SKIP TO MAIN CONTENT

ዑመር ኣልበሽር ጽኑዕ ሓለዋ ናብ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ

ሓዉ ንዑመር ኣልበሽር ዝኾነ ኣብዱላህ ኣልበሽር፡ ጀማል ኣልዋሊ ዝተባህለ ነጋዳይ ከምኡውን ኣባላት ኣመራርሓ ናይቲ ኣልበሽር ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝርከብዎም ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣልበሽር ከምተዛወሩ ተፈሊጡ።

News
Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኮበር ናብ ዝተባህለ ጽኑዕ ቤት ማሕቡስ ከምተወስደ ተፈሊጡ። ኣብ ሰሜናዊ ኻርቱም ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮበር፡  ኣባላት ፍሉይ ሓለዋ ዝርከብዎም ብዙሓት ወተሃደራትተዋፊሮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣኪርላህዛ ዝተባህለ ሓደ ናይ ሱዳን ጋዜጣ ኣብዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ኣልበሽር ካብቲ ዝነበሮ መቐበሊ ኣጋይሽ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰጊሩ ኣሎ። ብዘይካ ንሱ፡ ሓዉ ንዑመር ኣልበሽር ዝኾነ ኣብዱላህ ኣልበሽር፡ ጀማል ኣልዋሊ ዝተባህለ ነጋዳይ ከምኡውን ኣባላት ኣመራርሓ ናይቲ ኣልበሽር ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ  ዝርከብዎም ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣልበሽር ከምተዛወሩ እቲ ካዜጣ ጸብጺቡ። ናይቲ ሰልፊ ንብረት ብምልኡ ክውረስ ህዝቢ ይሓትት ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣልበሽር ምስ መሳርሕቱን ወዱን ተኣሲሮሙሉ ዘለዉ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝተሃንጸ ኮይኑ፡ ንኣልበሽር ዝቃወሙን ሱዳናዊያን ተጣበቲ መሰልን ክሳቐይሉ ዝጸንሑን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now