SKIP TO MAIN CONTENT

ሩስያውያን ኣብ ኪየቭ መጥቃዕቶም ኣብ ዜሐድሱሉ ዘለዉ እዋን ፡ ሓይልታት ዩክረይን 'ኣዝዩ ቘራጽ መኸተ " ይገበሩ

ኢንተርፋክስ ንሚኒስትሪ ጥዕና ዩክረይን ብምጥቃስ ፡ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 198 ዩክረይናውያን ተቐቲሎም ኣለዉ ።

Russia Ukrain
A Ukrainian soldier in an armoured vehicle waits on the west side of the Ukrainian capital of Kyiv. Source: Source: AFP / DANIEL LEAL/AFP via Getty Images

6 min read

Published


Skip to article content

እቲ ኢዱ ክህብ ዘይደሊ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪይ ከምዝበሎ ፡ ሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቶም ኣጻዕጺዖም ፡ ንዋና ከተማ ኬቭን ካልኦት ከተማታትን ብመዳፍዕን ሚሳይላትን የጥቅዑ እንተሃለዉኳ ፡ ኪየቭ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዩክረይን እያ ዘላ ።

ሓደ ናይ ኣመሪካ ናይ ምክልኻል በዓል ስልጣን ፡ ሓይልታት ዩክረይን ነቲ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዩክረይናውያን ካብ ምዕራብ እታ ሃገር እናሃደሙ ፡ ዓበይቲ ጐደናታትን መስመር ባቡርን ብህዝቢ ኣዕለቕሊዉ፡ ብሰለስተ ኩርናዓት ብሩስያ ዝግበር ዘሎ ገስጋስ "ኣዝዩ ቘራጽ ተቓውሞ" ገጢምዎ ከም ዘለዉ ገሊጹ ።

"ንመጥቃዕቲ ጸላኢ ተጻዊርና ፡ ብዓወት ንወቕዖ ኣለና ።" ክብል ሚስተር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ካብ ጐደናታት ኪየቭ እተላእከ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ፡ "እቲ ውግእ ቀጺሉ እዩ ።" ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሓሙስ ቅድሚ ወጋሕታ ፡ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝፈጸመ ብምግላጽ ፡ ነቲ ምዕራባውያን ዝህብዎ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ፡ "እቲ ኒዮ ናዚ" ስርዓት ዩክረይን ንውሕስነት ሩስያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ገሊጹ ።

ዛጊት፥ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 198 ዩክሬናውያን ተቐቲሎም ፡ 1,115 ዩክሬናውያን ቈሲሎም ኣለዉ ፣ ብምባል ኢንተርፋክስ ንሚኒስትሪ ጥዕና ዩክሬን ጠቒሳቶ ኣላ ። እቶም ቊጽርታት ፡ ሲቪል ሰባት ጥራይ ዝሓቘፉ እንተ ኰይኖም ብንጹር ኣይተፈልጠን ።

ኢንተርፋክስ ጸኒሓ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ፡ ኣብ ዶነትስክ ዝርከብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ጠቒሳ ፡ ብመጥቃዕቲ ሩሲያ፥ 17 ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን 73 ከም ዝቘሰሉን ገለጸት ።

ሞስኮ ፡ ኣብ ሲቪል ቦታታት ንኸይውቃዕ ትጥንቀቕ ትገብር ከም ዘላ ገሊጻ ።

ሓደ ናይ ዩክረይን ፕሬዝዳንታዊ ኣማኻሪ ኣስታት 3,500 ወተሃደራት ሩስያ ከም እተቐትሉ ወይ ከም ዝቘሰሉ ገለጸ ። ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን እውን ፡ ሰብ መዚ፡ ሩስያ ካብቲ እተጸበየቶ ንላዕሊ ግዳይ ከም ዝዀነት ኣስተውዒሎም እኳ እንተለዉ ፡ እዚ ቝጽር እዚ ግን ሓቅነት ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን ዘሎ ። ሩስያ ዝኸሰረቶ ናይ ሰብ ንዋትን ዓቕሚ ኣይገለጸትን ዘላ ።

