትእለ ወይ ኣንጻራ ስጉምቲ ክወስድ ተበጊሱ፣ 'ካብ መንግስቲ ክትለቅቕ' ሓቲትዋ ንሳ ኸኣ ነቲ ውሳነኡ ተቐቢላቶ ኣላ፣ ይብሉ እቶም ምንጭታት።

ኣዳላዊ ዓምዲ ፖለቲካ ጋዜጣ 'ዘ ሳን' ከምዝብሎ ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ጀይምስ ክለቨርሊ ንዕኣ ክትክኣ'ዩ።

ሶኑይ ሚስተር ሱናክ ምቅይያር ስርርዕ ኣብ ሚኒስተራቱ ክገብር ጀሚሩ'ሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ደይቪድ ካሜሮን ናብ ቤት ጽሕፈት 'ዳውኒንግ ስትሪት' ገጹ ክኸይድ ስለዝተራእየ ናብ መንግስቲ ክምለስ ይኽእል'ዩ ዝብል ወረ ክናፈስ ጀሚሩ'ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሱዌላ ብረይቨርማን ንሓላፊኣ ሚስተር ሱናክ ዕሽሽ ኢላ ሓደ ዓንቀጽ ብምጽሓፍ ፖሊስ ኣብ ኣተሓሕዛ ኣድማታት ወይ ሰላማዊ ሰልፍታት 'ክልተ መለክዒታት' ይጥቀሙ'ለው ክትብል ከሲሳ - እዚ ዘረባ ኸኣ ወጥሪታት ኣብ'ቲ ቀዳም ዝተኻየደ ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ዘነሃሃረ ኔሩ ክብሉ ብዙሓት ገሊጾም።

ድሕሪኡ እቶም መልሰ ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሕሉፋት-የማናውያን ምስ'ቶም ካብ'ቶም 300,000 ንፍልስጤማውያን ደጊፎም ዝምርሹ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ክፈላልይዎም ወይ ከረሓሕቕዎም ዝፈተኑ ፖሊስ ምስ ተጋጨዉ ልዕሊ 140 ሰባት ተኣሲሮም።

ሚስተር ሱናክ ኣብ ኣባላት ካቢነኡ ሰፊሕ ዝኾነ ምቅይያራት ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ፣ ነቶም መሻርኽቱ ዝኾኑ ናብ ሓላፍነት ከምጽእ፣ ነቶም ከም'ቲ ዝግባእ ኣይነፍዑን ኢሉ ቤት ጽሕፈቱ 'ዳውኒንግ ስትሪት' ዝገልጾም ዘሎ ወይ ከኣ ኣብ'ቶም ዝተፈላለዩ ክፍልታት መንግስቱ ከም'ቲ ንሱ ዝደልዮ ዘይነፍዑ ዝበሃሉ ክኣልዮም'ዩ ዝብል'ዩ እቲ ትጽቢት።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now