እቲ ኢዱ ክህብ ዘይደሊ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪይ ከምዝበሎ ፡ ሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቶም ኣጻዕጺዖም ፡ ንዋና ከተማ ኬቭን ካልኦት ከተማታትን ብመዳፍዕን ሚሳይላትን የጥቅዑ እንተሃለዉኳ ፡ ኪየቭ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዩክረይን እያ ዘላ ።
ሓደ ናይ ኣመሪካ ናይ ምክልኻል በዓል ስልጣን ፡ ሓይልታት ዩክረይን ነቲ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዩክረይናውያን ካብ ምዕራብ እታ ሃገር እናሃደሙ ፡ ዓበይቲ ጐደናታትን መስመር ባቡርን ብህዝቢ ኣዕለቕሊዉ፡ ብሰለስተ ኩርናዓት ብሩስያ ዝግበር ዘሎ ገስጋስ "ኣዝዩ ቘራጽ ተቓውሞ" ገጢምዎ ከም ዘለዉ ገሊጹ ።
"ንመጥቃዕቲ ጸላኢ ተጻዊርና ፡ ብዓወት ንወቕዖ ኣለና ።" ክብል ሚስተር ዘለንስኪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ካብ ጐደናታት ኪየቭ እተላእከ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ፡ "እቲ ውግእ ቀጺሉ እዩ ።" ክብል ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሓሙስ ቅድሚ ወጋሕታ ፡ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝፈጸመ ብምግላጽ ፡ ነቲ ምዕራባውያን ዝህብዎ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ፡ "እቲ ኒዮ ናዚ" ስርዓት ዩክረይን ንውሕስነት ሩስያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ገሊጹ ።
ዛጊት፥ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 198 ዩክሬናውያን ተቐቲሎም ፡ 1,115 ዩክሬናውያን ቈሲሎም ኣለዉ ፣ ብምባል ኢንተርፋክስ ንሚኒስትሪ ጥዕና ዩክሬን ጠቒሳቶ ኣላ ። እቶም ቊጽርታት ፡ ሲቪል ሰባት ጥራይ ዝሓቘፉ እንተ ኰይኖም ብንጹር ኣይተፈልጠን ።
ኢንተርፋክስ ጸኒሓ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ፡ ኣብ ዶነትስክ ዝርከብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ጠቒሳ ፡ ብመጥቃዕቲ ሩሲያ፥ 17 ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን 73 ከም ዝቘሰሉን ገለጸት ።
ሞስኮ ፡ ኣብ ሲቪል ቦታታት ንኸይውቃዕ ትጥንቀቕ ትገብር ከም ዘላ ገሊጻ ።
ሓደ ናይ ዩክረይን ፕሬዝዳንታዊ ኣማኻሪ ኣስታት 3,500 ወተሃደራት ሩስያ ከም እተቐትሉ ወይ ከም ዝቘሰሉ ገለጸ ። ምዕራባውያን ሰበ-ስልጣን እውን ፡ ሰብ መዚ፡ ሩስያ ካብቲ እተጸበየቶ ንላዕሊ ግዳይ ከም ዝዀነት ኣስተውዒሎም እኳ እንተለዉ ፡ እዚ ቝጽር እዚ ግን ሓቅነት ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን ዘሎ ። ሩስያ ዝኸሰረቶ ናይ ሰብ ንዋትን ዓቕሚ ኣይገለጸትን ዘላ ።
ኣመሪካን ጀርመን ወተሃደራዊ ሓገዝ ይልእኻ
እዚ መጥቃዕቲ ናይ ሩስያ ካብካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ኣብ ሓንቲ ናይ ኤውሮጳ ሃገር እቲ ዝዓበየ እዩ ፡ ነቲ ናይ ኣህጉር ዝሑል ኲናት እውን ከይለዓዓል ዘስግእ እዩ ።
እዚ ቅልውላው እዚ ነቲ ናይ ሰሜን ምዕራብ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ኣብቲ ጉዳይ ክኣቱ ጌርዎ ኣሎ: እዚ ድማ ንምብራቓዊ ጎድኑ ንምድልዳል ተኸታታሊ ምንቅስቓስ ክግበር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ ። ኔቶ ናብ ዩክረይን ሰራዊት ከም ዘይየዋፍር እኳ እንተገለጸት ፡ ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራዊ ሓገዝ ይልእኻ ኣለዋ ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ክሳዕ 350 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋር ካብ መኽዘን እታ ሃገር ክወጽእ ኣፍቀደ ፣ ጀርመን ድማ ካብቲ ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ፖሊሲኣ ናብ ናይ ውግእ ቦታታት ከይትልእኽ ንጎኒ ገዲጋ፡ ጸረ-ታንክ ኣጽዋርን ካብ ገጽ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ ።
እታ 44 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ደሞክራስያዊት ሃገር ዩክረይን ፡ ድሕሪ ውድቀት ኅብረት ሶቭየት ፡ ብ1991 ካብ ሞስኮ ናጻ ወጺኣ ምስ ኔቶን ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ክትጽንበር ስለ ዝደለየት'ያ ፡ ሩስያ እትቃወሞ ዘላ ።
ሚስተር ፑቲን ከምዝገልጾ፡ ነቲ ንሃገሩ ካብታ ንእሽቶ ጐረቤት ስግኣት ከም ዝዀነ ገይሩ ዝጽውዖ ነገር ኸወግዶ ከም ዘለዎ ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ ሩስያ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፍጽም ፡ እዚ ከኣ ኪየቭን ምዕራባውያን ደገፍታን ዘቕርብዎ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳ ከም ዝዀነ ገይሩ ከም ዘነጽሮ ኣረዲኡ ።