ኣመሪካን ጀርመን ወተሃደራዊ ሓገዝ ይልእኻ

እዚ መጥቃዕቲ ናይ ሩስያ ካብካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ኣብ ሓንቲ ናይ ኤውሮጳ ሃገር እቲ ዝዓበየ እዩ ፡ ነቲ ናይ ኣህጉር ዝሑል ኲናት እውን ከይለዓዓል ዘስግእ እዩ ።

እዚ ቅልውላው እዚ ነቲ ናይ ሰሜን ምዕራብ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ኣብቲ ጉዳይ ክኣቱ ጌርዎ ኣሎ: እዚ ድማ ንምብራቓዊ ጎድኑ ንምድልዳል ተኸታታሊ ምንቅስቓስ ክግበር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ ። ኔቶ ናብ ዩክረይን ሰራዊት ከም ዘይየዋፍር እኳ እንተገለጸት ፡ ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራዊ ሓገዝ ይልእኻ ኣለዋ ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ክሳዕ 350 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር ካብ መኽዘን እታ ሃገር ክወጽእ ኣፍቀደ ፣ ጀርመን ድማ ካብቲ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ፖሊሲኣ ናብ ናይ ውግእ ቦታታት ከይትልእኽ ንጎኒ ገዲጋ፡ ጸረ-ታንክ ኣጽዋርን ካብ ገጽ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ ።

እታ 44 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ደሞክራስያዊት ሃገር ዩክረይን ፡ ድሕሪ ውድቀት ኅብረት ሶቭየት ፡ ብ1991 ካብ ሞስኮ ናጻ ወጺኣ ምስ ኔቶን ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ክትጽንበር ስለ ዝደለየት'ያ ፡ ሩስያ እትቃወሞ ዘላ ።

ሚስተር ፑቲን ከምዝገልጾ፡ ነቲ ንሃገሩ ካብታ ንእሽቶ ጐረቤት ስግኣት ከም ዝዀነ ገይሩ ዝጽውዖ ነገር ኸወግዶ ከም ዘለዎ ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ ሩስያ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፍጽም ፡ እዚ ከኣ ኪየቭን ምዕራባውያን ደገፍታን ዘቕርብዎ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳ ከም ዝዀነ ገይሩ ከም ዘነጽሮ ኣረዲኡ ።

 

'ኣብ ኪዪቭ ንጡፋት ጕጅለታት መጋገይቲ'

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ኣብ ዒላማታት ዩክረይን ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጺር ርሕቀት ዝሽፍን ልዕሊ 250 ሚሳይላት ሩስያ ክትውንጭፍ ተዓዚባ ከምዘላ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ገሊጹ ።

"(ሓይልታት ሩስያ) ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜን ክገብርዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ዕቤት ከም ዘይገበርዎ ንፈልጥ ኢና ። በቲ ዝረኣይዎ ተበሳጭዮም እዮም "ብምባል መርትዖ ከየቕረበ እቲ በዓል ስልጣን ትዕዝብቱ ገለጸ ።

ናይ ቼቺን መራሒ ራምዛን ካዲሮቭ ናይ ቀረባ ፑቲን መሻርኽቲ እዩ ብቐዳም ተዋጋእቱ ኣብ ዩክረይን እውን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ገሊጹ ። ሓይልታት ሩስያ ንኪየቭን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ብቐሊሉ ኽሕዝወን ከም ዝኽእሉ ፡ እቲ ዝገብርዎ ስርሒት ግና ህይወት ሰባት ምጥፋእ ንምውጋድ ከም ዝዀነ ገለጸ ።

ከንቲባ ክየቭ ቪታሊ ክሊትሽኮ ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ቀንዲ ወተሃደራዊ ህላወ ከም ዘየለ ፡ እንተኾነ ጉጅለታት መታለልቲ ንጡፋት ከም ዝዀኑ ገሊጹ ። ሜትሮታት ንዜጋታት ከም መዕቈቢ ኰይኑ ዘገልግል ዝኮይኑ ፡ ጉዕዞ ባቡራት ደው ከምዘበለ ሓቢሩ ።

ከንቲባ ክሊትሽኮ ናይ ዓለም ናይ ከቢድ ሚዛን ሻምፒዮን መኸተ ጕስጢ ዝነበረ ኮይኑ ፡ ክልተ ቘልዑ ዝርከብዎም 35 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ፡ ካብ ቀዳም ምሸት ክሳዕ ሰኑይ ንግሆ ድማ ከም ሰዓት እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ገለጸ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ነታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ መሊቶፖል እትበሃል 150,000 ነበርቲ ዘለውዋ ከተማ ከም ዝሓዝዋ ገሊጾም እዮም ። ሰብ መዚ ዩክረይን ብዛዕባዚ ሓሳብ ኣይሃቡን ፣ ብሪጣንያ እውን ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ጥርጣረ ኣለዋ ።

እንተ ተረጋጊጹ ፡ ሩስያውያን ካብ ዝሓዝዎም ቦታታት ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣገዳሲት ማእከል ብዙሕ ህዝቢ ክትከውን እያ ።


ኣሽሓት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ

ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣስታት 100,000 ሰባት ካብ ዩክረይን ናብ ፖላንድ ሰጊሮም ኣለዉ ፣ ካብዚኣቶም ድማ እቶም ካብ ቀዳም ንግሆ ሰጳት 7 ኣትሒዞም ዝኣተዉ 9,000 ዝርከብዎም ምዃኖም ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ ፓወል ስዘፈርናከር ገሊጹ ።

ካታሪና ኣሶልቦር ፡ "እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ነገር ፡ ሰባት ብህይወት ምቕጻሎም እዩ" በለት ።

"ናይ መወዳእታ 30 ኪሎሜተር ክሳብ ዶብ ብእግሮም ተጓዒዞም ።"

ብዙሓት ዩክሬናውያን ናብ ዶባት ናብ ሃንጋሪ ፡ ሩማንያን ስሎቫክያን ይሰግሩ ኣለዉ።

 

ማዕቀብ ይጥንክር ፡ ጸረ-ውግእ ተቓውሞ ተኻይዱ

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓድሽ ማዕቀብ ከምዘንበራ ፡ እዚ ድማ ንባንክታታ ኣብ ጸሊም መዝገብ ምእታውን ንሰደድ ቴክኖሎጂ ምእጋድን የጠቓልል ።

ቀዳም ፡ ናይ ጀርመን ናይ ወጻእን ናይ ቁጠባን ሚኒስተራት ከምኡውን ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ንሩስያ ካብ ስርዓተ ባንክ ኣውጺኦም ፡ ንኣህጉራዊ ናይ ባንክ ክፍሊታት ዝኸውን ገንዘብ ካብ ምኽፋል ኣቋሪጾም እዮም ።

ጐረባብቲ ሩስያ ዝዀና ሊትወይንያን ላትቭያን ዝርከባአን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ፡ ነቲ ብነፈርቲ ሩስያ ዝግበር ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ዓጽንዯ ከም ዘለዋ ገለጻ ።

እዚ ወራር 'ዚ ንናይ ሩስያ ስፖርት ፣ ባህላውን ካልእ ዝምድናታትን' ውን ይጸሉ ኣሎ ። ቀዳም ፖላንድን ሽወደንን ሃገራውያን ናይ ኵዕሶ እግሪ ጋንታታተን ዝመጽእ ወርሒ ኣንጻር ሩስያ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከም ዘይጻወታ ገሊጸን ።

ኣብ በርሊን ፡ በርን ፡ ለንደን ፡ ቶክዮ ፡ ሲድኒን ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ከተማታትን ኣንጻር እቲ ውግእ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ተላዒሉ ኣሎ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now