'ኣብ ኪዪቭ ንጡፋት ጕጅለታት መጋገይቲ'
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ኣብ ዒላማታት ዩክረይን ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጺር ርሕቀት ዝሽፍን ልዕሊ 250 ሚሳይላት ሩስያ ክትውንጭፍ ተዓዚባ ከምዘላ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ገሊጹ ።
"(ሓይልታት ሩስያ) ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜን ክገብርዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ዕቤት ከም ዘይገበርዎ ንፈልጥ ኢና ። በቲ ዝረኣይዎ ተበሳጭዮም እዮም "ብምባል መርትዖ ከየቕረበ እቲ በዓል ስልጣን ትዕዝብቱ ገለጸ ።
ናይ ቼቺን መራሒ ራምዛን ካዲሮቭ ናይ ቀረባ ፑቲን መሻርኽቲ እዩ ብቐዳም ተዋጋእቱ ኣብ ዩክረይን እውን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ገሊጹ ። ሓይልታት ሩስያ ንኪየቭን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ብቐሊሉ ኽሕዝወን ከም ዝኽእሉ ፡ እቲ ዝገብርዎ ስርሒት ግና ህይወት ሰባት ምጥፋእ ንምውጋድ ከም ዝዀነ ገለጸ ።
ከንቲባ ክየቭ ቪታሊ ክሊትሽኮ ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ቀንዲ ወተሃደራዊ ህላወ ከም ዘየለ ፡ እንተኾነ ጉጅለታት መታለልቲ ንጡፋት ከም ዝዀኑ ገሊጹ ። ሜትሮታት ንዜጋታት ከም መዕቈቢ ኰይኑ ዘገልግል ዝኮይኑ ፡ ጉዕዞ ባቡራት ደው ከምዘበለ ሓቢሩ ።
ከንቲባ ክሊትሽኮ ናይ ዓለም ናይ ከቢድ ሚዛን ሻምፒዮን መኸተ ጕስጢ ዝነበረ ኮይኑ ፡ ክልተ ቘልዑ ዝርከብዎም 35 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ፡ ካብ ቀዳም ምሸት ክሳዕ ሰኑይ ንግሆ ድማ ከም ሰዓት እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ገለጸ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ነታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ መሊቶፖል እትበሃል 150,000 ነበርቲ ዘለውዋ ከተማ ከም ዝሓዝዋ ገሊጾም እዮም ። ሰብ መዚ ዩክረይን ብዛዕባዚ ሓሳብ ኣይሃቡን ፣ ብሪጣንያ እውን ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ጥርጣረ ኣለዋ ።
እንተ ተረጋጊጹ ፡ ሩስያውያን ካብ ዝሓዝዎም ቦታታት ፡ እታ ቀዳመይቲ ኣገዳሲት ማእከል ብዙሕ ህዝቢ ክትከውን እያ ።
ኣሽሓት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ
ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣስታት 100,000 ሰባት ካብ ዩክረይን ናብ ፖላንድ ሰጊሮም ኣለዉ ፣ ካብዚኣቶም ድማ እቶም ካብ ቀዳም ንግሆ ሰጳት 7 ኣትሒዞም ዝኣተዉ 9,000 ዝርከብዎም ምዃኖም ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ ፓወል ስዘፈርናከር ገሊጹ ።
ካታሪና ኣሶልቦር ፡ "እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ነገር ፡ ሰባት ብህይወት ምቕጻሎም እዩ" በለት ።
"ናይ መወዳእታ 30 ኪሎሜተር ክሳብ ዶብ ብእግሮም ተጓዒዞም ።"
ብዙሓት ዩክሬናውያን ናብ ዶባት ናብ ሃንጋሪ ፡ ሩማንያን ስሎቫክያን ይሰግሩ ኣለዉ።
ማዕቀብ ይጥንክር ፡ ጸረ-ውግእ ተቓውሞ ተኻይዱ
ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓድሽ ማዕቀብ ከምዘንበራ ፡ እዚ ድማ ንባንክታታ ኣብ ጸሊም መዝገብ ምእታውን ንሰደድ ቴክኖሎጂ ምእጋድን የጠቓልል ።
ቀዳም ፡ ናይ ጀርመን ናይ ወጻእን ናይ ቁጠባን ሚኒስተራት ከምኡውን ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ንሩስያ ካብ ስርዓተ ባንክ ኣውጺኦም ፡ ንኣህጉራዊ ናይ ባንክ ክፍሊታት ዝኸውን ገንዘብ ካብ ምኽፋል ኣቋሪጾም እዮም ።
ጐረባብቲ ሩስያ ዝዀና ሊትወይንያን ላትቭያን ዝርከባአን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ፡ ነቲ ብነፈርቲ ሩስያ ዝግበር ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ዓጽንዯ ከም ዘለዋ ገለጻ ።
እዚ ወራር 'ዚ ንናይ ሩስያ ስፖርት ፣ ባህላውን ካልእ ዝምድናታትን' ውን ይጸሉ ኣሎ ። ቀዳም ፖላንድን ሽወደንን ሃገራውያን ናይ ኵዕሶ እግሪ ጋንታታተን ዝመጽእ ወርሒ ኣንጻር ሩስያ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ከም ዘይጻወታ ገሊጸን ።
ኣብ በርሊን ፡ በርን ፡ ለንደን ፡ ቶክዮ ፡ ሲድኒን ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ከተማታትን ኣንጻር እቲ ውግእ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ተላዒሉ ኣሎ።